መቐጸልታ ሰናብቲ ዓቢ ጾም….
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ክቡር ህዝበ ክርስቲያን፣ ፍቃድ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኮይኑ ኣንሆ ጾም ኣርበዓ ይፍጸም ኣሎ፣ ክብሪ ንልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ይኹኖ። ጾም ኣርበዓ
ናብ ሻሙናይ ሰንበት ይከይድ ኣሎ። ሕጂዉን ከም ዝሓለፈ መዓልታትካብ ዘወረድ፣ቅድስት፣ምኩራብ፣መጻጉእ፣ ደብረዘይት፣ገብርኄር፣ኒቆዲሞስ ተኸቲላ እትመጽእ ሰንበት ካብተን ሸሞንተ ሰናብቲ ዓቢይ ጾም ሆሳዕና
ተባሂላ ትጽዋዕ። ብመንገዲ ብጽሑፉ ኣቢሉ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ክሙህረና ኣይዉ እሞ ሰናይ ምክትታል ይግበረልና።
እዚኣ ዓባይ ዕለት ከምተን ዝሓለፋ ሰናብቲ ብናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ሊቅ ዝኮነ ማህሌታይ መዝሙር ያሬድ
መበገሲ ኣብ ወንጌል (ማቴ21፡1-9)
ብምግባር እይዉ ዝሰመያ። በዚ ዕለት እዚ ብዛዕባ ምእታው ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ
ክርስቶስ ካብ ቤተ ፋጌ ናብ ኢዮሩሳሌም ዝንገረሉ መዓልቲ እዩ። ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ
ክርስቶስ ናብ ኢዮሩሳሌም ክኣቱ ኣብ ዝተበገሰሉ ግዜ ኣብ ደብረዘይቲ እትርከብ ቤተ ፋጌ እትብሃል ዓዲ በጽሐ። ቤተ ፋጌ ኣብ እንባ
ደብረ ዘይቲ ድኻታት ዝነብሩላ ናይ ድኻታት ዓዲ እያ ነይራ፣ ቀደም ጥራሕ ዘይኮነት ሕጂውን እንተኾነ ንእሽቶይ ቁሸት እያ። ኣምላኽና
ኢየሱስ ክስርቶስ ናብ ቤተ ፋጌ ምብጽሑ እምበኣር ብገዛእ ፋቓዱ ቤዛ ኮይኑ ነቶም ካብ ኣዳም ጀሚሮም ካብ ኣምላኾም ተፈልዮም፡ ንጽድቂ ጠምዮም ዝነበሩ ደቂ ኣዳም፡
ንሱ ብድኽነቱ ሃብታማት ክገብሮም ምዃኑ ንኸበርህ እዩ። ኣብዚ ቦታ እዚ ምስ በጽሐ እምበኣር ካብ ደቂ መዛሙርቱ ክልተ ለኣኸ እሞ
ከምዚ እና በለ ኣዘዞም፡ “ኣብ
ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኪዱ ኣብኡ እስርቲ ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ክትረኽቡ ኢኹም ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ፡ ዝኾነ ሰብ ሓደ ነገር እንተ
በለኩም፡ ጎይታ ይደልዮም ኣሎ በሉ ብኡ ብኡ ድማ ክሰዶም እዩ” በሎም።ቅዱሳን ሃዋርያት ትእዛዝ ኣምላኾም ሰሚዖም
ከዱ እሞ ነታ ተኣሲራ ዝጸንሐት ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ኣምጽእሉ። ነዚ ኣቦታትና ብመነጽር መንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ክገልጽዎ ከለዉ፣ እታ ዓባይ ኣድጊ
