👂ታሪኽ ኣበዉ👂
ዕለት፣ 13-04-17
መእተዊ
መእተዊ
ክቡራት ተኸታተልቲ ናይዚ ዓምዲ ዝኾንኩም ሕዝበ ክርስቲያን ከም ፍቃድ ኣምላኽ መመክሒ ዝኮኑ ናይ ኣበዉ ታሪኽ፣ ካብ ኣዋልድ መጽሓፍቲ እንዳ ወሰድና በበእዋኑ ከም ፍቃድ ኣምላኽ ክንርእይ ኢና። ንሓና ምእመናን ደቂ ክርስቶስ ከኣ ነዚ ታሪኻት ብልቦና ብምንባብ ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ስንቂ ንነፍስና ብምግባር፣ ነቶም ዘይፈልጡ ከኣ ነፍልጦም፣ ነዚ ክንገብር ከኣ ኣምላኽ ብጸግኡ ይሓግዘና፣ ኣሜን።
1ይ ኽፋል ታሪኽ ቅዱስ በርናባስ
ቅዱስ በርናባስ St.Barnabas
ቅዱስ በርናባስ ናይ መጀመርያ ስሙ ዮሴፍ ይበሃል ነበረ፡፡ ካብቶም ቀዳሞት 72
ኣርድእቲ ሓዋርያት ምስ ዓሰርተው ክልተ ሓዋርያት ኮይኑ ዝዓየየ ስሙ አብ ቅዱስ ጽሑፍ ተጠቂሱ ዘሎ ኢዩ። መበቆሉ አይሁዳዊ ኮይኑ ተቐማጢ ዴሴት ቆጵሮስ ምንባሩ ውን ይሕበረና። ከምኡ ውን በብግዚኡ ምብጻሕ ኢየሩሳሌም የካይድ ከምዝነበረ ውን ይሕበር፡ ግ.ሓዋ 4:36-37 ከምቲ አብ ግ.ሓዋ
4:36-37 ዝግለጸልና ድሕሪ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ (በዓል ሓምሳ) ናብ ማሕበር ከምዝአተወ አብ 29 ወይ 30 ዓ.ም. አቢሉ ውን ንብረቱ ሸይጡ ናብ ሕብረት ሓዋርያ ከምተጸንብረ ነንብብ። በቲ ዝነበሮ መንፈሳዊ ድሌትን ክእለቱን ድማ ስሙ በርናባስ “ወዲ ምጽንናዕ ዝትርጒሙ ተባሂሉ::” በርናባስ ንቅዱስ ጳውሎስ፡ አብ ግ.ሓዋ 9:26-27
“ናብ ኢየሩሳሌም ምስ መጸ ኸኣ፡ ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ኺሕወስ ፈተነ፡ ንሳቶም ግና፡ ወደ መዝሙር ምዃኑ ስለ ዘይኣመንዎ፡ ኲላቶም ፈርሁ። በርናባስ ግና ተቐቢሉ ናብ ሓዋርያት ኣምጽኦ፡ ጐይታ ኣብ መገዲ ኸመይ ከም እተራእዮን ከም እተዛረቦን፡ ኣብ ደማስቆ ድማ ብስም ኢየሱስ ከመይ ገይሩ ብትብዓት ከም ዝመሃረን ነገሮም።” እሞ እዚ ቅዱስ ኣቦ ንቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርይነቱ ቅድሚ ኩሎም ከምዝአመነሉ ንርኢ። ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ከምእነንብቦ፡ ቅዱስ በርናባስ ብፍረ ዕዮ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ አብ ኣሕዛብ ዝግበሮ ተመሲጡ ኣብ ዕዮን መደባት ምስፍሕፋሕ ወንጌል ብኣካል ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ተሳቲፉ። ንሱ ጥራሕ ከይኣክል ንቤተ ሰቡ ንቅዱስ ማርቆስ
ናብ ቅዱስ ዕዮ ከምዝጸመዶን ንርኢ። ግ.ሓዋ 12:25
“በርናባስን ሳውልን ድማ ነቲ ረድኤት ኣብጺሖም፡ ካብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ። ምሳታቶም ከኣ ነቲ ማርቆስ ዚብሀል ዮሃንስ ተማልእዎ።”
