መቐጸልታ ሰናብቲ
ዓቢ ጾም….
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ዝኸበርኩም ህዝበ ክርስቲያን ፍቃድ ኣምላኽ ኮይኑ እንሆ ጾም ዓቢይ ናብ ሓምሻይ ሰንበት ይከይድ ኣሎ። ሕጂውን ከም ዝሓለፈ ጽሑፋትና፣ ካብ ዘወረደን፣ ቅድስትን፣ ምኩራብ፣ መጻጉእ ተኸቲላ እትመጽእ ሓምሻይቲ
ሰንበት ካብተን ሸሞንተ ሰናብቲ ናይ ዓቢይ ጾም ኣምላኽና ብስፍሕ ዝበለ እግዚኣብሔር ብመገዲ ጽሑፍ ክምህረና እዩ እሞ። ሰናይ ምክትታል ይግበረልና። ኣሜን!!!
እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ
ድጓ ካብቲ ዋዜማ ጀሚሩ ዝዝመር መዝሙር ጐይታ ኣብ ደብረ ዘይት ምሥጢረ ምጽኣቱን፥ ነገረ ሕልፈተ ዓለም ከምዝመሃረን
ንዝስዕብዎ ኵሎም ድማ ካብ ሓሰውቲ ነቢያት ክጥንቀቑ ዘዘኻኽርን ስለዝኾነ እዩ።
መተሓሳሳቢ: ከምቲ ኩላህና ንዕዘቦ ዘለና ኣብዚ ግዜ ኣብ ዓለምና ቁጠዓ ኣምላኽ (ተላባዒ ሕማም) ዝወርደሉ ግዜ ከምዝኾነ ፣ ዝኽነ የዕምሮ ዘለዎ ሰብ ዝርደኦ እዩ። ስለዚ ኩላሕና ንህይወትና ቁሊሕ ብምባል ርክብና ምስ ኣምላኽ ንግምግመሉ እዋን ኣዩ፣ ብፍላይ ኣብዚ ሰንበት እዚ ጎይታና መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ብንጹር ሓቢርዎም እዩ። ነዚ ቃል ሰሚዕና ናብ መንገዱ ክንምለስ እግዚኣብሔር ብጸግኡ ይድግፈና።
መተሓሳሳቢ: ከምቲ ኩላህና ንዕዘቦ ዘለና ኣብዚ ግዜ ኣብ ዓለምና ቁጠዓ ኣምላኽ (ተላባዒ ሕማም) ዝወርደሉ ግዜ ከምዝኾነ ፣ ዝኽነ የዕምሮ ዘለዎ ሰብ ዝርደኦ እዩ። ስለዚ ኩላሕና ንህይወትና ቁሊሕ ብምባል ርክብና ምስ ኣምላኽ ንግምግመሉ እዋን ኣዩ፣ ብፍላይ ኣብዚ ሰንበት እዚ ጎይታና መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ብንጹር ሓቢርዎም እዩ። ነዚ ቃል ሰሚዕና ናብ መንገዱ ክንምለስ እግዚኣብሔር ብጸግኡ ይድግፈና።
ቅድሚ ናብ ሕመረት ትሕዝቶ ምእታዉና፣ ብዛዕባ ናይቲ ቦታ ቅሩብ ሌለ ክንገብር። እዚ ቦት ኣብ እስራኤል ከባቢ ኢየሩሳሌም
ዝርከብ ኮይኑ ካብ ቤተ መቅደስ ናይ ኢየሩሳሌም ኣስታት 16 ኪሎ ሜተር ርሒቁ ዝርከብ ጎቦ ኢዩ ብተወሳኺ፡ ቢታንያን ቤተፋጌን ምስ ደብረዘይቲ ለጊቦም እዩም ዝርከቡ። ደብረ ምባሉ ብራኼኡ ንምግላጽ ክኸውን ከሎ ፣
ዘይቲ ምባሉ ድማ እቲ ከባቢ ብዘይቲ ኣውሊዕ ዝተሸፈነ ስለ ዝነበረ
እዩ፣፣ ካብዚ ዝተበገሰ ከኣ ደብረ ዘይቲ ዝብል መጸውዒ ሒዙ ንረኽቦ (ዘካ14፣4,ህዝ1፣23)። ኣብ ግዜ ሆሳእና ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኢየሩሳሌም ካብ ደብረ ዘይቲ ከም ዝኸደ ኣብ (ማር11፣1) ተጻሒፉ ንረኽቦ። ናብ ሰማይ ዝዓረገሉ ቦታን ስፍራን እውን ካብ ደብረዘይቲ እዩ (ሉቃ24፣51,
ግ.ሃዋ1፣11-12)፣፣ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕምቀት
ስለ
ምጽኣቱን ምልክት ምጽኣቱን ንቕዱሳን ሃዋርያት ዝገለጸሎም ስፍራን ቦታን እውን እዚ ቦታ እዚ እዩ።
ሕጂ እምበኣር
ጎይታና ዘስተምሃሮም ኣገደስቲ ነጥብታት ክንዝርዝሮ ከለና ከምዚ ይመስል፣
- ''ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይክተርፍን እዩ” (ማቴ24፣2)፥
ኢየሱስ ካብ ቤት መቕደስ ወጺኡ ክኸይድ ከሎ ደቂ መዛሙርቱ ህንጻ ቤት መቅደስ ኣርኣይዎ፣፣ ንሱ ድማ መሊሱ “እዚ ኩሉስ ትርእይዎ ዶ
ኣለኹም፧ ኣብዚ ዘይፈርስ
እምኒ ኣብ ልዕሊ
እምኒ ኣይክተርፍን
እዩ” በሎም፣፣ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዛረቦ ቃል ብ70 ዓመተ ምሕረት ተፈጺሙ እዩ፣፣ እንሆ ጥጦስ ዝተባህለ ሮማዊ ንጉስ ንኢየሩሳሌም ወሪሩ ኣብ ዝሓዘሉ ግዜ ኣብ ቤት መቕደስ ኣምላክ መጺኡ ነቲ ናይ ቤተ መቕደስ እምኒ ኣብ ዝፈንቀለሉ ግዜ ድስቲ ዝመልኤ ወርቂ ረኸበ እሞ፣ ኣብቲ ዝተረፈ ክፋል ቤተ መቕደስ እውን ክረክብ እየ ካብ ዝብል ሓሳብ ተበጊሱ ንመላእ ቤተ መቕደስ ኣፍረሶን ኣዕነዮን።
ሎሚ እውን እንተኾነ እግዚኣብሔር ክምስገነሉን፣ ክምለኸሉን ኢሎም ቅዱሳን እግዚኣብሔር ዝሰረሕዋ ቤተ መቕደስ ከምቲ ሮማዊ ንጉስ ጥጦስን ወተሃደራቱን ዝገበርዎ ንወርቂ፣ ገንዘብ፣ ብልዕን ንሽመትን ክብሉ ቤተ መቐደስ ኣምላኽ ከፍርሱ ዝጽዕቱን ኣብ ልዕሊ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ዓቢ ዕንወት ዘምጽኡን ሰባት ውሑዳት ኣይኮኑን። ምስ ናይ ቤተክርስቲያን እምነትን ስርዓትን ዝጋጮ፣ ብቐጥታ ይኹን ብተዛዋውሪ መገዲ ንዋያተ ቅዱሳን ዝዝርፉ፣ ንወርቅን ገንዘብን ኢሎም ቤተክርስቲያን ንምፋርስ ዝጋደሉ ብዙሓት እዮም። እንተኾነ ግን ከምቲ ዝሓለፉ ኣቦታቶም ከም ዘይሰለጦም፡ ሎሚ’ውን ጸረ ቤተ መቐደስ ኮይኖም ተንሲኦም ዘለዉን፡ ብሕጂ ክሳዕ ምጽኣት ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝትንስኡን ኣይክሰልጦምን እዩ። ከመይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ብንፋስ ኮነ ብወሓይዝ ተደፊኣ ዘይትወድቕን ዘይትንቀሳቐስን ኣብ ከውሒ ዝተሰረተት ቤት እያ (ማቴ7፣24-25)።
ከምኡ እውን ናይ እግዚኣብሔር ህንጻ-ቤተ መቕደስ ንገንዘብ፡ ንስጋዊ ፍትወትን ድልየት ክብሉ፣ ዘፍርስዋ እውን ብዙሓት እዮም፣፣ እቲ ዘፍርስዎ ዘለዉ ናይ እግዚኣብሔር ቤተ መቕደስ እዩ (1ቆሮ6፣19)። ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ዘፍረሰ