ናይ ኣዳም ምሳሌ ክትከውን ከላ እታ ዒሉ ከኣ ናይ ዘርኡ ምሳሌ እያ። ፈቲሕኩም ኣምጽእለይ ምባሉ፡ ድማ እንሆ ኣዳምን ደቁን ካብ
ማእሰርቲ ሓጥያት፡ ካብ ግዝኣት ዲያብሎስ ነጻ ዝወጽሉን ዝፍትሕሉን ሰዓትን ግዜ ከም ዝኣኸለ፡ ነታ ኣድጊ ፈቲሖም ከም ዘምጽእዋ
ሎሚ እውን ክርስቶስ ንዝሃቦም ስልጣን መሰረት ካብ ሓጢኣትና ዝፈትሑና ካህናት ኣቦታት ከም ዝሃበና ዝገልጽ ምስጢራዊ ቃል ኽከውን
ከሎ ፡ ጎይታ(ጎይትኦም) ይደልዮም ኣሎ ዝቦሎ ከኣ ፈጣሪ ስለዝኾነ፡ ንኣድጊ ዝፈጠረ ኣምላኽ እንታይን ናበይን ደሊኻየን ክብል ዝኽእል ከም ዘየለ ንምግላጽ ዝተዛረቦ እዩ።
ነታ ኣድግን ነታ ዒሉኣን ኣምጽእሉ ክዳውንቶም ድማ ኣብ ዝባነን ጎዝጎዝሉ
፡ኢየሱስ ከኣተወጥሐን። እቶም ህዝቢ ድማ ብምልኦም ክዳውንቶም ኣንጸፉ፡ ካልኦት እውን ካብ ኣእዋም ጨንፈር እና ሰልዑ ኣብቲ መገዲ
ይንስንሱ ነበሩ። እቶም ቀቅድሚኡ ዝኸዱ ደድሕሪኡ ዝስዕቡ ህዝቢ ከኣ ሆሳዕና
ንወዲ ዳዊት እቲ ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም እና በሉ ይጭርሑ ነበሩ (ማቴ21፡9)።
ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣድጊ ምውጥሑን ናብ ኢዮስሩሳሌም ”ሆሣዕና ንወዲ ዳዊት” እና ተባህለሉ ምእታዉን ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን። እዚ ዝኾነ ኣብ ኣፍ ነብያት ሓዲሩ ዝተዛረቦ ናይ ትንቢት ቃልን ምስጢራዊ ትርጉሙን ንክፍጸም እዩ። እዚ
ከኣ ኣቐዲሙ ብነቢይ ዘካርያስ ዝተነበዮ ትንቢት ከምዚ ይብል “በልዋ ለጽዮን ነዋ ንጉሰኪ
ይመጽእ ሓቤኪ ጻድቅ ወየዋህ እንዘ ይጽዔን ዲበ ዕድግት ወዲበ ዕዋላ
ንጓል ጽዮን፥ (ኣ ሕዝቢ ጽዮን፣ ኣዚኹም ተሐጐሲ፣ ኦ ሕዝቢ ኢየሩሳሌም፡ ብታሕጓስ እልል በሉ። እንሆ ንጉስኩም ናባኹም ይመጽእ ኣሎ፣ እወ መድኃኒ ዓወት ለቢሱ ብግርማ ይመጽእ ኣሎ። ግናኸ ትሑት
እዩ፣ ኣብ ኣድጊ፣ ኣብ ጻብዕ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ) ዘካ (9፡9)። እዚ ቃል እዚ ንምፍጻም ክርስቶስ ኣምላኽና
ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ ኢዮሩሳሌም ኣተወ።
ኣብዚ ትንቢት እዚ ጓል ጽዮን ማለቱ ንሕዝቢ ኢየሩሳሌም
እዩ። ከምኡ ‘ውን ንጓል ሕጊ ማለቱ እዩ” (ኢሳ2፡3)።
ምኽንያቱ ኣደ ንውላዳ ቀጺዓ ከም እተዕቢ፡ ሕጊ ድማ ንሰብ ትቐጽዕን ትመርሕን እያ። ጻድቕን ለዋህን ንጉስኪ ማለቱ ድማ ከምቲ ነቢይ ዘካርያስ ”ኣነ ከኣ ሰረገላ ካብ ኤፍሬም ፈረስ
ድማ ካብ ኢዮሩሳሌም ከጥፍእ እየ፡ ቀስቲ ውግእ ከጥፍእ እዩ ፡ንሱ
ንኣህዛብ ሰላም ክነግሮም እዩ ” ኢሉ ዝተነበዮ (ዘካ9፡9-11)፣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ነጊሶም
