ካልኣይ ሰንበት ዓቢ ጾም
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን!!
ዝኸበርኩም ኣንበብቲ ናይዚ ዓምዲ እዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍና ሓፈሻዊ መእተዊ ናይ ዓቢይ ጾም፡ ብዛዕባ እታ ካብተን ሸመንተ ሰናብቲ ናይ ዓቢይ ጾም ቀዳመይቲ ሰንበት ማለት ዘወረደ ኣቕሪብና ኔርና። ሕጂ ድማ ብፍቓድ ኣምላኽ፡ብኣማላድነት ናይ ቅድስተ ቅዱሳን፡ ምኽንያት ድሕነትና ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ብጸሎት በረኸት ናይ ኩሎም ቅዱሳን ብዛዕባ ካልኣይቲ ሰንበት ናይ ጾም ኣርብዓ ሒዝና ቀሪብና ኣሎና፡ ቅዱስ እግዚኣብሔር ዘስተውዕል ልቦና ይሃበና ኣሜን!!!
ካብተን ሸመንተ ሰናብቲ ናይ ዓቢይ ጾም፡ ካልኣይቲ ሰንበት እምበኣር ቅድስት ተባሂላ እትጽዋዕ። እዚኣ’ውን ነዚ ስያመ እዚ ዝሃባ ናይ ቤተክርስቲያና ሊቅ፡ ቅዱስ ያሬድ ክኸውን ከሎ በዚ ዕለት እዚ ዝስበኽ ስብከታት፡ ዝዝመር መዝሙራት፡ ዝንበብ ንባባት ብምሉኦም ብዛዕባ ቅድስና ናይቲ ልዑለ ባህርይ ዝኾነ ቅዱስ እግዚኣብሔር፡ቅድስናን ክብርን ሰንበት፡ ንሕና እቶም ብመልክዑን ብምስሉን ዝተፈጠርና ደቂ ሰባት ክነብሮ ዝግብኣና ናይ ቅድስና ናብራን፡ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ካባና ዝደልዮን ዝጽበዮን ናይ ቅድስና ሕይወትን፡ ካብዚ ዕለት እዚ ጀሚሩ ንሰሙን መመላእታ ክንገር ይቕኒ።
እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንሱ ብባህሪኡ ቅዱስ እዩ። ፍጡራቱ ድማ በቲ ቅዱስ ዝኾነ እግዚኣብሔር ናይ ጸጋ ቅድስና ይጓናጸፉ። እዚ ክባሃል ከሎ ግን ናይ ፍጡራት ቅድስና ከም ናይ እግዚኣብሔር ቅድስና ማለት ኣይኮነን። ከመይ ናይ እግዚኣብሔር ቅድስና፡ዘይጎድል ዘይውሰኽ ናይ ባዕሉ፡ ናይ ባህሪኡ እዩ። ብኣንጽሩ ከኣ ናይ ፍጡራት(ናይ ሰብ፡ ቦታታት፡ ቅዱስ ንብረት. . . .) ቅድስና ካብ እግዚኣብሔር ዝርከብን ዝወሃብን ኮይኑ ብጸጋ እዩ፡ ናይ ጸጋ ቅድስና ከኣ ይባሃል።
“ከም እግዚኣብሔር ዝበለ ቅዱስ የለን” ከም ዝበለት ሃና ኣደ ነቢይ ሳሙኤል ኣብ ጸሎታ(1ሳሙ2፡2)። ስለ ዝኾነ ከኣ ንእግዚኣብሔር ብቕድስንኡ ዝመስሎ ዋላ ሓደ የለን ንሱ ከም ዝፈቐዶ ግን ናይ ጸጋ ቅድስና ንፍጥረታቱ ይዕድል። ከምኡ’ውን፡ ህዝቢ እስራኤል ካብ’ቲ መሪር መግዛእቲ ናይ ንጉስ ፎርኦን ተጋላጊሎም፡ ቅዱስ እግዚኣብሔር ብሓያል ቅልጽሙ ንባሕሪ ኤርትራ ከፊሉ ምስ ኣስገሮም ኣብ ዝዘመርዎ ናይ ምስጋና መዝሙር ከምዚ ዝስዕብ እንዳ በሉ ንእግዚኣብሔር ኣመሲጊኖም ኣለዉ፡ “ኦ! እግዚኣብሔር ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን ኣሎ፧ ብቕድስና ከማኻ ዝኸበረ፡ብግርማ ከማኻ ዝተፈርሀ ገባሪ ተኣምራት መን እሎ፧”(ዘጻ15፡11)። ናይ ቅድስና በዓል ቤት ዝኾነ እግዚኣብሔር ብቕድስና ዝመስሎ የለን። በዚ ግዜ እዚ እምበኣር ስለ ናይ እግዚኣብሔር ቅድስና ዝንገረሉ ሳምንቲ እዩ(ሉቃ1፡49,1ጴጥ1፡13-16)።