ሰብ ከኣ ኣግዚኣብሔር ባዕሉ ከፍርሶ እዩ። ቦትኡ ኣብ ገሃነመ እሳት ክኸውን ካብ ቦታ ዕረፍቲ ከኣ ክስጎግ እዩ(1ቆሮ3፣16-17)።
ልቢ ኣምላክ ቅዱስ ዳዊት ከም ዝተዛረቦ ዕድመ ናይ ወዲ ሰብ “ዕድሜና ሰብዓ ዓመት እንተ በዝሐ ከኣ ሰማንያ ዓመት እዩ እዚ ከኣ ጻዕርን መከራን እዩ ዘምጽኣልና። ዕድሜና ቀልጢፉ ይሓልፍ ነፊርና እውን ንኸይድ”(መዝ90፣10)። ስለዚ ብጸሓይ ዝተመሰለ ዕድሜና ከይዓረበና፣ ምንባርና ኣብዚ ምድሪ ከየብቅዐ ከሎ ብንስሓ ክንሕጸብን ብስጋኡን ደሙን ክንሕተምን ክንህነጽን ይግብኣና፣፣እዚ ክንገብር ልዑለ ባህሪይ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ይሓግዘና፡ ብጸጋኡ ከኣ የብዝሓልና!!! ኣሜን።
2. ''ሓደ እኳ ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ” (ማቴ24፣4)፥
2. ''ሓደ እኳ ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ” (ማቴ24፣4)፥
ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ከሎ፡ ደቂ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም “እዚ
(ምፍራስ ቤተ መቕደስ)
መዓስ እዩ ዝኸውን፧
ናይ ምምጻእካን ናይ ሕልቀት ዓለምንከ ምልክቱ እንታይ
እዩ፧ እስከ ንገረና
፧” እና በሉ ናብኡ ቀረቡ ። ቅዱሳን ሃዋርያት እዚ ኢሎም ዝሓተቱ ምኽንያት ፡
ቀዳማይ፥ “እንሆ ቤትኩም ዓንዩ ክተርፍ እዩ ይብለኩም ኣለኹ” ኢልዎም ስለ ዝነበረ “ምፍራስ
ቤተ መቕደስ መዓስ
እዩ እስከ ንገረና” ኢሎም ሓተቱ፣፣
ካልኣይ፥ “ካብ
ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም” ኢልዎም ስለ ዝነበረ ድማ “ምልክት ምጽኣትካን ሕልቀት ዓለምንከ ምልክቱ እንታይ እዩ” ክብሉ ሓተትዎ፣፣
እዚ ምስ በሉ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ በሎም፣ “ ሓደ እኳ ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ፡ እንሆ ኣነ ክርስቶስ እየ እና በሉ ብዙሓት ብስመይ ክትንስኡ እዮም ንቡዙሓት እውን ከስሕቱ እዮም። ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም ኣስተውዕሉ ኣይትሰንብዱ፡ እዚ ብግድን ክኸውን እዩ። እንተኾነ መወዳእታ ሽዑ ኣይኮነን (ምኽንያቱ ሓሳዊ መሲሕ ኣብ ዝመጻሉ ግዜ ካብዚ ዝኸፍአ ክኽወን ስለ ዝኾነ እዩ (ራኢ13፣1-13)፣ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፣መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ክለዓል እዩ፣ ኣብ ኩሉ ቦታት ከኣ ረሃብን ምንቅጥቃጥ ምድርን ክኸውን እዩ። እዚ ኩሉ መጀመርታ ቅልውላው እዩ። በቲ እዋን እቲ ንመከራ ኣሕሊፎም ክህብኹምን ክቐትልኹምን እዮም። ስለ ስመይ ከኣ ብኹሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኮኑ ኢኹም። ሽዑ ብዙሓት ክኽሕዱን ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ክወሃሃቡን እዮም፣ ብዙሓት ሓሰውቲ ነቢያት ክትንስኡ፣ ንብዙሓት እውን ከስሕቱ እዮም። ብሰንኪ ብዝሒ ክፍኣት ካኣ ፍቕሪ ብዙሓት ክትዝሕትል እያ። እቲ ክሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና ንሱ ክድሕን እዩ (ማቴ24፣13)። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ስለ ናይ ዓለም መጨረሽታ ወይ ድማ ናይ ዓለም ሕልፈትን መወዳእታን ዝተዛረቦ ምስ መጠንቀቕትኡ እዩ። ተራ ዘረባ ኣይተዛረበን ወይ ድማ ዓለም ክትሓልፍ እያ ኣነውን ዓለም ክፈርድን ከሕልፍን ክመጽእ እየ ኢሉ ጥራሕ ስቕ ኣይበለን ምስ ምልክቱ እባድኣ ገለጸን መሃረን እምበር። እዚ ክኣ ሰባት ካብ ዘይምስትውዓል ተበጊሶም ከይሰናኸሉን ካብ እምነቶም ከይወድቁን እኳ ድኣ ብሃይማኖት ብምግባር ክጸንዑን እዩ። ምኽንያቱ መስሓትያን ዝመጹ ብናይ ክርስቶስ ስም ስለ ዝኾኑ። ኣብ ዝሓለፈ ዘመናትን ሕጂን ብዙሓት መናፍቓን “ኣነ ክርስቶስ እየ” ኢሎም ዝተንስኡ ሰባት ብዙሓት እዮም። ንብሕጂ እውን ክሳዕ ምጽኣት ዝቕጽል እዩ። እንተኾነ ግን እዚ ምዃኑ ፈሊጥና ክንሕሎን ክንጥንቀቕን እዩ ዝግብኣና፣፣ ሎሚ ነዛ ወልድ ዋሕድ ኢላ እትኣምን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ሃይማኖት እናነቐፉና ኣብ ተፈላለየ ኣደባባያት ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና።
እና በሉ ዝዘሩ ነቶም ብሓሶት “ኣነ ክርስቶስ እየ “ ኢሎም ንዝትንስኡ ጸረግቲ መገዲ እዮም። ናይ ሃይማኖት ብቕዓት ዘይብሎም ክንሶም ፣ “ክርስቶስ ብሕልሚ ተራእዩኒ፡ ብራእይ ተገሊጹለይ” ዝብሉ ብመገዲ ሰይጣን ዝምርሑ ምዃኖም ምስትውዓል ይግባእ። እዞም ሎሚ “ብሕልሚ ተራእዩኒ፡ ብራእይ ተገሊጹለይ” እና በሉ ንነብሶም ዓልዮም ሰብ ካብ እምነቱ ንኽዓሉ ምኽንያት ዝኾኑ ዘለዉ ሰባት ጽባሕ “ኣነ ክርስቶስ እየ” ምባሎም ኣይተርፍን እዩ፣፣ ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ፣ “ሕጂ ከኣ ኣቱም ኣሕዋትና ብዛዕባ ምጽኣት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ እቲ ምእካብናን እንምዕደኩም እዚ እዩ፡ ብትንቢት ኮነ ብወረ ወይ ካባና ከምዝተጻሕፈት መልእኽቲ ብምምሳል “መዓልቲ ጎይታ መጺኣ እያ” ብምባል ብቐሊል ኣይትረበጹን ኣይትተሃወኹን፣፣ ክሕደት ቅድሚ ምምጽኡ እቲ ሕጊ ዘይብሉ ሰብ እቲ ንጥፍኣት ዝተመደበ ከይተገልጸ መዓልቲ ጎይታ ኣይትመጽእን እያ እሞ ሓደ እኳ ብገለ ነገር ከየስሕተኩም። ንሱ “ኣምላኽ እየ” ኢሉ ብምእዋጅ ኣብ ቤት መቐደስ ኣምላኽ ተቐሚጡ፡ ነቲ ኣምላኽ ተባሂሉ ዝጽዋዕን ነቲ ዝምለኽን ዘበለ ነገር ኩሉ ክቛወም ክለዓል እዩ፡ ኣነ ግና ምሳኻትኩም ከለኹ ነዚ ከም ዝነገርክኹምከ ኣይትዝክርዎን ዲኹም፧ ንሱ ኣብቲ ዝተመደበሉ ግዜ ምእንቲ ክግለጽ፡ እቲ ሕጂ ዝኽልክሎ እንታይ ምዃኑ