ዝነበሩ ምድራውያን ነገስታት ፍሉይ ዝኾነ ትሑትን ሰላማውን ንጉስ ምዃኑ ንክገልጽ እዩ። ነቢይ ኢሳይያስ እውን ኣብ ትንቢቱ መስፍን
ሰላም ክብል ገሊጽዎ ኣሎ (ኢሳ9፡6)። ጎይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በዚ ዕለት እዚ
ከምቲ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ ካብ ደብረዘይቲ ተበጊሱ እዩ ኢዮሩሳሌም (ቤተ መቕደስ) ዝበጽሐ። ካብ ደብረዘይቲ ናብ ቤተ
መቕደስ ዘሎ ርሕቀት 16 ምዕራፋት እዩ (ዮሃ11፡18)። እቲ
ዓሰርተ ኣርባዕተ ምዕራፋት ብእግሪ ክጓዓዝ ከሎ እቲ ክልተ ምዕራፋት ከኣ ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ እዩ ንቤተ መቕደስ ሰለስተ ግዜ ዝዞራ።
። ሰለስተ ግዜ ምዛሩ፣ ምልክት ናይ ሰለስትነት፡
ናይ ዓሰርተ ምዕራፍ ጉዕዞ፣ ምልክት ናይ ዓሰርተ ትእዛዛት፡ እቲ ናይ ኣርባዕተ ምዕራፍ
ጉዕዞ ከኣ ምልክት ናይ ኣርባዕተ ኪዳናት ማለት ኪዳን ኖህ፡ ክህነት መልከጼዴቅ፡
ግዝረት ኣብርሃም፡ ጥምቀት ዮሓንስ እዮም። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ ኢየሩሳሌም ዝኣተወ፡ ኣብ
ማእከል ሕዝቢ ከኣ ዝተራእየ፡ እቲ ነብያት ኣቐዲሞም ዘርእይዎ ዝነበሩ ምሳሌ ምእንቲ ክፍጸም እዩ። ነብያት ዘመነ መከራ እንተድኣ
ኮይኑ ጸሊም ተኸዲኖም፡ ኣብ ፈረስ ተወጢሖም፡ ዘመነ ሰላም እንተኾይኑ ከኣ ጻዕዳ ተኸዲኖም ኣብ ኣድጊ ተወጢሖም ኣብ ማእከል ህዝቢ
ክዘሩ ይረእዩ ነበሩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ዘመነ ሰላም ክኾነልኩም እዩ ንኽብል ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ኣብ ማእከል ህዝቢ ዝተራእየ።
ከምኡ እውን ኣብ ኣድጊ ዝተወጥሐ ፡ሰብ በሪሩ ካብ ሰብ ከም ዘየምልጥ ፡ጎይታ ድማ ኣብ ኣድጊ ምቕማጡ ብእምነት፡ ብጸሎት እንተደሊኹምኒ
ክትረኽቡኒ ኢኹም ማለቱ እዩ (ኢሳ55፡6) በቲ ሓደ ወገን’ውን፣
- እታ ዓባይ ኣድጊ ናይ ኦሪት ምሳሌ እያ።እታ ገልገል (ዒሉ) ከኣ ናይ ወንጌል ምሳሌ እያ። ዓባይ ኣድጊ ጽዕነት ዝለመደት እያ፡ ኦሪት ከኣ ዝተለምደት ሕጊ እያ። ገልገል ኣድጊ ጽዕነት ዝለመደት ኣይኮነትን፡ ወንጌል ከኣ ዘይተለምደት ሕጊ እያ።
- እታ ዓባይ ኣድጊ ናይ እስራኤል ምስሌ ክትከውን ከላ እታ ገልገል(ዒሉ) ከኣ ናይ ኣህዛብ ምሳሌ። ህዝቢ ኣድጊ ጽዕነት ዝለመደት እያ፡ ከምኡ ከኣ እስራኤላውያን ምሕላው ሕጊ ዝለመዱ እዮም። ብኣንጻሩ ገልገል ጽዕነት ዝለመደት ኣይኮነትን እህዛብ ከኣ ምሕላው ሕጊ ዘይለመዱ እዮም።
በዚ ተገሊጹ ዘሎ ምሳሌን ትንቢቱን እዩ እምበኣር ክርስቶስ ኣምላኽና ኣድጊ ተወጢሑ ናብ ኢዮሩሳሌም ናብ
ቤተ መቕደስ ዝኣተወ። በዚ ዕለት እዚ ካብ ዝተፈጸሙ ነገራት እንተርኢና፡