ግንከ ኣብ ግ.ሓዋ
15፡36-41 እንርእዮ ከም መተዓይይቲ ወንጌል ኣብ መንጎ ቅዱስ ጳውሎስን ቅዱስ በርናባስን ግርጭት ተፈጥረ፡
ዕላሙኦም ከይሰሓቱ ብሰላም ከምዝፈትሕዎ ድማ ንርኢ። “ድሕሪ ሓያሎ መዓልቲ ጳውሎስ ንበርናባስ፡ ንዓ፡ ንመለስ እሞ ኣብተን ቃል
ጐይታ ዝመሀርናለን ዘበላ ኸተማታት ነቶም ኣሕዋት ንብጽሓዮም፡ ከመይ ኢሎም ከም ዘለዉ ድማ ንርኣዮም፡ በሎ። ሽዑ በርናባስ ነቲ
ዮሃንስ ዚብሀል ማርቆስ ከኣ ምሳታቶም ኪማልእዎ ደለየ። ጳውሎስ ግና ነዚ ኻባታቶም ኣብ ጰምፍልያ እተፈልየ፡ ምሳታቶም ከኣ ናብ
ዕዮ ዘይመጸ ኺማልእዎ ኣይፈተወን። ብዛዕባዚ፡ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚፋላለዩ፡ ኣብ መንጎኦም ባእሲ ዀነ። በርናባስ ንማርቆስ ሒዙ ናብ
ቆጵሮስ ብመርከብ ከደ። ጳውሎስ ግና ንሲላስ ሐረየ፡ እቶም ኣሕዋት ኣብ ጸጋ እግዚኣብሔር ምስ ኣማሕጸንዎ ድማ፡ ነቐሉ። ነተን ማሕበር
እናጽንዔወን ናብ ሶርያን ናብ ቂልቅያን ዞረ።” ብዛዕባ ቅዱስ በርናባስ ብጀካ ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ክሳብ 56-57 ዓ. ም.
ምዕያዩ እንተዘይኮይኑ ኣብ ዳሕረዋይ ሕይወቱ ብዙሕ ፍሉጥ ዝኾነ የሎን፡ ኮይኑ ግን ኣፈ ታሪኽ ጳጳስ ኣብ ሚላኖ ምንባሩን ኣብ እስክንድርያ
ሮማን ከምዝመሃረን ዝሰበኸን ይንገረና።
ቀንዲ
(ጽማቕ) ነጥቢ፡
“ዮሴፍ ከኣ፡ ብሓዋርያት በርናባስ እተባህለ፡
-ወዲ ምጽንናዕ ዝትርጒሙ፡ሌዋዊ፡ ቆጵሮስ ዝዓሌቱ፡ ነቲ ዘለዎ ግራት ሸይጡ፡ ነቲ ገንዘብ ኣምጺኡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሓዋርያት ኣንበሮ።”
ግ.ሓዋርያት
4:36-37
v ከምኡ ውን ኣብ ዝተፈላለየ ምዕራፋት አብ ግ.ሓዋርያት
ተጠቂሱ ኣሎ፤
ንቅ.ማርቆስ ወዲ ሓው አቦኡ ምዃኑ ይሕበረና፡
“...እቲ ብዛዕባኡ ትእዛዝ እተቐበልኩም ማርቆስ፡
ወዲ ሓው ኣቦኡ ንበርናባስ፡”ቆሎሴ 4:10
v ካብ
ናይ ታሪኽ ጸሓፊ ኤውሳብዮስ እንረኽቦ ካብቶም 72(70) ኣርድእቲ ምዃን ይሕበረና።
ሥነ
ጽሑፍ፡ መልእኽቲ ባርናባስ፡ Epistle of Barnabas
v ፍቕሪ ጐይታ እቲ ዝላዓለ ምዃኑ፡ ፍቅሪ ሲሕብዎ ምእንታና ከምዝሞተን
ይገልጽ።
v ብዛዕባ ትንቢት አብ ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ ጐይታናን
መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይገልጽ።
v ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስርስቶስ ንኃጥኣን
ሰባት ሓዋርያት ገበሮም፡ ብእኦም ከኣ ኣይሓፈረን። ድሕሪ ምምራጹ ቅዱሳት ንኽኮኑ ዕድል ሃቦም።
v ክርስትያን ማሕተም ክርስቶስ ከምዘሎና ይገልጽ።
ወስብሓት ለእግዚኣብሄር
ወለውላዲቱ ድንግል
ወለውላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር!!