ትፈልጥዎ ኢኹም። እቲ ብሕቡእ ዝዓዪ ሕጊ ኣልቦነት ድሮ ጀሚሩ ኣሎ ፣እንተኾነ እቲ ክኾኖ ዘለዎ፡ እቲ ዓጊትዎ ዘሎ ካብ መገዱ ክሳዕ ዘልግስ ኣይኪኸውንን እዩ፣፣ ሽዑ እቲ ሕጊ ዘይብሉ ክግለጽ እዩ፣ ጎይታ ኢየሱስ ከኣ በቲ ካብ ኣፉ ዝወጽእ ትንፋስ ከጥፍኦ እዩ፣፣ ብግርማ ምጽኣቱ ከኣ ክድምስሶ እዩ፣፣ ናይቲ ሕጊ ዘይብሉ ምምጻእ በቲ ሰይጣን ዝዓዮ ኩሉ ሓይልን ሓሳዊ ትእምርትን ተኣምራትን ዝተሰነየ ክኸውን እዩ፣፣ ከምኡ እውን ነቶም ዝተፍኡ ዘስሕተሉ ኩሉ ተንኮልን ክፍኣትን ኣለዎ፣፣ እቶም ዝጠፍኡ ከኣ ነቲ ከድሕኖም ዝኽእል ሓቂ ብፍቕሪ ምቕባል ስለ ዝኣበዩ እዩ፣፣ ስለዚ እውን ንሓሶት ምእንቲ ክኣምኑ ኣምላኽ ሓይሊ ስሕተት ይሰደሎም፣ እዚ ከኣ
ኩሎም እቶም ንሓቂ ዘይኣምኑ ብኽፉእ ግና ባህ ዝብሎም ምእንቲ ክፍረዱ እዩ” (2ይ
ተሰ2፣1-12) ብምባል ስለ እቶም ሓሰውቲ መማህራንን ሓሳዊ መሲሕን ገሊጹ ኣሎ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ
ክርስቶስ
ከም ዝነገረና ቅዱሳን ሃዋርያት ከም ዝመሃሩና በዚ ክፉእ ዘመን ሓደ እኳ ከየስሕተና ክንጥንቀቕ እዩ ዝግባኣና። ምልክታቱ እና ረኣናን እና ተዓዘብናን ብምስትውዓል ክንጓዓዝ ዘድልየና ዘመን እዩ፣፣ ምኽንያቱ ሰባት ብስጋን ብነፍስን ዝሞትሉ ዘለዉ ዘመን ስለ ዝኾነ፣፣ ናይ ነፍሲ ጥምየት ዝመጽእ ሰብ ካብ ቃል እግዚኣብሔር ካብ መንፈሳዊ ህይወት ካብ ናይ ክርስቶስ መሎኮታዊ ደምን ስጋን ምስ ዝፍለን ዝርሕቕን እዩ፣፣ ነዚ መልኪቱ ነቢይ ኣሞጽ “እንሆ ኣነ
ናብታ ሃገር ጥሜት
ዝሰደለን መዓልታት ክመጽኣ እየን፣፣ እዚ ጥሜት እዚ ግና ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሔር እምበር ፣ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኮነን፣፣ ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ተዛሪበ ኣለኹ፣፣ ቃለይ ቃል እግዚኣብሔር ክሰምዑ ናብዝን ናብትን ክጎዩ እዮም። ካብ ምዉት ባሕሪ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ፣ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ኮለል ክብሉ እዮም ግናኸ ካባይ ቃል ኣይክሰምዑን እዮም”(ት.ኣሞ8፣11-13)።
ምድሪ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከም እትናወጽን እተንቀጥቅጥን ብዙሕ ሰብ እውን ካብ እምነቱ ካብ ሃይማኖቱ እና ወጸን እና ለወጠን እዩ፣፣ እንተኾነ ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስ “እምበኣር ብስሕተት እቶም ስዲ ዝኸዱ ዘለዉ ተሳሒብኩም ካብቲ ጽኑዕ መስረትኩም ከይትወድቁ ተሓለዉ”(2ጴጥ3፣17) ከም ዝበለ ብዓይኒ ልቦና ጠሚትና ካብ ስሕተት ክንሕሎ ይግባኣና እዩ እሞ ኣምላኽና እግዚኣብሔር ጸጋኡ ይሃበና። ኣሜን!!!
ነቶም ኣብ ከምዚ ዓይነት ስሕተት ዝተዋፈሩ ብጸሎት ክንድግፎም ዓቕምና ብዝፈቐዶ ከኣ እቲ ናይ ቤተክርስቲያና ሓቀኛ ትምህርቲ ክነፍልጦም ክንጽዕር ይግባእና ኣይዉ፣ እንተኾነ ንሕና እውን ከምቲ ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ “ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዝመስሎ ከይወድቕ ይጠንቀቕ’’ (1ቆሮ10፣12)
ከም ዝበለ ቅድሚ ኩሉ ግን ንርእስና ክንሕሉን ክንጥቀቕን እዩ ዝግባእ ምኽንያቱ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይስዓር ቃሉ “ሓደ
እኳ ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ” ኢሉ ኣሎ እሞ ንጠንቀቕ።
3. ''ንመከራ ኣሕሊፎም ክህብኹም እዮም” (ማቴ24፣8)፥
ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ መዛሙርቱ ስለ ነገረ ምጽኣቱን ምልክት ሕልቀት ዓለምን ብዝሓተትዎ መሰረት “በቲ እዋን እቲ ንመከራ ኣሕሊፎም ክህብኹምን ክቐትልኹምን እዮም፣፣ ስለ ስመይ ከኣ ብኹሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኮኑ ኢኹም” በሎም፣፣ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ብፍጹም ልቦና ዝኽተሎ ዘበለ ኩሉ መከራን ሽግርን ከም ዝበጽሖ ንቅዱሳን ሃዋርያት ኣቐዲሙ እውን “እንሆ ኣነ ከም ኣባጊዕ ኣብ ማእከል ተዃሉ ይሰደልኩም ኣለኹ፣፣ ደጊም ብልህታት ከም ተመን
ገርህታት ከኣ ከም ርግቢት ኩኑ። ካብ ሰብ ተጠንቀቑ፣፣ ንሳቶም ናብ መጋባኣያታት ኣሕሊፎም ክህብኹም ኣብ ኣባይቲ ጸለቶም ክገርፍኹም እዮም። ንኣኣቶምን ነህዛብን ምስክር ምእንቲ ክኸውን ብዘይ ምኽንያት ናብ መኳንንትን ናብ ነገስታትን ክትውሰዱ ኢኹም”ብምባል
ኣብ (ማቴ10፣16-18, ሉቃ21፣12) ገሊጽዎ እሎ። እዚ ኸኣ ብኲናትን ብስሕለት ሴፍን ንስጋኹም ዝቐትሉ፣ ንነፍስኹም ድማ ብክሕደት፣ ብኑፋቄ ዝጎድኡ ናይ እግዚኣብሔር ኣገልገልቲ መሲሎም ዝዛረብሉን ዝመስሎምን ግዜ ክመጽእ እዩ ንኽልብል ዝተዛረቦ ቃል እዩ። ምኽንያቱ ብነፍስን ብስጋን ሰብ ዝቐትሉ ቀተልቲ ሰብ