ኣቐዲሞም ሃዋርያት ነተን ካብ ዝተኣሰርኦ ፈቲሖም ዘምጽእወን ኣድግን ገልገልን ክዳውንቶም ኣጎዝጎዝለን ይብለና። ከምኡ እውን እቶም ህዝቢ ብቕድሚኡን ብድሕሪኡን ኮይኖም ካብ ገረብ
ጨንፈር እና ሰልዑ ነቲ መገዲ መልእዎ።ኣቐዲምና ከም ዝረኣናዮ ፡ ኣድግን ገልገልን ናይ ኦሪትን ወንጌልን ምሳሌ እየን።ኣምላኽና
ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽልቴን ኣምጽኡለይ ምባሉ ኦሪትን ወንጌልን ኣጣሚርኩም ሓዙ ንምባል እዩ። ክዳውንቶም ምጉዝጓዞም ከኣ ኦሪትን
ሓዲሽ እንተሓለኻዮ ዝኹርኩሕ ኣይኮነን፡ከምኡ ከኣ መግለጺ ፍቕሮምን ኣኽብሮቶምን እዩ። እግዚኣብሔር ዓይነ ልቦንኦም ከፊቱ ንኣምላኽ
ዝጾረት ፡ዝተሰከመት ኣድጊ ክብሪ ይግባኣ እዩ። ሓመድ እውን ክትረግጽ የብላን ብምባል ብቕድሚትን ብድሕሪትን እና ኸዱ ክዳውንቶም
ኣንጸፉ ፡ ካብ ኣግራብ ጨንፈረ እና ቆሮጹ ድማ ነቲ መሬት ነስነስሉ።እዚ ዝገበሩ ኣቐዲሞም እውን የሁ ክነግስ ከሎ ከምዚ ገይሮምሉ ነበሩ፣ እቲ ታሪኽ ብዝበለጸ ኣብ (2ነገ 9፡1-13) ብሰፊሑ
ክንውክውስ ንክእል እይና። ሆሣዕና ንወዲ ዳዊት ፡እቲ ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ብሩኽ ዩ እዩ
! ሆሣዕና ኣብ ኣርያም እና በሉ ይጭርሑ ነበሩ። ”ሆሣዕና”
ዝብል ቃል ኣድሕነና ኮታ (ሕጂ
ኮታ ኣድሕን) ዝብል ትርጉም ዝሓዘ እዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ እቶም ምስኡ ዘነበሩ ህዝቢ “ሆሣዕና” ንወዲ ዳዊት እዚ ማለት ንወዲ ዳዊት መድሓኒ (ኣድሕን) ምባል ይግብኦ
እዩ ኢሉም ብእዓውታ ዝጨደሩ። ቀጺሎም እውን ልቢ ኣምላክ ቅዱስ ዳዊት ዝተዛረቦ ቃል መታን ክፍጸም “ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ ሆሣዕና ኣብ ኣርያም እና በሉ ዘመርሉ። እዚ እውን “ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ ማለት
መርገመ ስጋን መርገመ ነፍስ ዘርሕቕ፡ በረከተ ስጋን በረከተ ነፍስን ዝዕድል፡ ኣብ ኣርያም ዘሎ መድሓኒ እዩ እና በሉ
ዝዘመርዎን ዘመስገንሉን ዕለት እዩ ነይሩ። አብ ከተማ ኢዮሩሳሌም በዓል ፋሲካ ንምኽባር አቐዲሞም ካብ ዝተአከቡ መብዛሕት ኣም አይሁድ
ንጐይታ ንኽቕበሉ ቆጽሊ ስየ ሒዞም ወጹ።ንዕኡ ንምቕባል ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ካብ ምውታት ዘተንሥኦ አልአዛር ንምርአይ እውን ነይሩ።
ንሳቶም’ውን ብወገኖም ከምቲ ጐይታ አቐዲሙ ዝበሎ ”ሆሣዕና እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ናይ እስራኤል ንጉስ ብሩኽ እዩ “እናበሉ
ሕጻናት ‘ውን ከይተረፉ ዓው ብዝበለ ድምፂ ከም ዘመስገንዎ አብ ወንጌል ተጻሒፉ ንረኽቦ(ዮሐ12፡12-15)፣ ከተማ ኢዮሩሳሌም ክሳብ ትናወጽ እናተዘመረሉን እናተመስገነን ትኽ ኢሉ ውሽጢ ከተማ ናብ ዘላ ቤተ መቕደስ አተወ።አብአ እውን