ኣብ ኣርእስትና ኣብከም ዝተመልከትናዮ “ቅድስት” እዩ ዝብል። ኣቐዲምና ብዛዕባ፡ ናይ እግዚኣብሔር ቅድስና ምዝራብና ድማ ናይ ኩሉ ቅድስና ዋናን በዓል ቤትን ባዕሉ እግዚኣብሔር ስለ ዝኾነ’ዩ። ስለዚ እምበኣር እዚ “ቅድስት” ዝብል ስም ንሰንበት ዘመልክት እዩ።እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንሰንበት(ቀዳመይቲ ሰንበት-ቀዳም) ከም ዘኽበራን ከምዝቐደሳን ተዛሪቡ ኣሎ። ንነቢይ ሙሴ’ውን ንመዓልቲ ሰንበት ኩሉ ሰብ ከኽብራ ከም ዘለዎ ምስተን ዓሰርተ ትእዛዛት ሂብዎ እዩ።
በዚ ምኽንያት ከኣ እግዚኣብሔር ንዘኽበራ፡ ንዝቐደሳ ዕለተ ሰንበት(ቀዳም) ኣምላኽ ከምዝኣዘዘና፡ ኣቦታትና ቅዱሳን ከም ዝመሃሩና ክነኽብራ ንነብር ኣሎና። ምኽንያቱ ዝቐደሳን ዘኽበራን ሰብ ዘይኮነ ባዕሉ ቅዱስ እግዚኣብሔር ስለ ዝኾነ “መዓልቲ ዕረፍቲ ንእግዚኣብሔር ዝተቐደሰት መዓልቲ እያ”(ዘጻ16፡23) ከምኡ’ውን “ኣምላኽ ከኣ ካብቲ ዝፈጥሮን ዝገብሮን ዝነበረ ኩሉ ግብሩ በታ ሳብዓይቲ መዓልቲ ስለ ዘዕረፈ ንዓኣ ባረኻን ቀደሳን።”
(ዘፍ2፡3) ከም ዝበለ። ባዕሉ ንዘኽበራን ንዝቐደሳን መዓልቲ ሰንበት (ቀዳም) ከኣ ምኽባር ናትና ስራሕ ይኸውን።
ኣብ ብዙሕ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ ጎይታ እንዳ ተባህለት ተጸዊዓ ዘላ ዕለት ከኣ እሁድ(ሰንበተ ክርስቲያን ቅድስት- ናይ ክርስቲያን ሰንበት) ኢያ። ስለ ናይ’ዛ ዕለት እዚኣ ቅድስና ዘብርሁ ስብከታት፡ መዛሙርን መልእኽታትን በዚ ናይ ዓቢይ ጾም ክፍለ ግዜ ይንገር። ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተጠንሰላ፡ ንሞት ስዒሩ ብምትንሳእ ትንሳኤ ዘበሰረና፡ ጸረ ክርስቶስ ክሓዝኑ ንሕና ደቂ ክርስቶስ ግና ብብርሃኑ ብርሃን ርኢና ፍጹም ሓጎስ ዝተጓናጸፍናላ ብምዃና ነዛ ክብርቲ ዕለት ክነኽብራ ንነበር (ዮሓ፳፡፳፩/20፡21, ግ.ሓዋ፳፡፯/20፡7, ራእ፩፡፲/1፡10)።
ንሕና’ኸ፧
በዛ ቅድስት ዕለትን በዚ ሰሙን እዚን ምኽንያት ጌርና ፡ንሕና ደቂ’ቲ ቅዱስ ዝኾነ እግዚኣብሄር ክንኮኖ ዝግብኣና ወይ ድማ ዘሎና ነገራት እንታይ እዩ እንተ ተባህለ፡እቲ ዝፈጠረና ቅዱስ ከምዝኾነ፡ብቕድስና እውን ከም ዝተፈጠርና ቅዱሳን ኴንና ምንባር እዩ።ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ቅድስና ኣልዒሉ ክዛረብ ከሎ፡” ስለዚ ሓቛቚ ልብኹም ተዓጠቑ፡ከምኡ’ውን ተጠንቀቑ፡ተስፋኹም ካኣ ብምልኡ ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ እትረኽብዎም ጸጋ ይኹን።ከም እዙዛት ውሉድ እምበር ከምቲ ቀደም ደናቑር ከለኹም እትገብርዎ ዝነበርኩም ክፉእ ኣይትመነዩ።”ኣነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳን ኩኑ”ዝብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ ፡ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝኾነ ንስኻትኩም እውን ብኹሉ ንብረትኩም ቅዱሳን ኩኑ።”(1ጴጥ፩፡፲፫-፲፮/1፡13-16)።