::::::::::::::::::: ይቅጽል ::::::::::::::::::::
2ይ ኽፋል ታሪኽ ቅዱስ ቅሌምንጦስ
ቅዱስ ኣግናጥዮስ ምጥው ለኣንበሳ በዓል ኣንጾክያ
St. Ignatius of Antioch (Ca.30-108/110)
The Shepherd of Hermas
ባርያ ምንባሩ ይንገር ግንከ ሓንቲ ሃብታም ሰበይቲ ገዚኣ ነጻ ፈንያቶ፡ ከምሓብቱ ድማ የኽብራ ኔሩ።
በዓልቲ ቤቱ ብዙሕ ተዛራቢት እያ ኔራ።
ደቁ ኪሒደሞ ናብ መንግሥቲ ኣሕሊፎም ሂቦሞ።
ሄርማስ ቅዱስን ዓቅለኛን እዩ ኔሩ።
መጽሓፍ ድማ “ጓሳ” “ኖላዊ” እትብል ካብተን ዓበይቲ መጽሓፍቲ ናይ ኣበው ኢያ።
ቀንዲ ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ድማ ኣብ ምሥጢረ ንስሓ ዘተኮረት እያ።
ካብዛ ሥነ ጽሑፍ ብዙኃት ኣበው ብምውሳድ አብ ጽሑፎም ጠቒሶም።
ቅዱስ ፖሊካርፓስ
St. Polycarp
ቅዱስ ፖሊካርፓስ ብ 70 ዓ.ም. ካብ ክርስቲያናዊት ስድራ ቤት ተወሊዱ፡ መሰረተ ትምህርቱ እምነቱን ካብ ቅዱሳን ሓዋርያ እዩ ረኺብዎ። እወ ከም ኣብ 1 ጴጥ 4:13 “ብምግላጽ ግርማኡ ድማ ክትሕጐሱን ባህ ክትብሉን ኢኹም እሞ፡ ኣብቲ ስቓይ ክርስቶስ ሕቡራት ካብ እትዀኑስ፡ ተሐጐሱ ደኣ።” ዝብል ቃል ኣምላኽ እናሰምዔ እዩ ዓብዩ።
ዕለት፣ 27-04-17
2ይ ኽፋል ታሪኽ ቅዱስ ቅሌምንጦስ
ክቡራት ተኸታተልቲ ናይዚ ዓምዲ ዝኾንኩም ሕዝበ ክርስቲያን ከም ፍቃድ ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንይ ቅዱስ በርነባስ ታሪኽ ካብ መጽሓፍ ኣበዉ ብምዉሳድ ርኢና ነይርና፣ ሕጂ'ዉን ድማ ካብኡ ብምቅጻል ታሪኽ ናይ ቅዱስ ቅሌመንጦስ ክንርኢ ኢና። ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብጸግኡ ይደግፈና።
ቅዱስ ቅሌምንጦስ
ኣብ’ዚ ብመጀመርያ ክበርህ ዘለዎ ኣብ ታሪኽ
ቤተ ክርስቲያን ክልተ ዓበይቲ ቀሌምንጦስ ዓቢ ታሪክ ዘለዎም ኣለዉ። ንኽንፈላልዮም ድማ ስም ዓዶም ብቅጽል ስሞም ንገብረሉ። ቀሌምንጦስ
በዓል ሮማ ወይ ድማ ቀሌምንጦስ በዓል እስክንድርያ ኢልና ንፈላልዮም።
ቅዱስ ቀሌምንጦስ ፩ይ(1ይ)
ጳጳስ ናይ ሮማ እዩ ኔሩ። ቶርጦሊያን ከምዝብሎ ተመሃራይ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ምንባሩናን ብእኡ ከም እተቀብኤን ይሕብር።
ክትድግፈን እልምነካ ኣሎኹ። ንሳተን ምስ ቀሌምንጦስን
ምስቶም ስሞም ኣብ መጽሓፍ ሕይውት እተጻሕፈ ኻልኦት መዓይይተይን ምሳይ ብወንጌል ዝጸዐራ እየን።”
አበው ቤተ ክርስቲያን እዚ አብ ቅዱስ ጽሑፍ
ተጠቂሱ ዘሎ ንሱ ምዃኑ በብግዚኡ ይጠቅሱ። ንሱ ድማ መበል ሳልሳይ ርእሰ ጳጳስ ሮማ ምንባሩ ክአ ይሕበር፤
ዕረፍቲ ሞት ናይ ቅዱስ ኣቦ ብንቡር ኣገባብ
እዩ። ብሰማእትነት ከምዘይዓረፈ ናይ ታሪኽ ጸሓፋይ ኣቦ ኤውሳብዮስን ኢራንዮን መስኪሮም። (He died a normal
death, Irenaeus and Eusebius said he’s not a martyr.)