ነቶም ዝሸጡን ዝልውጡን ዝነበሩ አውጽኦም። ነቲ ናይ መሽረፍቲ ገንዘብ ሰደቓ’ውን ደንከሎ።ብሓፈሻ ነቲ ቤት መቕደስ ከም ዚኣቶም
ካብ ዝኣመሰሉ ዘየድልዩ ነገራት ድሕሪ ምጽራዩ “ቤተይ ቤት ጸሎት ክበሃል እዩ ዝብል ጽሑፍ
ኣሎ” ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጉሓላሉት ገብርኩሞ” ብምባል በዓቲ ሰረቕትን
ጉሓላሉትን ክትከውን ከም ዘይብላ ኣጠንቀቖም። እዚ ዝበለ ከኣ ኣብቲ ቤት መቕደስ ዝተኸትረን ዝተሰርቐን ንብረት ይሽየጥ ስለዝ ነበረ
እዩ ቤት በዓቲ ሰረቕትን ጉሓላሉትን ገበርኩሞ እና በለ ዝተዛረቦም፡
ኣብ መጨረሽታ ከኣ ዝሰጎጎም። ናብቲ ቤት መቕደስ ድማ ዕዉራትን ሓንካሳትን መጹ እሞ ንሱ ከኣ ኣሕወዮም።
ነዚ ተኣምራት እዚን ዝረኣዩ ሊቃነ ካህናትን
መማህራን ሕግን ኣዝዮም ጓሃዩ። ነዚ ኩሉ ርእዮም ዝጓሃዩ ጸሓፍቲ ሕግን ፈሪሳውያንን እምበኣር ሕጻናትን ደቀ መዛምርቱን ምእንቲ
ከይዝምርሉን ከየመስግንዎን ብቑጥዐ (ብነድሪ) ተዛረቡ።ንሱ ግና ኣቐዲሙ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ “ካብ ኣፍ ሕጻናትን ኣፍዝጠቡን ምስጋና ኣዳሎኻ” (መዝ 8፡2)
ተባሂሉ ዝተጻሕፈ ትንቢት ምእንቲ ክፍጸም ምዃኑን ንዓኣቶም ስቕ እንተ ኣበልዎም‘ውን ኣእማን ቢታንያ ከምዘመስግንዎ ነጊርዎም ናብ
ቢታንያ ደየበ ኣብኡ እውን ሓደረ (ማቴ21፡16-17,ሉቃ19፣40)
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ናይ ምዃን ቀንዲ ዕላምኡ ንወድ ሰብ ካብ’ቲ ጠፊእሉ (ሸፊትሉ) ዝነበረ ደሊኻ ንምምጻእ
ናብ ቀዳማይ ክብሩ ማለት ናይ ክብሪ በዓል ቤት ንምግባርን ናብ ገነት ንምምላስን እኳ እንተኾነ ወዲ ሰብ ግና ኢዱ ዘርጊሑ ኣይተቐበሎን።
ዝደለዮ ዓይነት ምድራዊ ሥልጣን ንጉስ ስ ለዘይኮነ ጐይታ ናይ’ዚ ዓለም ድኹም ነገር ብምምራጽ ናይ’ዚ ዓለም ጥበብን ሓይልን ሥልጣንን
ኵሉ ከንቱ ምዃኑ እናገለጸ ሰማያውያን ናይ ሰማይ ዘበለ ኩሉ ክደልዩ ከም ዘለዎም መሃረ። ናይ’ዚ ሓደ ምስክር ዝኾነና ኣብ ኣድግን
ገልገልን ምውጥሑ እዩ።ኣድጊ ምርኡይ ሰብ ዘይውጥሓ ብኣና ዝተናዕቀት እንስሳ እያ።እንተኾነ ግና ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ
ትንቢት መታን ክፍጽም ኣብ ኣድግን ገልገልን ተወጢሑ እናተመስገነ ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም ኣተወ። ኣቕዲሙ ብብዙሓት ዝተፈላለዩ ሰባት
ናይ መፈራርሒ ቃላትእኳ እንተበጽሖ ክስቀልን ንዓለም በጃ ዝኾነሉ
ቦታ ኢየሩሳሌም ጥራሕ ስለዝኾነ ናብ ኢየሩሳሌም መጸ።ከምቲዝተገልጸ እታ ኣድጊ ምስ ገልገላ ናይ ኣዳምን ሔዋንን ምስ ደቆም ምሳሌ ክኾና ከለዋ፡ተኣሲረን
