መቐጸልታ ሰናብቲ ዓቢ ጾም….
ሻዱሻይ ሰንበት (ገብር ኄር)
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ዝኸበርኩም ህዝበ ክርስቲያን ፍቃድ ኣምላኽ ኮይኑ እንሆ ጾም
ዓቢይ ናብ ሻዱሻይ ሰንበት ይከይድ ኣሎ። ሕጂዉን ከም ዝሓለፈ ትምህርትና፣ ካብ ዘወረድ፣ ቅድስት፣ ምኩራብ፣ መጻጉእ፣ ደብረዘይት ተኸቲላ እትመጽእ ሰንበት ካብተን ሸሞንተ ሰናብቲ ዓቢ ጾም፣ ልዕል እግዚኣብሔር
ኣምላኽ ብመንገዲ ጽሑፉ ክሙህረና ኣይዉ እሞ ሰናይ ምክትታል ይግበረልና።
መተሓሳሳቢ: ቅድሚ ምንባብ ምጅማርና ግን ነይዚ ሕጂ ኣብ ዓለምና ኣናዊጺ ዘሎ ሕማም CORONA Virus ምእንታን ምህረት ከዉርደልና ብምፍላይ ድማ በዚ ሕማም ተጠቂዖም ዘለዉ የሕዋትና ኣሓትናን ውዘተን ምህረት ከዉርደልና ካብዚ ሕማም ደዊየ ድማ ክስዉረና ናብ ኣምላክ ክንምሕለል ይግበዓና እዩ፣ ነዚ ክንገብር ድማ እግዚኣብሄር ብጸግኡ ይደግፈና፣ ኣሜን !!
መተሓሳሳቢ: ቅድሚ ምንባብ ምጅማርና ግን ነይዚ ሕጂ ኣብ ዓለምና ኣናዊጺ ዘሎ ሕማም CORONA Virus ምእንታን ምህረት ከዉርደልና ብምፍላይ ድማ በዚ ሕማም ተጠቂዖም ዘለዉ የሕዋትና ኣሓትናን ውዘተን ምህረት ከዉርደልና ካብዚ ሕማም ደዊየ ድማ ክስዉረና ናብ ኣምላክ ክንምሕለል ይግበዓና እዩ፣ ነዚ ክንገብር ድማ እግዚኣብሄር ብጸግኡ ይደግፈና፣ ኣሜን !!
እዛ ቅድስት ዕለት እውን ከምተን ዝሓለፋ ሰናብቲ ብማህሌታይ መዝሙር ያሬድ ዝትሰየመት እያ። በዛ ቅድስት ዕለት ኩሉ ስብከት፡ መዝሙር፡ ንባባትን ወንጌልን ስለ እዛ ቅድስት ዕለት ዝገልጹን
ዘስትምህሩን እዮም።
እዚ ዕለት ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ናይ ማቴዎስ ወንጌል ማት፡25 ብዛዕባ መንግስተ ሰማያት ብምስላ ኣብ ዝምህረሉ ዝነበረ ግዜ ስለ እሙን ኣገልጋሊ ኣመልኪቱ ዝመሃሮ ትምህርቲ እዩ።
እቲ ቅዱስ ቃል ከኣ ክምዚ ይብል “ከምቲ ክገይሽ ዝደለየ ሰብ እሞ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ ክነግድሉ ገንዘብ ዝሃቦም እዩ። ነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ነቲ ካልኣይ ክልተ መክሊት፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ መክሊት ሂብዎም ገሸ” (ማቴ25፣14-15)። እቲ በዓል ሓሙሽተ መክሊት ከኣ ብኡ ንብኡ ከይዱ ነገደሉ። ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ድማ ረብሐ። ከምኡ ድማ እቲ በዓል ክልተ
ከኣ
ካልእ ክልተ ረብሐ። እቲ ሓንቲ መክሊት ዝተቐበለ ግና፣ከይዱ ምድሪ ኲዒቱ ወርቂ ጎይትኡ ሓብአ። ድሕሪ ነዊሕ እዋን