ቅ. ቅሌምንጦስ ዝጸሓፍዎ፡
መልእኽቲ ናብ ቈረንቶስ ብ 93-96 ክርስትያን
ከም ሓለፍቲን ተጓዓዝቲን ካብ’ዛ ዓለም ምዃና ይገልጽ። “as sojourners ”
አብ’ዚ መልእክቲ ነቲ ዘይምርድዳእን ሕንፍሽፍሽን
ኣብ መንጎ ኣመንቲ ዝነበረ ንምህዳእ ዝዓለመ እዩ ኔሩ።
ኣብዚ ጽሑፍ 157 ካብ ብሉይ ኪዳን 158
ድማ ካብ ሓዲሽ ኪዳን ጥቅስታት ተጠቂሱ ኣሎ፤፡ እቲ ዘገርም ከምዚ ናይ ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ ከምድላይካ ዝርከብ ኣይኮነን። ቅዱስ
ጽሑፍ ኣብ ሓንጎሎም እዩ ኔሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ገለ እንተ ጠፍኡ ካብ ጹሑፋት አበው ኣዋጺኢና ከም እንደገን ክጽሓፍ ይከኣል
ኢዩ ይበሃል።
v እዞም
ቅዱስ አቦ ርኽክብ ኣብ መንጎ ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳን ክገልጹ ከምዚ ይብሉ፡ “ሓዲሽ ኪዳን አብ ብሉይ ተሰዊሩ ንረኽቦ ብሉይ
ኪዳን ድማ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ተጋሂዱ ንርእዮ።” “The New Testament is hidden in the Old
Testament, and the Old Testament is explained in the New Testament”
- ኣብ መልእኽቲ ናብ ቈረንቶስ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ክገጺ ከለዉ፡ ብዛዕባ ሓዋርያ ሰንሰለት ብጳጳሳት ከም ዝካየድ ይሕብሩ። እቶም ንምግምማዕ ቤተ ክርስቲያን ዝሰርሑ ናይ ገዛእ ርእሶም ድሌት ምቅዳምን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዘይመላለሱን ይብሉ።
- እቲ ሓቀኛ ክርስቲያን ማለት ፍቓድ ኣምላኽ ምፍጻም ማለት እዩ።
The real Christian life is
when we submit our will to God’s will.