ምጽነሐን ድማ ደቂ ሰባት ኩሎም ካብ ኣምላኾም ብምኽንያት ርኹሳን መናፍስቲ ርሒቆምን ብናይ ሓጢኣትን ፍርድን ማእሰርቲ ተኣሲሮም
ምንባሮም፣ተፈቲሐን ክመጻሉ ስለዝደለየ ድማ ንሓዋርያት ናይ ክህነት ሥልጣን ሂቡ ካብ ናይ ሓጢኣት ማእሰርቲ ፈቲሕኩም ናይ ሃይማኖት
ትምህርቲ ሚህርኩም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም ብምባል ዝኣዘዞ ቃል የመልክት (ማቴ16፣19, ማቴ28፣19,ማር
16፡15) ሰይጣን እንተ ተኻራኸረኩም “ንጐይታ የድልይዎ እዮም ” ኢልኩም ብመንገዲ ጽድቂ መሪሕኩም ናባይ ኣምጽእዎም
ብምባል ከም ዝለኣኾም ከኣ ንርዳእ።
ናብቲ ናይ ደብረ ዘይቲ ቁልቁለት ምስ ቀረቡ ደቀ መዛምርቱ ደስ እናበሎም ብዓቢ ድምጺ “እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ንጉሥ ዝተባረኸ እዩ አብ ሰማይ ሰላም አብ አርያም’ውን ክብሪ”
እናበሉ የመስግኑ ነይሮም። አብ ከተማ ኢየሩሳሌም በዓል ፋሲካ ንምኽባር ተአኪቦም ዝነበሩ አይሁድ፣ ዓወት ምጉንጻፍ ንናይ ሰላም
አምላኽ ምዃኑን ንምምስካርን ናይ ስየ ቆጽሊ ሒዞም ክቅበልዎ ወጹ። ስየ ናይ ዓወትን ሰላምን ምልክት እዩ። ረአዩ ንጉሥ ነገሥታት
ጐይታ ክነግስ ከሎከምቲ ናይ አብርሃምን ይስሃቅን ያዕቆብን ስየ ሒዞም ዘመስገንዎ ንሳቶም’ውን ከምኡ ክዳውንቶም አንጺፎም ስየ ሒዞም
ምኽባሮምን ምስዓቦምን ሐደ ዓይነት (ተመሳሳሊ) እዩ።ብኻልእ ወገን ድማ ብአምላኽነቱ ዝተጠራጠሩ ዕሩቅ ብእሲ (ለቱስብሐት) ወዲ
ዮሴፍ ዝመሰሎም ፈሪሳውያንን ጸሓፍቲ ሕግን ከመይ ኢሉ ብኸምዚ ምስጋና ይመስገን ብምባል ተቆጢዖምን ጉህዮምን ነበሩ (የሐ.6፣42, ማቴ.13፣54-56
ሉቃ.3፣23) ንሱ ግን ነቶም ተጠራጠርትን ትዕቢተኛታትን ንኸሕፍር ካብ አፍ ሕጻናት ምስጋና አዳለወ (መዝ. 8፣2፣ ማቴ.
21፣16)። አብቲ ግዜ ዝነበሩ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ግን ነቲ ጻዊዒት ክሰምዕዎ አይደለዩን። ክብሩ ክርእዩ ምስጋንኡ’ውን
ክሰምዑ አይተበገሱን ነይሮም። ምድራዊ ዝኾነ ነገር እምበር ሰማያዊ ክብሪ ንርእሶም ዘይደልዩ ስለ ዝኾኑ ጐይታና ብአፍ ቆልዑ ምምስጋኑ
አቆጥዖም። ወዲ ሰብ ሎሚ’ውን እንተኾነ ምድራዊ ዝኾነ ክብርን ሥልጣንን ክደሊ ነቲ ሰማያዊ ርስቱ ይስእኖ አሎ።
ናይ ዲያብሎስ አገልጋሊ ብምዃንን ናይ ትምኒት ሥጋኡ ግዙእ ብምዃን አብ ናይ ኃጢአት ማእሰርቲ ተዓጊቱ አሎ።
ናይ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ትሕትና ትምህርቲ ዘንጊዑ እምቢ አየስተውዕልን ብምባል ብትዕቢት ሕጂ’ውን
ናይ ባዕሉ መንገዲ እንዳፈጠረን ናብ ናይ ዲያብሎስ ( አቦሓሶት
) መገዲ እንዳ አምረሐ ይርከብ።
እግዚአብሔር ግን ደቁ ክጠፍእዎ ስለዘይደሊ ካብ ዝኸድዎን ካብ ዝጠፍእሉን ቦታ ኵሉ ተሳሒቦም ክመጹሉ ይደሊ።
ሕጂ’ውን ናይ ሐዋርያት ናይ ምእሳርን ናይ ምፍታሕን ስልጣን ዝተቀበሉን ዝሓዙን ካህናት ብሓጢአት ንዝተአሰረ ኵሉ ፈቲሖም ከምጽእሉ