ስለዚ እምበኣር ሎሚ ዓለምና ብግብሪ ሰይጣን ትጓዓዘሉ ኣብ ዘላ ግዜ፡ብዓይነትን ብዝሓትን ሓጥያት ኣብ ግዜና ነጊስሉ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ኣነባብራ ኣህዛብ ወጺእና ፡ነታ ካብ ኩሉ ዝተቐደሰት ሰብነትና ከይነርክስ ፡ንቕዱስ እግዚኣብሄርን ፡ናይ እግዚኣብሄር ቅዱሳንን ከይነሕዝን ክንጥንቀቅ ይግባኣና። ንሕና ብቕድስና እንተ ነበርና እቲ ረብሓ ንዓና እዩ፡፡ እዚ ከኣ ካልእ ዘይኮነ ነታ ንመርዓዊኣ ኢላ ከም እትጸባበቕ መርዓት፡ ብዘይ ጎደሎ ምልክዕትን ጽብቕትን ዝኾነት፡ መንግስተ ሰማያት ወረስቲ ንምዃን ንበቅዕ።እንተ ዘይኮነስ ስፍራና ካብቶም ብቕድስና ንእግዚኣብሔር ዘገልገሉ ቅዱሳን ዝተፈልየ ኮይኑ ናብቲ ንሰይጣንን ንሰራዊቱን ዝተዳለወ ስፍራ ንኸይድ፡ ከመይ ብዘይ ቅድስና ንኣምላኽ ክርእዮ ዝኽእል ሰብ የሎን ኣብታ ናይ ዘለኣለም ዕረፍቲ ዘለዋ ቤት’ውን ምንባር ኣይከኣልን። እዚ ካብ ኮነ ኣብ ስጋዊ ሕይወትና ብሰላምን ብጸጋን ብህድኣት ክነብር፡ኣብታ ዘመን ዘይቁጸረላ ሃገር ከኣ ምስ ኣምላኽና ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ኩሎም ቅዱሳንን ብደስታን ብሓጎስን ክነብር፡ ሎሚ ኣብ ስጋዊ ሕይወትና፡ ኣብ ናይ ስደት ዘመና ብቕድስና ንንበር። ነታ ብኣርብዓን ብሰመንያን መዓልቲ መሕደሪ መንፈስ ቅዱስ(ቤት መቕደስ ኣምላኽ) ዝኾነት ሰብነትና ካብ ምርካስ ንቆጠብ፡ ምስ ሓጢኣት ዘሎና ፍቕሪ ክጠፍእ ኣእምሮና፡ ሕይወትና ኩሉ ስራሕ ጽድቂ ክሰርሕ ንቕድስና ዝተወፈና ክንከውን ኣምላኽና እግዚኣብሔር ጸጋኡ የብዝሓልና። ዝሓለፈ ዘመና ብንሳሓ ሓጺብና ናብቲ ተሪፉ ዘሎ ዘመና ብቕድስና ንጉየ። ኣሜን!!!
ንባባት፣ 1ተሰ 4፡1-13 ምስባኽ ፣ መዝሙር ዳዊት 96፡5-6
ኣርእስቲ ማዝሙር ፣ ግነዩ ለእግዚኣብሔር ወጸውዑ ስሞ ወንግርዎሙ ለአሕዛብ ምግባሮ ሀቡ
ስብሐተ ለስሙ አክብሩ ሰንበተ ተገበሩ ጽድቀ ዝግቡ ለክሙ መዝገበ ዘበሰማያት ኅበ ፃፄ ኢያማስኖ ወኢይረክቦ ሰራቂ ድልዋኒክሙ ንበሩ
ዘበላዕሉ ጸልዩ ኀበ ሀሎ ክርስቶስ ( 1ጴጥ1፡13-መፈ/ ግ.ሃዋ 10፡7-30/ ማቴ6፡16-25)
ትርጉም ማዝሙር ፣ ንእግዚኣብሄር ተገዝኡ፣ ስሙ ጸወዑ ስርሑ‘ዉን ንኣሕዛብ ንገሩ፣ ምእንቲ ስሙ ምስጋና ኣቅርቡ፣ ሰንበት ኣኽብሩ ሓቂ ግበሩ፣ ብልዒ ኣብ ዘየበላሽዎ ስራቒ ዘይረኽቦ ኣብ ሰማይ ማሕደር ነኣኹም ኣክቡ፣ ተዳሊኹም ጽንሑ ክርስቶስ ናብ ዘለዎ ናብ ላዕሊ ሕሰቡ።
ትርጉም ማዝሙር ፣ ንእግዚኣብሄር ተገዝኡ፣ ስሙ ጸወዑ ስርሑ‘ዉን ንኣሕዛብ ንገሩ፣ ምእንቲ ስሙ ምስጋና ኣቅርቡ፣ ሰንበት ኣኽብሩ ሓቂ ግበሩ፣ ብልዒ ኣብ ዘየበላሽዎ ስራቒ ዘይረኽቦ ኣብ ሰማይ ማሕደር ነኣኹም ኣክቡ፣ ተዳሊኹም ጽንሑ ክርስቶስ ናብ ዘለዎ ናብ ላዕሊ ሕሰቡ።
ስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!
ይቅጽል....................
No comments:
Post a Comment