ክመጹ እዮም ክበሃል ከሎ ፣ቆርበት በጊዕ ተኸዲኖም ማለት ወንጌል ሒዞም፣ መንፈሳውያን መሲሎም ናይ ሃይማኖት ሽፋን ተጠቒሞም እዮም ዝመጹ ፣ንክሕደቶምን እቲ ምኽንያት ጥፍኣት ዝኾነ ኣካይድኦምን ከኣ ከተግብርዎ ይረኣዩ። ስለዚ እዩ ከኣ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴ7፣15 “ብውሽጦም ዝምንጥሉ ተዃሉ እዮም እሞ፣ ኣባጊዕ ተመሲሎም ካብ ዝመጽኹም ሓሰውቲ ነብያት ተጠንቀቑ” እና በለ ዝተዛረበ ። ከምዚ ዝበለ ሰብ ብስጋ ስለ ዘይተጎድአ ጽቡቕ ዘሎ ይመስሎ ይኸውን እንተኾነ ነፍሱ ግን ክትመውት ዝገብር ወይ ድማ ናብ ናይ ዘልኣለም ጥፍኣት ንነፍሱ ዝመርሕ ዘሎ ሰብ እዩ።
ኣብ መጨረሽታ ዓለም ብርቱዕን ጽኑዕን መከራ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ብሓቂ ኣመንቲ ከም ዝመጽእ፣ እግዚኣብሔር ንዝረሓቐ ኣቕሪቡ፣ ንዝረቐቐ ኣጉሊሑ ብነቢይ ዳኒኤል ኣብ ዝገለጸሉ፣ ኣብ ትንቢቱ ከምዚ ክብል ኣስፊርዎ ኣሎ፣ “በቲ ግዜ እቲ ሚካኤል እቲ ምእንቲ ህዝብኻ እስራኤል(ስለ ምእመናን) ዝከላኸል(ብኣማላድነቱ፣ብተረዳእነቱ) ዓቢይ መስፍን ክትንስእ
እዩ። ሽዑ ዘመን ጸበባ ክኸውን እዩ፣ከምኡ ዝበለ ጸበባ ድማ
ሰብ ካብ ዝተፈጥረሉ ጀሚሩ ክሳዕ ሎሚ ኮቶ ኮይኑ ኣይፈልጥን እዩ” (ት.ዳኒ12፣1)።
ሕጂ እምበኣር ዘለናሉ ግዜ ዋዜማ ናይ ምጽኣቱ ከም ዝኾነ ክንዕገስን ርእስና ክንገትእን እምበር ክነጉረምርም ኣይግባእን እዩ፣፣ እኳ ድኣ መከራ እንተኣጋጠመና ደስ ክብልናን ክንሕጎስን እዩ ዝግባእ፣ ባህ እውን ክብለና ኣለዎ (ያዕ1፣2, ግ.ሃዋ5፣40)። ምኽንያቱ ኣብ ግዜ መከራናን ብርቱዕ ጸበባናን ንበይንና ከም ዘይኮና ክንፈልጥን ክነስተውዕልን ይግባኣና እዩ፣፣ ዝሓለፉ ቅዱሳን ነቢያት ይኹኑ ድሒሮም ዝመጹ ቅዱሳን ሃዋርያት ክሳዕ እዚ ዘሎናዮ ዘመን እግዚኣብሔር ኣምላኽ ምስኣቶም ስለ ዝኾነ ብዝወረደም መከራ፣ ሞትን ስደትን ክሕጎሱ እንበር ክጉህዩ ወይ’ውን ብሰንኪ ዝረኸቦም መከራን ሽግርን ንቅዱስ እግዚኣብሔር ክኽሕዱ ኣይንርእዮምን ኢና። ንሕና እውን ደቆም ስለ ዝኾና ንኣቦታትና ክንመስል እዩ ዘሎና። ኣብ (እብ13፡7,እብ11፣1-መፈ,ዳኒ3፣28፣6፣1-6፣2፣2,ግ,ሃዋ12፣6-12) ነዚ ከመልኪቱ እዩ ቅዱስ ያዕቆብ ኣብ መልእኽቱ፣ “ኣቱም ኣሕዋተይ ብዛዕባ ሓሰራ መከራ ምቕባልን ትዕግስትን፣ እቶም ብስም እግዚኣብሔር ዝተዛረቡ ነቢያ
ኣርኣያ ይኹኑኹም።
እንሆ ነቶም ክሳዕ መወዳእታ ዝተዓገሱ ብጹኣን እዮም ፣፣ ብዛዕባ ትዕግስቲ ኢዮብ ሰሚዕኩም ኣለኹም፣ነቲ እግዚኣብሔር ኣብ መወዳእታ ዝገበረሉ ደበሳ እውን ርኢኹም ኣለኹም፣፣ ከመይ እግዚኣብሔር ለውሃትን ምሕረትን ዝመልአ እዩ”(ያዕ
5፣10-11) ክብል ዝጸሓፈ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ብመዋእለ ስብከቱ፣ “ኣብ ዓለም ጸበባ ኣለኩም እንተኾነ ኣጃኹም ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ”ክብል ስለ ክረኽበና ዝኽእል መከራ ገሊጹልናን ምሂሩናን እዩ (ዮሃ16፣33)።
ንኹሉ መከራታት ጥዒሙ ክሳዕ ሞት እውን ተዓጊሱ እዩ ሓሊፉ። እዚ ከኣ ንሕና እቶም ብስሙ እንኣምን ንዝረኽበና ዝኾነ ይኹን መከራ፣ ሞት እውን እንተኾነ ብትዕግስቲ ክንሰግሮ ከምዝግብኣና ብኣምላኽና ተማሂርና ኢና፣፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ጎይታ ዝሓለፎ ህይወት ዝረኣዩን ብትምህርቱ ዝተነድቁን ቅዱሳን ሃዋርያት ድማ እቲ ዝዓበየ ናይ ሞት መከራ ብህይወቶም ፈቲኖምን ጥዒሞምን ንቤተክርስቲያን ብርሃን ኮይኖማ
ሓሊፎም እዩም። ምኽንያቱ ናይ ህይወት ኣኽሊል መንግሰተ ሰማያት ዝርኸቡ እቶም ክሳዕ መወዳእታ ዝዕገሱ ሰባት ጥራሕ እዮም (ራእ2፣10)። ሞት እውን እንተኾነ ብጸጋ ምቕባል የድሊ እምበር ምፍራሕ ኣይግባእን እይዉ። ምኽንያቱ ኣምላኽና ኣብ ወንጌሉ “ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃንም ከእቱ ዝከኣሎ ድኣ ፍርህዎ እምበር ነቶም ንስጋ ዝቐትሉ ንነፍሲ ግና ክቐትልዋ ዘይከኣሎም ኣይትፍርህዎም’’ ክብል ምሂሩና እዩ (ማቴ10፣28)። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ እዮም ቅዱሳን ኩሎም ኣብ ዝተፈላለየ ዘመንን ቦታን ዝነበሩ ንስጋዊ ሞት ከይፈርሑ ኣብ ቅድሚ
ዓላውያን ነግስታትን መናፍቓንን ብትብዓት ናይ ሃይሞኖት ነገር መስኪሮም ዝሓለፉ (እብ11፣35,ግ.ሃዋ7፣59፣1፣22,1ነገ17፣17-23,ኤር20፣2፣37፣15,2ዜና24፣20,ኤር26፣23, 1ሳሙ2፣21)።
ስለዚ ንሕና እውን ከምኣቶም እኳ ዓቢ መከራን ሽግርን እንተዘይወረደና እንተኾነ እቲ ኣብ ዘመና ዓቢ ሽግር ኮይኑ ዘሎ ፍትወት ዓለም ቀንጢጥና ካብ ዙርያና ክነርሕቖ ይግባኣና እዩ፣፣ ከምኡ እውን ናይ ዘመና መስዋእቲ፣ ኣብ ሃይማኖትካን ኣብ ስርዓት ኣቦታትካን ምጽናዕ፣ ነቶም ብናቶም ሓሳብን ድልየትን ጥራሕ ተመሪሖም ቤተክስርቲያን ከሐድሱ፣ ክልውጡ፣ እንተተኻእሎም ከኣ ካብ ሱራ መንቂሶም ንምጥፋእ ዝጽዕሩ ዘለዉ፣መቐጸልታ ናይቶም ዝሓለፉ መናፍቓንን ከሓድያንን፣ እቲ ኣማናዊ ናይ ቤተክርስቲያና ትምህርቲ ክነፍልጦም፣ ንቤተክርስቲያና ከኣ እሙናት ወተሃደራት ናይ ክርስቶስ ኮይና ክንርከብ ይግባኣና፣፣ እዚ ክንገብር እግዚኣብሔር ኣምላኽና ብምሕረቱ ኩሎም ቅዱሳን ብረዲኤቶም ካብና ኣይፈለዩ። ኣሜን!!