ካኣ ጎይታ ናይቶም ገላዉ መጺኡ ምስኣቶም ክጸባጸብ ጀመረ። እቲ በዓል ሓሙሽተ መክሊት ጎይታይ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ ነይርካ፡ እንሆ ድማ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ እና በለ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽአ። ጎይትኡ ድማ ጽቡቕ ኣታ እሙንን ሕያዋይን ኣገልጋሊ ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጎስ ጎይታኻ እቶ በሎ። እቲ ክልተ መኽሊት ዝተቐበለ ድማ ቀሪቡ ፣ጎይታይ ክልተ መክሊት ሂብካኒ ነይርካ እንሆ ከኣ ክልተ መኽሊት ረባሕኩ በለ። ጎይትኡ ድማ ጽቡቕ ኣታ እሙንን ሕያዋይን ኣገልጋሊ ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ እየ፣ ናብ ሓጎስ ጎይታኻ እቶ በሎ። እቲ ሓደ መክሊት ዝተቐበለ ድማ ጎይታይ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ፡ ዘይበተንካዮ እትእክብ ጨካን ሰብኣይ ምዃንካ እፈልጥ እየ ፣ስለዚ ፈሪሔ ከድኩ ፣ነቲ መክሊትካ ድማ ኣብ ምድሪ ሓባእክዎ፣እንሆ ገንዘብካ በሎ። እቲ ጎይትኡ ግና መሊሱ በሎ ፣ኣታ ክፉእ ሃካይ ኣገልጋሊ ዘይዘራእክዎ ከም ዝዓጽድ፣ዘይበተንክዎ ከም ዝእክብ እምበኣር ትፈልጠኒ ዶ፧ ስለዚ ነቲ ገንዘበይ ኣብ ባንኪ ክተእትዎ ይግብኣካ ነይሩ። ኣነ ከኣ ንዝረብሕሉ ሰባት ምሃብክዎም ነይረ። ነቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ከኣ “እምበኣርሲ ነቲ መክሊት ካብኡ ኣግዲፍኩም ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ሃብዎ በሎም። ምኽንያቱ ንዘለዎ ዘበለ ኩሉ ይዋሃቦ ይወሰኮ እውን፣ንዘይ ብሉ ግና እቲ ዘለዎ እውን ኣግድፍዎ። ነዚ ሃካይ ጊልያ ግና ኣብ ፍጹም ጸልማት ደርብይዎ ኣብኡ ካኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።
ክምቲ
ጎይታናን መድሓኒናን ዝኮነ እየሱስ ክርስቶስ ዘብሎ “ምሥጢር መንግሥቲ ኣምላኽ ምፍላጥ ንኣኻትኩም ተዋሂቡ ዘሎ” ማር 4፡11 ዝብሎ፣ ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን ከም ናይ ዘበና ብወዘፈቀደ ዘይኮነስ፣
ብመነጽር መንፈስ ትመሪሖም ክትርግምዎ ከለዉ ከምዚ ይመስል።
- ብዓል ጸጋ
እቲ ብዓል ጸጋ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ
ክርስቶስ ክኸውን ከሎ እቶም ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ መኽሊት ዝተዋህቡ ድማ መምህራነ ወንጌል (መምህራነ ንስሓ) ዝኾኑ ስዩማት ኣገልግልቲ
ቤተ ክርስቲያን እዮም። እዚ ድማ ከከም ማዕርጎምን ዝተዋህቦም ጸጋን ከምቲ ዝግብኦም ከገልግሉ ዝግብኦም ካብ ዲያቆናት ክሳብ ሊቃነ
ጳጳሳት ንዘለዉ ኣገልገልቲ ይምልከት። ብካልእ ወገን ድማ ከከም ዓቕሞም ከገልግሉን ብመገዲ ቅድስናን ክመርሑን ኣብነታውያን ክኾኑን
ኣብ 40ን 80ን መዓልቲ ካብ ኣብራከ መንፈስ ቅዱስ ካብ ማኅፀነ ዮርዳኖስ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንዝተቐበሉ ኵሎም ምእመናን ይውክል።
- መክሊት
መክሊት
ከኣ ብጸጋን ሓላፊነትን ብጎይታ ንደቂሰባት ዝተዋህበ ይምሰል። እዚ ከኣ ንኣገልግልቲ ጥራይ ዝተነግረ ዘይኮነስ ንኵሉ ኣካል ምእመና
ቤተ ክርስቲያን’ውን እይው። እቲ መክሊት በ ብክፋሉ ክትርጎም ከሎ ከኣ፣
1.1 ሓሙሽተ መክሊት ፍጹም ትምህርቲ ተማሂሩ፡ ምሂሩ ድማ ንዕኡ ዝመስሉ ሰባት ዘፍረየ ሰብ እዩ። ልክዕ ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስ ሰናይ ዝኾነ ቃል ዝተማህረ፡ ስልጣን ዝተቀበለ እሞ በዚ ዝተዋህቦ ትምህርቲ ምሂሩ ብዝተዋህቦ ስልጣን ከኣ
ሽመትን ማዕርግን ዝዓደለን ዝሃበን ማለት እዩ። እዚ ከኣ ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ንቀሌምንጦስ፡ ብርሃን ዓለም ዝተሰምየ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ከም ዘፍረዩ እዩ።
1.2 ብኻልኣይ ከኣ በዓል ሓሙሽተ መክሊት ከኣ ሊቀ ጳጳሳት እዩም። እዚ ከኣ ብኣንብሮ ኢድ ኣብ ልዕሊ ጳጳስ ምሻም፡ ቀሲስን ዲያቆንን፣ምቑራብን ምጥማቕን እዮም። ምኽንያቱ ናይ ሊቀ ጳጳሳት ማዓርግን ዝተዋህቦ ሓደራን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ስለ ዝኾነ። ንምእመናን ምፍራይ ጥራሕ ዘይኮነ እውን ንዕኡ መሲሎም ፣ነቲ እግሪ ተኸቲሎም ኣብ ጉስነትን ሓላፍነትን ዝመጹ ካብ ዝተሓተ ማዕርግ ናይ ዲቁና ክሳዕ ሊቀ ጳጳሳት ምፍራይን ምምልማልን ናቱ ሓላፍትነትን ስልጣንን እዩ። ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ጳጳሳትን ኣብ ኩሉ ቦታታት ዘለዉ ናይ ቤተክርስቲያን መማህራን ኣቦታትን ንሃዋርያት መሲሎም ሃዋርያት ዝመስሉ ሰባት ከፍርዩ ምቁጽጻርን ምጉሳይን ናይዚ ላዕላዋይ ተጸዋዒ ናይ ቤተክርስቲያና ዝኾነ ሊቀ ጳጳሳት እዩ። እዚ ስለ ዝኾነ በዓል ሓሙሽተ መክሊት ተመሲሉ ኣሎ።