አዚዝዎም እዩ።
ከም’ቲ ናይ ሐዋርያት ትእዛዙ ሓልዩ ብቅንዕና ንቅድሚት ዝጎዪ ሰብ ይህሉ’ዶ ይኸውን፧ ነዚ ዘይምግባር ዘቅጽዕን
ዘኽስስን ምዃኑ አቐዲሙ አብ ትንቢት ሕዝቅኤል ምዕራፍ 33 ተገሊጹ አሎ
እሞ ነስተውዕለሉ።ፈቲሕኩም አምጽኡለይ ዝበለ ነታ ዓባይ አድጊ (አደ) ጥራይ ዘይኮነስ ነታ ገልገል’ውን እዩ። ስለዚ ካህን ንወለዲ
ጥራሕ ዘይኮነስ ደቆም’ውን ምእንቲ ከይጠፍኡ ጸዊዑ ጎቲቱ ናብ ቤተ ክርስቲያን ከምጽኦም አለዎ።ናይ ሓጢኣት ጾር ምሽካም ከይለመዱ
ከለው ናይ ጐይታ መስቀል ምሽካምን ቤተ ክርስቲያን ምግልጋልን ከም ዝለምዱ ምግባር አገዳሲ ዝኾነ መንፈሳዊ ዕዮ እዩ ምኽንያቱ ጐይታ
ስለዝደልዮም። ጐይታ ምእንቲ ክውጥሓ ዘምጽእዋ አድጊ ፋሉል ዝነበረት ዘይኮነትስ አብትሕቲ ጐይቶታ ብስነሥርዓት ተታሒዛ ዝነበረት
እያ።ሎሚ’ውን ወዲ ሰብ ንጐይታ ዘድሊ ኾይኑ ምእንቲ ክርከብ ሥርዓት አልቦ ፋሉል ክኸውን የብሉን።ብእምነት ብሃይማኖት ሥርዓት ተሓጺሩ
ክርከብ ይግብኦ። ከምኡ ኮይንና ምስ እንርከብ ጐይታና አባና ክሓድር እዩ እሞ ስለዚ ትሑታት ለውሃት ኮይንና ንቕረብ። አብዚ ግዜ
ንደቂ ሰባት ዓቢ ሽግር ኮይንዎም ዘሎ ብለውሃትን ብትሕትናን ናይ እግዚአብሔር ሕጊ ንምሽካም ተዳልዮምን ተቀሪቦምን ዘይምርካቦም
እዩ አምላኽና ግን ድኻምና ፈሊጡ “አቱም ጾር ዝከበደኹም ኩሉኹም ናባይ ንዑ
አነከዕርፈኩም እየ።እናበለ ይጽውዓና” እንድሕር አባና ሓዲሩ ካብቲ ዘሸግርን ዘይጥዕምን ከቢድን ዝኾነ
ናይ ኃጢአት ሸኽሚ (ጾር) ከዕርፈናን አብ ክንዳኡ ናቱ ቀሊልን ፈኩሽን አርዑት ከም እንሽከም ይዕድመና (ማቴ.11፣28-30)
ስለዚ ናብቲ ሓጢአተኛታት ዘይንዕቕ አምላኽ ኣብቲ ናቱ ጻዊዕትክንዕደም
ይግባአና እዩ። ሆሣዕና ማለት መድኃኒት ስለ ዝኾነ መድሓኒና ነለሊ (ንድለ) ንሱ’ውን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።ደቂ መዛምርቱ
ብሓድነት ”ሆሣዕና በአርያም”
ኢሎም ከም ዝዘመርሉ ንሕና’ውን ክርስቶሳውያን ኢና ሰዓብቲ ጐይታ ኢና እንብል ኵልና ብሓድነት ዓው ብዝበለ ድምጺ መንነቱ ፈሊጥና
ነመስግኖ። ካብ ሰማይ ንዘወረደልና መድኃኒት ሆሣዕና ለወልደ ዳዊት ንበል።አብ ከባቢ መቕደስ ዝነበሩ ናይ ኢየሩሳሌም ህጻናት ከም
ዘመስገንዎ ንከም ዝዘመሩሉን ንሕና’ውን ክብሩ ንግለጽ።ንሕና እንተ አመስገንናዮ ንዓና ክብሪኾነልና እምበር ንዑኡስ ምስጉን ናይ
ባህሪኡ እዩ። ንሕና ትም እንተ በልና እቶም ኣእማን ከመስግንዎ እዮም። ስለዚ ካብቶም ትንፋስ ዘይብሎም አእማን ምእንቲ ከይንንእስ
አምላኽነቱ ንፍለጥን ንረዳእን አፍና ንምስጋና’ውን ይከፈት ድምጽና’ውን
ዓውይ ይበል። ሐዋርያት ነታ አድግን ገልገልን ምእንቲ ክውጥሐን ኢሎም ክዳውንቶም አብ ዝባነን ጎዝጊዞም እዮም።እቶም ዝኽተልዎ ዝነበሩ