4. ''ስለ ስመይ ከኣ ብኹሎም ኣሕዛብ ጽሉኣት ክትኮኑ ኢኹም” (ማቴ24፣9)
ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቕዱሳን ሃዋርያት፡ እቶም ንዕኡ ኣሚኖም ዝኸዱ ኣብ ፍቕሩ ካኣ ዝጸንዑ ሰባት ብዙሕ መከራ
ከም ዝረኽቦም ድሕሪ ምምሃሩ ኣብ (ማቴ24፣9) “ስለ ስመይ ከኣ ብኹሎም ኣሕዛብ ጽሉኣት ክትኮኑ ኢኹም” በሎም። እዚ ከኣ “ወልድ ዋሕድ ኢልኩም ኣብ ተዋህዶ ጸኒዕኩም፣ ብስመይ ኣሚንኩም፣ ብስመይ ስለዝመሃርኩምን ንስመይ ስለ ዝመስከርኩምን ብብዙሓት ኣሕዛብ ክትጽልኡ ኢኹም” ንኽብል ዝተዛረቦ እዮ። ምኽንያቱ ዓለም ስለ ኣምላኽ ክስበኽን ክንገርን፣ ሰብ ካብ ሓጢኣት ንኽወጽእ፣ ስርዓተ ኣምልኾ ንኽፍጸም ኢሎም ክሳዕ ዝመሃሩን ጠጠው ዝበሎን
ክትቕበሎም ኣይትኽእልን ፣
ፈጺማ ትጸልኦም፣ ብዝሒ ጽልኣት ዘንቀሎ ከኣ ብዝተፈላለየ ኣሰቃቒ ዝኾነ ኣቀታትላ ገይራ ትቐትሎም።
ንሕና እቶም ብክርስቶስ ክርስቲያን ተባሂልና፣ ወልድ ዋሕድ ኢልና፣ ብጎይታና ብኣምላኽና ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚና
ንስሙ እንምስክር፣ ሰባት በቶም ንሱ “ናይ እግዚኣብሔር ኣብ ናይ ባህሪይ ወዱ ፣ካብ ድንግል ማርያም ብስጋ ዝተወልደ፣ ወልደ ኣብ ወልደ ማርያም፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዘመኑ ፍጻሜ ዘይብሉ
ቀዳማይን ዳሕራዋይን መጀመርታን መጨረሽታን ኣምላክ ፣ቅድሚ ዓለም ዝነበረን ዘሎን፣ ንዓለም ኣሕሊፉ ዝነብር ዘልኣለማዊ ዘይልወጥ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ (ዮሃ1፣10-58,ራእ1፣17,፣22፣13,ኢሳ4፣46,ዮሃ11፣14,ግ.ሃዋ2፣28,ኢዮ2፣32)ምኻኑ ዘይኣምኑ ክንጽላእን በቲ ምንፍቕናዊ መገዶም መታን ክንከይድ ኩሉ ግዜ
ዝከኣሎም
የካይዱ ነይሮምን ኣለዉን።
ቅዱሳን ሃውርያት ኮኑ ቅድሚኦምን ድሕሪኦምን ዝነበሩ ናይ ቤተክርስቲያን ኣቦታት ናይ ክርስቶስ ሓቀኛ ትምህርቲ ሒዞም ስለ እቲ ዝሓዝዎ ሓቀኛ ትምህርቲ ድማ ጠጠው ኢሎም ስለ ዝመስከሩ እዮም ኪኖ መግረፍቲ ክሳዕ ሞት ጽኑዓት ኮይኖም ዝተረኽቡ፣፣ በዚ ጹሑፍ እዚ ከኣ ተዘርዚሩ ክውዳእ ኣይክእልን እይው፣ እምበር ኩሎም ኣቦታትስ ስለ ስም ክርስቶስ ክብሉ እቲ መሪር ሞት ተኻፊሎሞ፣ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ኮለል ኢሎም፣ ከም ሽምዓ መኺኾም፣ ከም እንስሳ ከኣ ክሳዶም ብመጋዝን ብሴፍን ተቖሪጾም እዮም፣፣ ከም ቅዱስ ዲዮስቅሮስ ኣስናኖም ብሓይሊ ጉልበት ክረግፍ፣ ጭሕሞም ብዘይ መላጸ ክምንጭጩ ክእለ ዝተገብረ ብሰንኪ ወልድ ዋሕድ ኢየሱስ ክርስቶስ እይው፣ ንሱ ዘይክፈል ባህርን ኣካልን ኣለዎ ብተዋህዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርን እዩ፣ ወዲ ኣብ ካልእ ወዲ ማርያም እውን ካልእ ኣይኮነን። ንሱስ ናይ ኣብ ናይ ባህሪ ውዱ ካብ ድንግል ማርያም ድኣ ተወልደ ኢሎም ኣንጻር መናፍቕ ሊዮንን ዓላውያን ነገስታት ሮማን ጠጠው ስለ ዝበሉ እምበር ብሕጊ ዓለም ወይ ድማ መንግስቲ ኮነ ብሕጊ ቤተክርስቲያን ገበን ስለ ዝፈጸሙ ኣይነበረን፣ ዝሓለፉ ነቢያት ከም በዓል ነቢይ ዳኒኤል ናብ ኣፍ ኣናብስ፣ ሰለስተ መንእሰያት ናብ እቶን ሓዊ ፣ቅዱስ ጴጥሮስ ሊቀ ሃውርያት ቁልቁል ኣፉ ኣብ መስቀል፣ ቅዱስ ጳውሎስ ብስሕለት ሴፍ፣ ቅዱስ እስቲፋኖስ ብዳርባ እምኒ(…..ክንደይ ኢልካ ክዝርዘር)፣ እዞም ኩሎም
እምበኣር ስለ ስም ክርስቶስ ክብሉ እዮም ዝተፈላለየ ሓሳርን መከራን ሞትን ዝረኸቡ።
5. ''ብሰንኪ ብዝሒ ክፍኣት ፍቅሪ ብዙሓት ክትዝሕትል እያ”(ማቴ24፣12)፥
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናቱ ተኸተልቲ ንዝኾኑ ንስሙ መስከርቲ ክረኽቦም ዝኽእል ሽግርን መከራን እንታይ ምኻኑ ኣስፊሑ ድሕሪ ምግላጽ ፡
በቲ ግዜ እቲ ብዙሓት ክሰናኸሉ(ዝቐደመትን ሓቀኛ ሃይማኖቶም ገዲፎም ክወጹን ክልውጡን) ንሓድሕዶም ክጸላልኡ ንሞት እውን ኣሕሊፎም ክወሃሃቡ፣ ብሓይሊ ጉልበት ብዂናትን ብስሕለት ሴፍን ሰባት ሃይማኖቶም ክኽሕዱ እንተ ኣበዩ እውን ብሞት ክቕጽዑ ክግበር እዩ ክብል ገለጸሎም፣፣ ኣብ ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍልታት ተመዝጊቡ ከምዘሎ ፍቕሪ ናይ ኩሉ ስነ ምግባራት መሰረት እያ፣፣ ፍቕሪ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ሰብ ፈጺሙ ካብ ሓጥያት ይፍለ፣፣ ንኣምላኽን ንሰብን ምፍቃር ኩሉ ሕጊ ኣብኡ ስለ ዘሎ ምስ ዲያብሎስ ዘለዎ ርክብ
ፈጺም የለን፣፣ ኮታስ ፍቕሪ እንተድኣ ኢልና ንሰባትን ንኣምላኽን ምግልጋል እዩ፣፣ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳዕ ሞት ከም ዘፍቐረና ንሕና እውን ብኹሉ ህይወትና እሙናት ኮይንና ፍቕርና ምሉእ ክኸውን ይግባእ፣፣ ብኣንጻሩ ኣብዚ ዘመን እዚ (ኣብ መጨረሽታ ግዜ) ከምቲ ቅዱስ እግዚኣብሔር ወልድ ንቅዱሳን ሃዋርያት ዝገለጸሎም ሰባት ንስጋዊ ፍትወቶም ክብሉ ሰባት ክቐትሉ፣ ሰብ ሓዳር ክፈላልዩ፣ ንዝኣምንዎም ዝነበሩ ሰባት ክጠልሙ ፣ኩሉ
ናይ ዲያብሎስ ስራሕ ግብረ ስጋን ሓጢያትን ብምፍጻም ኣብ ሰባት ዝነበሮም ጽቡቕ ዝምድናን ሓልዮትን ሓዲጎም
ጨካናትን ተፈኽነንትን ስለ ርእሶም እምበር ስለ ሰባት ሓልዮት ዘይብሎም ዝኾንሉ ግዜን ሰዓትን እዩ (1ቆሮ13፣43, ዮሃ15፣12, 2ጢሞ3፣2፣3፣21, 2ጴጥ3፣)
ብኻልእ ወገን ሰባት ኣብቲ መጨረሽታ ግዜ