1.3 ብ ሣልሣይ ዉን ሓሙሽተ መክሊት ብሊቀ ነቢያት ሙሴ ዘተጸሓፈ ሓሙሽተ ኦሪት ይምሰል።
ከምኡ እውን ሓሙሽተ መክሊት ዝተባህሉ ጥምቀት፣ተኣምኖ ሓጣውእ፣ሰማእትነት፣ብሕትውና፣ምንኩስና፣እምነት፡ ደስታ፡ ምሕረት፡ ትዕግስቲን ተስፋን ክምሰል ይክእል እይው።
2. በዓል ክልተ መክሊት
በዓል ክልተ መክሊት ዝተባህለ ተማሂሩ ምሂሩን መኺሩን ዘፍረ እዩ።ከም
ቅዱስ
ጴጥሮስ፣ምኽንያቱ ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስ ክልተ መልእኽቲ ስለ ዝጸሓፈ
ከምኡ’ውን ብሉይ ኪዳንን ሓዲሽ ኪዳንን
ስለዝመሃረ(1ጴጥ1፣10-12,2ጴጥ1፣19-21)።ብተወሳኺ ከኣ ክልተ መክሊት ዝተባህሉ ጥምቀትን ተኣምኖ ሓጣውእን(ሓጢኣት) እዮም።
3. በዓል ሓደ መክሊት
በዓል ሓደ መክሊት ዝኾነ መምህር "ዐላውያን
ሓዊ ስሕለት ኣርእዮም እንተ ኣክሓዱኒ፤መናፍቓን ተኸራኺሮም እንተረቱዑኒ፤ኢሉ ብሰንኪ ፍርሒ ኩዒትካ ከም ምቕባር ሃይማኖቱ ኣብ ልቡ
መቓብር ቀቢሩ ከይመሃረ ግዚኡ ዘሕለፈ እዩ፣ ካብ ብዙሕ ኣብነት ኣብ
መጽሓፍ ቅዱስ፣ ከምቲ ነቲ ዝይነጽፍ ዝተዋሕቦ ጽጋ ሓዲጉ ብግዚያዊ ርብሓ ናይ ዚ ዓለም ተጠቢሩ፣ ንጎይትኡ ብ 30 ዲናር ዝሸጠ
ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ክግለጽ ይክእል እይው፣ ማቲ26፡1-መፈ።
ጎይትኡ
ነቲ በዓል ሓደ መክሊት ንምንታይ ከምኡ ከምዝገበረ ምስሓተቶውን "ኦ ጎይታ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ ዘይበተንካዮ እትእክብ/
ሕጊ ከይሰራዕካ ብናይ ኣእምሮ ጠባይ ፈሊጥኩም፤መምህር ከይሃብካ ብሥነፍጥረት ተመራሚርኩም ንምንታይ ዘይሰራሕኩም ኢልካ እትፈርድ፣
ጽኑዕ ሰብ ከም ዝኾንካ ይፈልጥ እየ። ስለዚ ዓላውያን ሓዊ ስሕለት ኣርእዮም ከየክሑድኒ፤መናፍቓን ተኸራኺሮም ንከይረቱዑኒ ፈሪሐ
ሃይማኖተይ ኣብ ልበይ ሒዘዮ!" ክብል መለሰሉ። ጎይታ ድማ "ኣንታ ሃካይን ክፉእን ኣገልጋሊ ዘይዘራእክዎ ከምዝዓጽድ ዘይበተንክዎ ከም ዝእክብ ጨካን
ከም ዝኾንኩ መንነጊሩካ?/ሕጊ ከይሰራዕኩ ብናይ ኣእምሮ ጠባይ ፈሊጥኩም፤መምህር ከይሃብኩ ብሥነፍጥረት ተመራሚርኩም
ንምንታይ ዘይሰራሕኩም ኢለ ዝፈርድ/ ጽኑዕ ጨካን ከም ዝኾንኩ ትፈልጥ ዲኻ? እዚ ካብ ፈለጥካስ ሽመተይ ክትመልሰለይ ይግባኣካ ነይሩ።
ኣነ ድማ ወጺኡ ወሪዱ ንዘስተምህር ምሃብክዎ ነይረ"ኢሉ መለሰሉ። ምኽንያቱ ሽመቱ ፈቲኻ ስራሕ ጸሊእካ ኣይከውንን እዩ ኣሞ።
ነቲ ዘለዎ ክውሰኾ እዩ፤ እዚ ሰብ መምህርነቱ ክምንዛዕ እዩ። ናብ መግስተ ሰማያት ብመምህርነት ማዕርግ ኣይክኣቱን እዩ፤ብህዝባዊ ግን ክኣቱ እዩ። ምኽንያት ሃይማኖቱ ኣይከሓደን። "ኣብ ደገ ናብ ዘሎ ጸልማት ደርብይዎ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናን ክኸውን እዩ"፣ ዝብል ብክልተ መንገዲ ይትርጎም።