ኣብ ጹሑፉ ብዙኃት ቅድሳን ሰባት ይጠቅሱ፡
ቅ.ጴጥሮስ፡ ቅ.ጳውሎስ ሸውዓተ ጊዜ ከም ዝተኣስረ
ይገልጽ ብዙኃት ፍሉጣት ዘይኮና ደቂ ኣንስትዮ፡ ዳንድያስን
ዲሰስን (Danaids and Disces)
- ብዛዕባ ኣካላዊ ትንሣኤ ይገልጽ፡ ከም ለይቲን መዓልትን፡ ዘርእን ፍሬን… እግዚአብሔር ካብ ዘየሎ ፈጢሩና ብኽቡር አካላት ከተስአና ክአ ይከአሎ እዩ።
ብዛዕባ ርኽክብ አብ መንጎ እምነትን ግብሪን
“ ጸሎት ብዘይ እምነት ምውቲ እያ”
“ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውቲ እያ”
“ግብሪ ብዘይ ፍቕሪ ምውቲ እያ”
ቅ.ጳውሎስ ከምዚ ክብል የጠቃልል፡ አብ ገላትያ
5:6 “እታ ብፍቕሪ እትሰርሕ እምነት” “The faith that is working
through love”
ቅ. ቅሌምንጦስ ብዛዕባ ምምሕዳርን ኣምልኾን
ቤ/ክ ሥርዓት ዝሓለወ ክከውን ከምዘለዎ፡
v ግዜን መዓልትን ሥርዓተ ቅዳሴን ክውሰን ኣለዎ።
v ኣገልግልቲ ነፍሲ ወከፍ ስርሑ መደቡን ይስራሕ፡ ካህን
ናይ ካህን..ዲያቆን ናይ ዲያቆን…
v ትሕትና ዘለዎ አገልግሎት፡ ካብ’ቲ ዝወሃበካ መዚ
ንላዕሊ ኢዩ።
v ብዛዕባ ባህርያት ሓደ ጳጳስ ክኾኖ ዘለዎ።
v ብዛዕባ ሓድነት ቤተ ክርስቲያንን ብሰንኪ ክልተ ኣባላት
ዝጀመርዎ ምፍሕፋሕ ከም ሓዊ ከምዝተወልዐ ካልኦት ውን ከምዝስዕብዎ።
v ብዛዕባ ፍቕሪ፡ ፍቕሪ ብዝሒ ኃጢኣት ከም እትኸድንን፡
ኣምላኽ ከምዘፍቀረና፡ ን1ይ ቈረንቶስ 13 ብስፍሕ ዝበለ ይገልጽዋ።
v መዕጸዊ መልእክቲ ድማ ዘፍቅረኩም.. ዝብል እዩ፤
መተሓሳሰቢ፡ ገለ ጽሑፋት ብስም ቅ.ቅሌምንጦስ
ከም ዝተጻሕፈ ከምዝበሎ ጌሮም መናፍቃን ዘቅርብዎ አሎ ቤተ ክርስቲያን ዘይትቅበሎ ጽሑፍ ኣሎ፤
ወስብሓት ለእግዚኣብሄር
ወለውላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር!!
::::::::::::::::::: ይቅጽል ::::::::::::::::::::
ዕለት፣ 27-04-17
ቅዱስ ኣግናጥዮስ ምጥው ለኣንበሳ በዓል ኣንጾክያ
St. Ignatius of Antioch (Ca.30-108/110)
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ቅዱስ ኣግናጥዮስ ተመሃራይ ቅዱስ ጴጥሮስ
ምዃኑ ይንገር። ዳርጋ ከም መበል ካልኣይ ጳጳስ
ናይ ኣንጾክያ ምዃኑ እዩ፡ ቅድሚኡ ዝነበረ
ብዙሕ ዘይፍለጥ ኡድዮስ (Euodius) ዝበሃል
ነበረ። ብዛዕቡኡ እዞም አቦ እንፈልጦ ኣብ መጨረስታ ሂወቶም ኣብ 107 ዓ.ም.
ኣቢሉ ብወተሃደራት ተኣሲሩም ንሮማ ተወስዱ ኣብኡ ክኣ ኣብ መጋባእያ ንሞት
ተፈርዱ። ካብዚ ድማ እቲ ሓላፍነት ንቅዱስ ኣግናጥዮስ ተዋህበት። ነቲ
ዝተዋህቦ ሓላፍነት ከይዘንግዔ ነቶም ዝነበሩ ኣመንቲ ብምምሃርን ምጽንናዕን
ብትብዓት እሙን ጓሳ ኮይኑ ሰርሔ።
ሎሚ ብግዜና ቅዱስ ኣግናጥዮስ ዝጸሓፎ ጽሑፋትን ታሪኽ ሕይወቱን ኣብ ብዙሕ
ቋንቋ ተተርጉም ይርከብ አሎ፡ ገለ ካብቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ጽሑፋቱ፡