ስለ ገንዘብ፣ ሽመት፣ ልብሲ ፣ዝናን ክብሉ እታ ኣብ ኣምላኽ ዝነበረቶም ፍቕሪ ገዲፎም ኣንጻር እግዚኣብሔርን ቅዱሳናቱን ዝስለፍሉ ግዜ እዩ። ጎይታ ነዚ ነገር እዚ ድሕሪ ምግላጹ ብዛዕባ መፍትሒኡ እውን ገሊጹ ኣሎ፣፣ እቲ ቃል ድማ ከምዚ ይብል፣ “እቲ ክሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና ንሱ ክድሕን እዩ” (ማቴ24፣13) ምኽንያቱ ናይ ህይወት ኣኽሊል ዝርከብ ንዝመጽእ ፈተና ኩሉ ብትዕግስቲ እሙን ኮይንካ ምስ እትርከብ ጥራሕ ስለ ዝኾነ (ራእ2፣10)። ቀጺሉ ከኣ “ንኹሎም ኣህዛብ ንምስክርነት (መፍረዲ) መታን ክኸውን እዚ ወንጌል መንግስቲ እዚ
ኣብ ምሉእ ዓለም ክስበኽ እዩ፣ ሽዑ መወዳእታ ክኸውን እዩ” (ማቴ24፣14)።
ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድ ኩሉ ሰብ በጺሕሉ ዘሎ ዘመን እዩ። ካብዚ ንላዕሊ እውን ኣብቲ መጨረሽታ ሰዓት ኣብ ኩሉ ሰብ ክበጽ እዩ። እንተኾነ እቶም ድሮ ኣብ ኢድና ዘሎ ሰባት ከምቲ እግዚኣብሔር ዝኣዛዘና ንኸይድ ኣሎና ዶ፣፣ ምናልባት ጽባሕ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና መጽሓፍ ቅዱስ መፍረዲና ኮይኑ ከይርከብ ክንጥንቀቕ ፣ኣብ ቤትና ዓጺፍና ክነቐምጦ ዘይኮነስ ክነብረሉ ፣ብብርሃኑ ብርሃን ርኢና ካብዛ ጸልማት ዝኾነት ዓለም ክንፍለ፣ ብርሃን ኮይንና ከኣ ንሰባት ናብ ብርሃንዊ ኣምላኽ ክነቕርቦም መንገዲ ክንሕብሮምን ይግባኣና እዩ።
6. ''እቲ ዘንብብ የስተውዕል” ማቴ24፣15፥
ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ መጨረሽታ ዓለም ምልክታት ድሕሪ ምግላጹ፣“እቲ ብነቢይ ዳንኤል ዝተነግረ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፋራ ቖይሙ
ምስ ረኣኹም ፣እቲ ዜንብብ የስተውዕል” ክብል ተዛረቦም፣፣ እዚ ቃል እዚ ኣቐዲሙ ነቢይ ናይ እግዚኣብሔር ዝኾነ ዳኒኤል ኣብ ምዕራፉ 11፣31 ከምኡ ከኣ ኣብ ምዕራፍ 12፣11ብዝርዝር ገሊጽዎ ኣሎ። እዚ ናይ ነቢይ ዳኒኤል ትንቢት ከኣ፣
ቀዳማይ- ስለ ጥፍኣትን ሕልቀትን ኣይሁድ ዝተዘርበ እዩ ፣፣ እዚ ከኣ እንሆ ናይ ሮማ ንጉስ ጥጦስ ናብ ኢዮሩሳሌም መጺኡ ንቤት መቕደስ ኣፍሪሱ ንህዝቢ እስራኤል ብዙሕ ሽግርን መከራን ኣውሪድሎም እዩ፣፣ እዚ ኣብ ግዜኡ ተፈጺሙ እዩ (ዘመኑ ብሰብዓ ዓመተ ምሕረት)።
ካልኣይ፣
እዚ ናይ ንጉስ ጥጦስ ምምጻእን እቲ ቅዱስ ናይ እግዚኣብሔር ስፋራ ዝኾነ ቤተ መቕደስ ምዕናውን ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ምቛሙን ሽዑ ኣብ ግዜኡን ሰዓቱን እኳ እንተተፈጸመ፣ ፍጻሜኡ ግና ናይ ሓሳዌ መሲሕ (ጸረ ክርስቶስ ) ምምጻእን ንገዛእ ርእሱ ኣምላኽ ከይኮነ ኣምላኽ’የ ዝብለሉን ነቲ ዝምለኽ እግዚኣብሔርን ስርዓተ ኣምልኾን ዝቃወመሉን ዘመን ከም ዝመጽእን ንሕና ናይ ክርስቶስ ተኸተልቲ ድማ ጸኒዕና ክነብር ከም ዘሎና ከብርህ ከሎ እዩ ።
ኣብ ትንቢት (ዳኒ11፣31፣12፣11)፣ ኣብ ወንጌል (ማቴ24፣15)፣ ኣብ መልእኽቲ ጳው(2ተሰ2፣3) ከም ዝተነገረ፣ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ቅድስና ስፍራ (ቤት መቕደስ)፣ ኣብ ዓጸደ ቤቱ ዘይግቡእ ስራሕ ዝሰርሑ ማለት ዝሙት ክፍጸም፣ ገንዘብ ክስረቕ፣ ክሕደት ክንገር፣ታቦትን ጽላቱን ቤተክርስቲያን ክድፈር፣ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ኣሳእል፣ ታቦት ፣መስቀል ፣ኣምላክነት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ክጠሓስ ፣ጸረ ቅድስት ድንግል ማርያም ፣ቅዱሳንን፣ገድሎምን ፣ቅዱስ ቁርባን ዘቃልሉ ሰባት ምትንስኦም ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ናይ ምቛሙ ምልክታት እዮም፣፣ ስለዚ ሎሚ ንሕና እንርከበሉ ግዜን ሰዓትን ናይ ዋዜማ ሰዓት ከም ምዃኑ መጠን ካባና ዝድለ እንተሃልዩ ኣብ ሃይማኖት ጸኒዕና ብምንባር ፣ብንስሓ ተሓጺብና ፣ብቕዱስ ቁርባን ተኸሊልና ፣ብጸሎት ካብ ዕለት ናብ ዕለት ነቒሕና ድልዋት ኮይና ምጽባይ ጥራሕ እዩ።
7.''ንጥኑሳትን ንመጥበውቲ ሕጻናትን ወይልኤን” ማቴ24፣19፥
7.''ንጥኑሳትን ንመጥበውቲ ሕጻናትን ወይልኤን” ማቴ24፣19፥
ብግዜ ስደት ጥኑሳት ኣብ ጉዕዞ ክሓርሳ ይኽእላ፣ ከምኡ ድማ ጥኑሳት ከም ምዃነን መጠን ኣብ ስደት ግዜ ብዙሕ ሽግር እዩ ዘጋጥመን፣፣ መጥበውቲ ህጻናት እውን ኣብ ግዜ ስደት ደቀን ዝስተን ዝብላዕን ስለ ዝሓትወን ኣብ ግዜ ስደት ኣዝየን እየን ዝሽገራ፣፣ ስለዚ ጥኑሳት ኮና መጥበውቲ ህጻናት ኣብ ግዜ ስደት ኣዝዩ ብዙሕ ዝኾነ ከቢድ ፈተናታት እዩ ዘጋጥመን፣፣ ህይወተን ንስደት ምቹእ ኣይኮነን ንኹሉ ሓደጋታት ከኣ ዝተቓልዓ እየን። ኣበው ብምነጽር መንፈስ ትመሪሖም እቲ ምሳሌ ክትርግምዎ ከለዉ ግና፥
ብሕልና ጠኒሶም፣ ብቓል ወሊዶም ፣ንሓጢኣት ብተግባር ዘዕብዩ ሰባት ወይልኦም፣ መከራ ነፍሲ ክረኽቦም እዩ (ያዕ1፣15)። ብግብሪ ሓጢኣት ተማሂሮም ብምንፍቕና ሰልጢኖም ዝነብሩን ነቲ ግብሪ ኽፍኣት እና መሃሩ ከምኣቶም ከም ዝገብሩ ደሓር ኣብ መጨረሽታ ዓለም ኣብ ግዜ ምጽኣት ክርስቶስ ነቶም ሰባት ግና ወይልኦም።
1 8. “ሽዑ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ እምባታት ይህደሙ”