1. ቀዳማይ ሃይማኖቶም ንዝኸሓዱ ዝምልከት ኮይኑ ፍርዶም ገሃነመ እሳት ከም ዝኸውን ንምግላጽ እዩ።
2. ካልኣይ ድማ ላዕልን ታሕትን ኢለ ምእንቲ ወንጌል እንተ ዝደክም ነይረ ብመምህርነት ማዕርግ ምኣተኹ ነይረ ኢሎም ዘቕርብዎ ናይ ጣዕሳ ምልክት እዩ።
ብካልእ መረዳእታ ድማ እምነት ዘለዎ ምግባር ግን ዝጎደሎ ምዉት እምነት ዝሓዘ ምእመን ማለት እዩ። ነታ ሓንቲ መክሊቱ (እምነቱ)ምግባር ከትርፈሉ ክውስኸሉ ዝግባእ እኳ እንተ ነበረ ነዚ ብዘይምግባሩ እምነቱ ተመንዚዑ ንክሕደት ከም ዝቃላዕ ዘመልክት እዩ። ወይውን ዋላኳ ብክሕደት እንተ ዘይወደቐ ንክፉእ ግብሩ ንስሓ እንተ ዘይኣትዩ እንተ ዘይተመሊሰ ከምዚ ዝበለ ምእመን ፍረ ዘይብሉ ኮይኑ ብምጽንሑ ናብቲ ምሕርቃም ኣስናን ዘለዎ ገሃነመ እሳት ክድርበ እዩ እሞ ዝብል ንስለ ነብስና ክንብል ንጠንቀቅ።
ኣብ መወዳእታ ድማቲ ዝተዋህበናን ዝተኣዘዝናዮን ኣትሪፍናን እሙናት
ኮይንና እንተ ተረኺብና ክንሽየም ኢና። ክምኡውን “ውሑድ” ተባሂሉ ዘሎ
ከምቲ ዝተገልጸ ምድራዊ ዕድመና እዩ። ቅዱስ ዳዊት ዕድመ ወዲ ሰብ ሰብዓ እንተ ነውሐ ሰማንያ እዩ (መዝ 90፣10) ከም ዝበለ ዝነውሐ ዕድመ ኣብዚ ምድሪ ነይሩ ዝባሃል ማቱሳላ እውን 969 ዓመት እዩ። እዚ ምስቲ ድሕሪ መፈጸምታ ዓለም
ዝኸውን እንተ ኣወዳዲርናዮ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ነዚ እዩ ከኣ ጥበበኛ ሰሎሞን “ካብቲ ብህይወት እትነብሮስ ድሕሪ ሞት ዘሎ ግዜ ከም ዝነውሕ ኣስተውዕል” ክብል ዝተዛረበ። ስለዚ ኩሉ ኣብዚ ዓለም እነሕልፎ ግዜ ኩሉ ዋላ እውን እቲ መሪር ናይ ሞት እዋን እውን እንተኾነ ምስቲ ኣብ ሰማይ ዝጽበየና ዘሎ ክብሪን ናይ ህይወት ናብራን ፈጺሙ ዝመዓራረ ኣይኮነን (ሮሜ8፣28፣ገላ4፣14,ዘዳ32፣32,ዮሃ6፣9)።እዚ ምዃኑ ፈሊጥና እምበኣር መታን ኣብታ ዘይትሓልፍ መንግስቲ ቦታ ክንረክብ፡ ኣብታ ዘመን ዘይቁጸረላ ሃገር ከኣ ክንነብር ኣብዛ ሓጻር ዕድመና እሙናት ክንከዉን እግዚኣብሔር ኣምላኽና ብጸግኡ ይደግፈና። ኣሜን!!
ንባባት፣ (ዕብ.12:11-17፣ያዕ.5:14-ፍ፣ግ.ሐ.3:1-12፣ዮሐ. 11፡7-13)
ምስባኽ፣ መዝ 41
ኣርእስቲ መዝሙር፣ (እግዚአብሔር ይረዴኦ ውስተ ዓራተ ሕማሙ።ወይመይጥ ልቱ ኰል ምስካቢሁ እምዯዌሁ።አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃሇኒ።)
ስብሓት
ለእግዚኣብሔር
ወወላዲቱ
ድንግል
ወለመስቀሉ
ክቡር
ኣሜን!!!
ይቅጽል.....................