1) ኣገዳስነት ክርስቲያናዊ ሓድነት ብፍቕሪን ብኦርቶክሳዊ ዶግማ ምቅላስ
ኣንጻር መናፍቓን
2) ግደ ካህን ኣብ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን።
3) ሰማእትነት ንክርስቲያን ግርማ ዘለዎ ውህበት እዩ፡ ንምቅባሉ ድማ ድሕር
ዘይምባል።
ካብ ቅዱስ ኣግናጥዮስ ንሰማእትነት ክከዱ ከለዉ ዝጸሓፍዎ መተባብዒ ዝኾነና ሥነ
ጽሑፍ፣
“ኣነ ስርናይ እግዚኣብሔር ብስኒ ኣንበሳ ክጥሓንን ንሕብስቲ መስዋእቲ ክርስቶስ
ተቀሪበ ዘለኹ እየ፡፡ ብዝኾነ ይኹን ኃይልታት ዓለምን ገዛእታን ክህቡኒ ዝኸእሉ
ደስታ የሎን። ሞት ብክርስቶስ ልዕሊ እቲ ኹሉ ዝወሃበኒ ምድራዊ ሃብቲ
ክብረትን እዩ። እቲ ምእንቲ ሓጥያተይ ዝሞተ ንሱ እዩ ኽብረይ፡ ምእንታና ካብ
ሞት ዝተንሥአ ድሌተይን ባህገይን ንሱ ጥራሕ እዩ። ይቕሬታ ይሓተኩም
ክቡራት ኣሕዋተይ ካብ ናይ ሓቂ ልደተይ (ሰማእትነት) ንናይ ዘልዓለም ሕይወት
እትወልደኒ ኣይትኸልክሉኒ። ድሌተይ ምስ ኣምላኽ እዩ፡ ናብ’ዛ ሓላፊት ዓለም
ኣይትምለሱኒ። ብጊዚያዊን ሓልፍን ነገራት ኣይትፈትኑኒ። ናይ ሓቂ ብርሃን
ክረክብ ግደፉኒ። ኣብ’ ታ እትመጽእ ናይ ዘልዓለም ሂወት ምስረኸብኩ እየ ምሉእ
ሰብ ዝኸውን ዝበሃልን። ክቡራት ፈተውተይ ናይ ኣምላኽ ፍቅሪ ንኸስተማቅር
ዕንቅፋት ኣይትኹኑኒ።”
ጐዕዞ ቅዱስ ኣግናጥዮስ ንሰማእትነት ንሮማ ክኽይድ ከሎ መልእኽቲ ጺሑፉ።
ኣብ’ዚ መልእክቲ ንሮማውያን ፭(5) ብሰፉሑ ተገሊጹ ንረኽቦ። ኣብኡ ይብል ምስ
ኣራዊት መሮር እናተቃለስኩ ብመሬትን ባሕርን ብመዓልትን ብለይትን አብ
መንጎ ዓሰርተ ነብሪ ተኣሲረ ብወተሃደራት ተሓልየ ናብ ጕዑዞ ኸድኩ ይብል።
ብዘጓነፈኒ ሽግርን ጸበባን ብዘየገድስ እቲ ጕዕዞ ዕዉት ኔሩ። እዚ ኹሉ ጕዕዞ ካብ
ሶርያ ክሳዕ ሮማ ድማ ብመቑሕ አብ ብዙኃት ከተማታት ከም ምርኢት ኮይኑ
ይሓልፍ ነበረ። እቶም አመንቲ ክርስትና መጸናንዒ ቃላት ክህብዎ ከለዉ
ብአንጻሩ ድማ ብጸርፊ ዘፋንውዎ ብዝሓት ከአ ነበሩ።
እዚ ቅዱስ አቦ ነተን ዝነበራ ማሕበራት መዓድወንን አጸናንዑን ንመራሕቶም
ከኽቡሩን አንጻር መናፍቅነትን ክቃለሱን፡ ፍቅሪ አብ መንግኦም ክሁሉን፡
ንሰማእትነት ቅሩባት ድልዋትን ክኾኑን፡ ይብሉ ንዓይውን ካብዚ ኽቡር ጽውዓ
ሰማእትነት ከይትኽልኩሉኒ ይምሕጸነኩም ብተግባር ብትብዓት አርአያ ኾኑ።
ካብቲ እንረኽቦ ስነ ጽሑፉ ናይ ቅዱስ ኣግናጥዮስ ይኹን ካብ ካልኦት ኣቦታት፡
እዚ ቅዱስ አቦ ናይ ብሓቂ ሓዋርያዊ ትምህርትን ጠባይን ዝወነነ ምንባሩ እዩ።
ፍቕሪ ክርስቶስ አብኡ ስለ ዝነበሮም ንሞት አይፈርሑን፡ ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ
ዝብሎ፡ አብ ራእይ 2:10 “እንሆ፡ ምእንቲ ኽትፍተኑስ፡ ድያብሎስ ንገሌኻትኩም
ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ፡ ዓሰርተ መዓልቲውን ጸበባ ኺረኽበኩም እዩ
እሞ፡ ነቲ ዚመጸካ መከራ ኣይትፍርሀዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፡ ኣነውን ኣኽሊል