ቤተልሔም ራሄል ሰበይቲ ያዕቆብ ዝተቐበረትሉ ፣ልቢ ኣምላክ ዳዊት ብነቢይ ናይ እግዚኣብሔር ሳሙኤል ተቐቢኡ ንንግስነት ዝበቕዓላ ፣ነቢይ ሚክያስ ክርስቶስ ከም ዝውለድ ዝተነበየላ፣ ዘሩባቤል ዝነገሰላ ፣መድሃኔኣለም ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም ዝተወለደላ፣ጓ ሶት ንፈጣሪኦም ናይ ኣምልኾ ስገደት ፣ንድንግልማርያም ናይ ጸጋ ስግደት ዝሰገድሉ ፣ሰብኣ ሰገል ወርቂ ፣ዕጣን፣ ከርቤ ዘቕረብሉ ፣እንስሳ ብእስትንፋሶም ዘሞቕሉ ፣መላእኽትን ዝዘመርሉ ፣ካብ ክልተ ዓመት ንታሕቲ ዝኾኑ ህጻናት ብሄሬድስ ዝተቐትልሉ ስፍራ እያ (ዘፍ35፣16,1ሳሙ16፣13,ሩት1፣1,ሚክ5፣2,ማቴ2፣1,ሉቃ2፣4,ማቴ2፣16)፣፣ ቤተልሔም ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ናይ ቤተክርስቲያንን ምሳሌ እያ፣፣ ስለዚ እዩ ከኣ “ኣብ ይሁዳ (ቤተልሔም ) ዘለዉ ናብ እምባታት ይህደሙ” ዝተባህለ። እቲ እምባ ተባሂሉ ዘሎ ብ ከምዚ
ይትርጎም፥
1) ብሃይማኖትን ብምግባርን ጸኒዕም ዘለዉ ሰባት ረዴት እግዚኣብሔር እምባ፣ መጸግዒ ይግበሩ ማሌት እዩ፣፣ ምኽንያቱ፣ “ከምቲ ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌም እምባታት ዘሎ ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሔር ካብ ሕጂ ክሳዕ ዘልኣለም ኣብ ዙርያ ህዝቡ ኣሎ(ብረዲኤት ይሕልዎም)” (መዝ125፣2)
2) ቅዱሳን ነብያት ደብረ መቅደሱ (ናይ ቅድስና እምባ፣ደብረ ጽዮን/እምባ ጽዮን/ ድንግል ማርያም እምባ መጸግዒ ይግበሩ ማለት እዩ፣፣ ምኽንያቱ ብኣማላድነታ ካብ ክፉእ ዘበለ ስለ እተድሕነና፣፣ ንዓኣ ንድንግል ማርያም ጸግዒ ጌይሩ ዝሓፈረ ብጸላእቱ ዝተሳዕረ ሰብ ስለ ዘየለ፣፣ ነዚ ኣምለኪቱ ቅዱስ ዳዊት ልቢ ኣምላክ፣ “ኣነ ኣብ ጽዮን ኣብቲ ቕዱስ እምባይ ንንጉስይ ሸምኽዎ” (መዝ2፣6) ክብል ዘሚሩ ኣሎ፣፣ በዚ ቃል ትንቢት ንጉስ ዝተባህለ ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን ከሎ ጽዮን ዝተባህለት ድማ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ።
3) ቅዱሳን ኣኽራን(ኣድባር ቅዱሳን) ዝተባህሉ ቅዱሳን መጸግዒ ፣እምባ ምግባር እዩ፣፣ ምኽንያቱ ብኣማላድነቶም ከም ዕርድን መጸግዒ እምባን ኮይኖም ስለ ዝከላኸሉልና፣፣ ሎጥ ብሃይማኖት ጸኒዑ ናብቲ እምባ ስለ ዝሃደመ እዩ ካብ ሰብ ሰዶምን ጎመራን ጥፍኣት ዝደሓነ (ዘፍ19፣1-መፈ)።
ስለዚ ናብ እምባ ምህዳም ክበሃል ከሎ፣ ናብ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት፣ ናብ ናይ ድንግል ማርያም ኣማላድነት ፣ናብ ናይ መላእክቲ ኣማልድነትን ረዲኤት ፣ናይ ቅዱሳን ኣማልድነት ጸጋን በረኸት ምጽጋዕ ማለት ክኸውን ከሎ እዚ ከኣ
ካብቲ ዝመጽእ መዓትን ሽግርን ከምእንወጸእ ይገብረና። ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ “እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ እምባታት ይህደሙ” ተባሂሉ ዝተጻሕፈ።
9. “ ህድማኹም ብኽረምቲ ወይ ብዕለተ ሰንበት ከይከውንሲ ጸልዩ”ማቴ 24፣20
ክረምቲ ኩላትና ከም እንፈልጦ ማይን ጭቃን ዝበዝሖ ዘራእቲ ኣብ ቆጽልን ዕንበባን ዝርከብሉ ፣ዝብላዕ ፍረ ወይ ድማ እኽሊ ዘይርከቦ ወቕቲ እዩ፣፣ ሰንበት እውን መዕልቲ ዕረፍቲ እዩ፣፣ ክረምቲ ጭቃን ዝናብን ዝበዝሖ ስለ ዝኾነ ንምህዳም ኣይምችእን እዩ፣፣ ብዕለት ሰንበት ህድማ እንተ ኣጋጠመ እውን በዓል ስለ ዝኾነ መገዲ ዝሕብር ኣይርከብን፣፣
ስለዚ ጎይታና እዚ ምባሉ ንስኻትኩም ‘ውን ፍረ ጽድቂ ከየፍረኹም ብቖጽሊ ዝምሰል እምነት ጥራሕ ሒዝኩም፣ ከምቲ ብመዓልቲ ሰንበት ሰብ ካብ ስጋዊ ስርሑ ዘዕርፍ ንስኻትኩም እውን ካብ ኩሉ ናይ ጽድቂ
ስራሕ ኣዕሪፍኩም፣ ካብ ጽድቂ ርሒቕኩም ከለኹም ሞት ከየርክበኩም ጸልዩ ንኽብል ዝተዛረቦ ቃል እዩ፣፣ ሎሚ እውን ኣብዚ ወለዶእዚ ዘሎና ናይ ውልቅና ምጽኣት ከየርከበና ከሎ ብእምነትን ብግብርን ጸኒዕና ክንርከብን ድልዋት ክንከውን ይግባእ፣፣ እዚ ክንገብር ኣምላኽና እግዚብሔር ብጸጋኡ ይደግፈና። ኣሜን!!
10. “ሓሰውቲ መሲሓትን ሓሰውቲ ነብያትን ክትንስኡ እዮም”ማቴ24፣24፥
ሓሳዊ መሲሕ (ጸረ ክርስቶስ) ዝገሃደለን መዓልታት ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን እየን (ራእ11፣2-8፣13፣5-7/ዳኒ12፣11-12) ከምኡ እውን ካብ መዓልቲ ሲሶ፣ ካብ ለይቲ ሲሶ ይጎድል፣ ቀልጢፉ ይመሲ ቀልጢፉ ይወግሕ፣፣ ስለዚ ክሓጽራ እየን በለ (ራእ8፣12)።
ሽዑ ዝኾነ ሰብ ፣ክርስቶስ ኣብዚ ኣሎ ወይ ኣብቲ ኣሎ እንተ በለኹም ኣይትእመኑ። ምኽንያቱ ብስም ክርስቶስ ዘታልሉ ሓሰውቲ ነቢያት(መማህራን) ክለዓሉ እዮም። ንመስሓቲ ዝኸውን ዓቢ ትእምርትን ተኣምራትን ክገብሩ እዮም(ዘጸ7፣11)። ኣይከኣሎምን እምበር እንተ ተኻእሎምስ ነቶም ሕሩያት እኳ መስሓትዎም፣፣ ከመይሲ ምብራቕ (ጸሓይ) ካብ ምብራቕ ወጺኡ ክሳዕ ምዕራብ ከምዝርኤ፣ ምጽኣት ክርስቶስ ድማ ከምኡ ክኸውን እዩ፣፣ ገምቢ ኣብ ዘለዎ ኣሞራታት ከኣ ኣብ እዮም ዝእከቡ፣፣ ቅዱስ ሉቃስ ከም ዝጸሓፎ “ኣበይከ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ (ሉቃ178፣37)። እዚ ማለቱ ክርስቶስ ኣብ ዘለዎ ምእመናን ኣብኡ ክእከቡ እዮም።
11. “ብደመና ሰማይ ክመጽእ ከሎ ምስ ረኣይዎ ክበኽዩ እዮም” ማቴ24፣30፥
“ድሕሪ ናይተን መዓልታት እቲኤን ብኡንብኡ ጸሓይ ክትጽልምት እያ፣ ወርሒ
እውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ። ማለት ክትሓልፍ እያ፣ ከዋኽብቲ ካብ ሰማይ ክወድቁ እዮም ማለት ክሓልፉ እዮም፣ ሓይልታት ሰማያት ድማ ክናወጹ እዮም፡ ክሓልፉ እዮም ሽዑ ከኣ ምልክት ወዲ ሰብ (ኣሰረ ርግዘቱ ፣ኣሰረ ቅንዋቱ )ኣብ ሰማይ ክርአ እዩ፣፣ እንሆ ድማ ኩሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ ወገናት ፣ወዲ ሰብ ብሓይልን ብዓቢ ክብርን ማለትብ“ቅዱስ እግዚኣብሔር ዘያነስኦሙ ለሙታን” ተባሂሉ ብመላእኽቲ እና ተመስገነ ብደመና ሰማይ ክመጽእ ምስ ረኣይዎ