ህዝቢ ክዳውንቶም አብ መሬት አንጺፎም እታ አድጊ ብልዕሊኡ ከምእትኸይድ ጌሮም እዮም። ሕጂ’ውን አብ ልዕሊ ነፍስ ወከፍና ጐይታና
ክሓድር ይደሊ አሎ። አብ አፍ ደገ ደው ኢሉ ማዕጾ ይኩሕኩሕ እዩ ዘሎ (ራእ3፣20) ስለዚ እንታይ አንጺፍና ክንቅበሎ ተዳሊና
አሎና። ድምጹ’ኸ ሰሚዕናዮ’ዶ ንኸውን፡ልብናኸ ንሱ ጐይታ አትዩ ክቕመጠሉ ጸርዩ ተነጺፉ ጸቢቑ ይጽበዮ’ዶአሎ፧ እግዚአብሔር አምላኽ
ልብና ብንስሓ ተሓጺቡ ፍቅርን ጽቡቕ ግብርን ተነጺፉ ጸቢቑ ክጸንሖ ይደሊ አሎ።እዚ ምዃን ተሪፉ ልብና ብናይ ኃጢአት ሥራሕ ፡ብክፉእ፡ትምኒት
ብተንኮል ሕማቅ ቅንኢ ብቒምን በቐልን ዝአመሰሉ ተመሊኡ አብ ውሽጥና ንሱ ዘይፈትዎ ሥራሕ እንሸይጥን እንልውጥን እንተ ድአ ኮይንና ቤት መቕደስ ሰብነትና ምጽራይ ንምንጻሕን ንጀምር።
ከምቲ አብዚ ሆሣዕና ጐይታ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ምስ መጸ ቤተመቅደስ አይሁድ ረሲሑ ስለ ዝረኸቦ ካብ ገመድ ጭጉራፍ ተቲዑ ንኹሎም
እና ገረፈ ከም ዘውጽኦም ንዓና’ውን ካልአይ ግዜ ምስ ኵሎም ቅዱሳኑ አብ ዝመጻሉ እዋን ብናይ መዓት ጭጉራፍ ( ብመቅሰፍተ ጥብጣቤ
) ከይ ቀጽዓናን ካብ ቤቱ እውን ከየውጻናን እቲ ንነብስና ምፍታሽን ምጽራይ ሕጂ ብዘይ ውዓል ሕደር ንጀምሮ። ቤት እግዚአብሔር
ቤት ጸሎት እዩ’ሞ ናይ ክርስቲያን ሰብነት’ውን ናይ እግዚአብሔር መሕደሪ ቤት መቅደስ እዩ (1ቆሮ.3፣16-17) እዚ’ውን ንጠንቀቐሉ
ብናይ ጽድቂ ሥራሕ ከም ዝጽብቕን ከም ዝምልክዕን ንግበር። መድኃኒት ዝኾነ ናይ ጐይታና ሥጋንደምን ንምቕባል ሰብነት ናብ ንስሓ
ነዳሉ። ምስኡ ንዘልአለም ምእንቲ ክነብር ምስ ቅዱሳኑ አብ ሰማያት ንምስጋና ክንበቕዕ ( ከነመስግን ምእንቲ ክንክእል) ሎሚ ነቒሕና
ካብ ድቃስና ተበራቢርና ሃይማኖትና ፍውጥና ስንቂ ዝኾነና ናይ ክርስቶስ ሥጋን ደምን ንቀበል።ምኽንያቱ አዝዩ ነዊሕ ዝኾነ ጉዕዞ
ስለዝጽበየና ። ነቢይ ኤልያስ አብ ናይ እግዚአብሔር እምባ ኮሬብ ክበጽሕ ዘክአሎ ካብ እግዚአብሔር ዝተዋህቦ እንጌራ ስለ ዝበልዐ
እዩ (1 ነገ.19፣5-9)
ንሕና’ውን ናብ ኢዮሩሳሌም ሰማያዊት ንኽንበጽሕ ዘበርትዓናን ዘኽእለናን ካብ ሰማይ ዝወረደልና እንጌራ ንብላዕ (ዮሐ.6፣34-56)።
ናብዚ ዓቢ ክብሪ ምእንቲ ከብቕዓና ናይ ልዑል እግዚአብሔር አምላኽና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።ናይ አዴና ቅድስት ድንግል ማርያም አማላድነት
ናይ ቅዱሳን መላእኽቲ ተራዳእነት ናይ ኵሎም ቅዱሳነ እግዚአብሔር ተራዳእነትን ጸሎትን አይፈለየና።ኣሜን!!
ንባባት፣ ዕብ 9፡11-መፈ፣1ጴጥ4፡1-12፣ ግ.ሓዋ28፡15-መፈ፣ ዮሃ5፡11-34
ምስባኽ፣ መዝ 8፡2
ኣርእስቲ መዝሙር፣ ወእንዘ ሰሙን
ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!
ይቅጽል.....................
No comments:
Post a Comment