ክበኽዩ እዮም፣፣ ደመና ሰማይ ዝበሎ ባህርያዊ ክብሩን ግርምኡን እዩ፣፣ ክበኽዩ እዮም ማለቱ ኣሰውረ ርግዘቱን ኣሰረ ቅንዋቱን ተገሊጹ ስለ ዝረኣዮም እዩ (ራእ1፣7)።
ነዚ ኩሉ ምስ ተዛረበ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክስርቶስ ናይ መጨረሽታ ቃሉ ስለ እታ ናይ መጨርስታ ናይ ምጽኣቱ ዕለትን ሰዓትን እዩ ተዛሪቡ። ነታ መዓልቲ እቲኣን ነታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይካ ኣብ(ኣቦ) በይኑ ፣ናይ ሰማይ መላእኽቲ ኮኑ ወዲ
ሰብ ኮነ ሓደ እኳ ዝፈልጣ የልቦን።
- ዘመኑ ዘመነ ዮሓንስ ፣ወርሑ መጋቢት ፣ዕለቱ እሁድ (ሰንበተ ክርስቲያን) ፍርቂ ለይቲ ከምዝኾነ ፍሉጥ ዶ ኣይኮነን፧ እንተበልና ብዙሕ ዘመነ ዮሓንስ፣ ብዙሕ ወርሒ መጋቢት፣ ብዙሕ ዕለተ እሁድ (ሰንበት) ስለ ዘሎ ተፈልዩ ክፍለጥ ስለ ዘይከኣል እዩ።
ብዘይካ ኣብ በይኑ ወልድ ኣይፈልጣን እዩ በለ።
2. ነቲ ሕቡእ ዘይፈልጥ ዝነበረ ባሕርይ ሰብነቱ ምኽንያት ክህብ
ኢሉ እዩ እምበር
ሕቡእ ዘይፈልጥ ኮይኑ ኣይኮነን ከም ዝበሎ ቅዱስ ቄርሎስ ኣብ (ሃይማኖት ኣበው (75፣3፣79፣32)፣፣ ቅድሚ ተዋህዶ ዘይፈልጥ ዝነበረ ስጋ ከም ዝተወሃሃደ ንምግላጽ ዝተዛረቦ እዩ እምበር ስለ ዘይፈልጥ ኮይኑ ኣይኮነን። ድሕሪ ተዋህዶ ግን ስጋ ኣይፈልጥን እዩ ኣይበሃልን። ኩሉ ሃብቲ መሎኮት ብተዋህዶ ናይ ስጋ ፣ኩሉ ሃብቲ ስጋ ድማ ብተዋህዶ ናይ መሎኮት ኮይኑ እዩ። ከመይ “ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ክርስቶስ እዩ ተሰዊሩ ዘሎ” (ቆላ2፣3) ከም ዝበለ ቅዱስ ጳውሎስ።
ከምቲ ብቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ቅንያት ክሳዕ እታ ኖህ ኣብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ ክበልዑን ክስተዩን ክዋሰቡን ዝጸንሑ እሞ ማይ ኣይሂ መጺኡ ንኹሉ ክሳዕ ዘጥፍእ ዘይፈለጡ፣ ኣመጻጽኣ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ ክከውን እዩ።
ቀዳማይ፣ ሽዑ ክልተ ሰብ ኣብ ሓደ ግራት ክጸንሑ እዮም፣ እቲ ሓደ ብሞት ክውሰድ እቲ ሓደ ድማ
ብሕይወት ክሕደግ እዩ።
ካልኣይ፣ ኣብዚ ዓለም ባሕታውያን ይነብሩ፣ ከም እንጦንስ መቃርስን ዝበለ ናብ ገነት ይውሰድ። ከም በዓል መቅጹት ቁራዕ ወርቂ ኣብ ትርኣሱ ዝቐበረ ድማ ናብ ገሃንም ይሕደግ።
ኣብዚ ዓለም ድኻታት ይነብሩ ከም ኣልኣዛር፣ ከም ሓዋርያት ዝበለ ናብ ገነት ይውሰድ ከም ይሁዳ ከም ኣይሁድ
ዝበለ ናብ ጋሃንም ይሕደግ።
ኣብዚ ዓለም ሃብታማት ይነብሩ ከም ኣብርሃም፣ ከም ኢዮብ ዝበለ ናብ ገነት ናብ መንግስተ ሰማያት ይውሰድ፣፣ ከም ኪራም ከም ነዌ ዝበለ ናብ ሲኦል ናብ ገሃንም ይሕደግ።
እምበኣርከስ ጎይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከምዝመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቕሑ። ግናኸ እዚ ድኣ ኣስተውዕሉ፣፣ በዓል ቤት ሰራቒ ዝመጻላ ሰዓት
እንተዝፈልጥ ነቒሑ ምሓለወ ነይሩ፣፣ ቤቱ ክትኳዓት እውን ኣይምሓደገን፣፣ እምበኣርከስ ንስኻትኩም’ውን ወልደ እጓለ እመሕያው ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይ ሓሰብኩምዎ ሰዓት ክመጽእ እዩ እሞ ተዳሊኹም ንበሩ (ማቴ24፣36-44)።
ንሕና ኸ ?
ነዞም ብዝተፈላለየ ሽርሕታት ማለት ክመቲ ኣብዚ ግዜ ንርኢዮ ዘሎና፣ ደቂ ቤተ ክርስቲያን መሲሎም ንቤተ ክርስትያን ዝተፈላላየ ታቤላ ወይ ድማ ቅጽል ስም ብምሓብ (ናይ ተቃውምቲ፣ ደገፍቲ)፣ ከምኡ'ዉን ኦርቶዶክስ ክትሕደስ ኣለዋ ብምባል ንቤተክርስቲያን ንምዕናው ሕጋ ንምፍራስ ፣ስርዓታ ንምልዋጥ ዝፍትኑ ንዘለዉ ሰባት፣ ንሕና ኣገልገልታን፣ ምዕመናን ናይዚ'ኣ ቤተክርስቲያን, ኣብ ስሙ ጸኒዕና ፣ንስርዓትን ሕግን ናይ ቤተክርስቲያን ከይጥሓስ፣ ኣብ ዶግማን ቆኖናን ናይ ተዋህዶ ሃይማኖትና ሰሊኹ ክኣቱ ዝፍተን ዘሎ ናይ መናፍቓን ክሕደታትን ተሃድሶኣዊ ምንቅስቓሳትን ካልዕን፣ ብትብዓት ክንቋወም፣ ከምቶም ዝሓለፉ ኣብ ቤተክርስቲያን ተንሲኦም ዝነበሩ ኣርዮሳውያንን ብድሕሪኦም ዝመጹ ዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባትን ትካላት መናፍቓንን ነበረ ኮይኖም ክሓልፉ ፣ ናይ ዝሓለፉ ኣበዋት ከምይ ጌሮም ብሓይሊ ኣምላኽ ከም ዝበድሕዎ ብምርኣይ፣ እዚኣ ቅድስት ሃይማኖት ዘይትናወጽ ምዃና ፈሊጥናን ተረዲእናን ኣብቲ ዘይምንዋጻ ቄምና ዘሎና ክንደዮነት ኢና ኢልና፧ ኩላትና ርእስና እንምርምረሉ ፣ኣብ ስሩት መሰረት ምህላውናን ዘይምህላውናን ደጊምና እነረጋግጸሉ እዋን ኢና ዘሎና፣፣ እዚ ስለ ዝኾነ እምበኣር ጽኑዓትክርስቲያን ብምዃን ፣ኣብ መሰረት ነቢያትን ሃዋርያትን ብምስራትና ክመጻና ንዝኽእል ዝኾነ ይኹን ናይ ህይወት መሰናኽላት ብሓይሊ ኣምላኽ ክንሰግሮ ከም እንኽእል ኣሚና ጽኑዓት ኮይና ክንርከብ ይግባኣና።
ንባባት፣ 1ተሰ4፣13-ፍጻ, 2ጴጥ3፣7-15, ግ.ሓዋ24፣1-22, ማቴ24፣1-36
ምስባኽ፣ መዝ 50፣2-3
መዝሙር፣ እንዘይነብር እግዚእነ
ምስባኽ፣ መዝ 50፣2-3
መዝሙር፣ እንዘይነብር እግዚእነ
መወከሲ መጻሕፍቲ
1. ትርጓሜ
ኣርባዕቱ ወንጌል (ብግዕዝን ትግርኛን)
2. ኪዳነ ጽድቅ
3. ስነጽሑፍ ካብ ማህበረ
ማሪያም እስራኤል
ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!
ይቅጽል.....................
ቃል ሕይወት የስመዓልና!!!!!
ReplyDeleteቃለ ሂወት የስመዓልና
ReplyDelete