ሕይውት ክህበካ እየ።” እዚ አቦ ብተግባር ነዛ ጥቕሲ ምስክር ምኻኖም ኢና
ንርኢ።
ሓጺር ጽማቕ፡
ከም ትውፊት ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅ.ኣግናጥዮስ እቲ አብ ወንጌል ቆልዑ ናባይ
ይምጽኡ ኢሉ ዝተሓቆፈ ሕጻን እዩ ይበሃል።
- ቅዱስ ኣግናጥዮስ ተመሃርይ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ ኔሩ።
- ብሰማእትነት አብ ግዜ ሃፀይ ትራጃን አብ ሮማ ብአፍ አንበሳ ከምዝተበልዔ ይሕበር።
- አብ መንገዲ ንሰማእትነት ካብ ኣንጾክያ ንሮማ ሸውዓተ መልእኽትታት ጺሒፉ።
- 4 መልእኽቲ ካብ ሰማርያ ናብ ኤፈሶን፡ መበገንሲአ፡ ሮማ።
- 3 መልእኽቲ ብዛዕባ ምሥጋናን፡ማዕዳን ሓዘል እዩ።
- እዚኤን ሸውዓተ መልእኽቲ ዓለም ለኻዊ ተቀባልነት ኣለወን።
- ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ናይ ሓቂ ናይ ሕይውትና ሓኪም እዩ።
- ሠለስተ ዓበይቲ ምሥጢራት ንሰይጣን ዝተሰወርኦ፡ ድንግልና ኣዴና ማርያምን፡ ምውላድ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ድንግል፡ ምሥጢር መስቀል (ሞት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል)
- ቅዱስ ቁርባን ፈውሲ ሞት እዩ።
- መልእኽቲ ናብ ሮማ፡ ንሰማእትነት ድልው ኢየ፡ “ኣነ ናይ ኣምላኽ ስርናይ ብስኒ ኣራዊት ተጣሒነ ንመስዋእቲ ዝቀርብ ጽሩይ ሕንባሻ ክኸውን ተዳልየ እየ።” በረኸት ቅዱስ ኣቦና ኣይፈለየና። ኣሜን!!
ወስብሓት ለእግዚኣብሄር
ወለውላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር!!
::::::::::::::::::: ይቅጽል ::::::::::::::::::::
ዕለት፣ 2-04-17
ሄርማስ ኖላዊThe Shepherd of Hermas
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ሄርማስ ኖላዊ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቂሱ ኣሎ፡ ኣብ ሮሜ 16:14 “ንኣስንቅሪጦስን ንፍሌጎንን ንሄርሜስን ንጳጥሮባስን ንሄርማስን ምሳታቶም ንዘለዉ ኣሕዋትን ሰላም በሉ።”
- ተመሃራይ ቅ.ጳውሎስ ምዃኑ ይሕበረና።
ወስብሓት ለእግዚኣብሄር
ወለውላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር!!
::::::::::::::::::: ይቅጽል ::::::::::::::::::::
ቅዱስ ፖሊካርፓስ
St. Polycarp
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ቅዱስ ፖሊካርፓስ ብ 70 ዓ.ም. ካብ ክርስቲያናዊት ስድራ ቤት ተወሊዱ፡ መሰረተ ትምህርቱ እምነቱን ካብ ቅዱሳን ሓዋርያ እዩ ረኺብዎ። እወ ከም ኣብ 1 ጴጥ 4:13 “ብምግላጽ ግርማኡ ድማ ክትሕጐሱን ባህ ክትብሉን ኢኹም እሞ፡ ኣብቲ ስቓይ ክርስቶስ ሕቡራት ካብ እትዀኑስ፡ ተሐጐሱ ደኣ።” ዝብል ቃል ኣምላኽ እናሰምዔ እዩ ዓብዩ።
ቅዱስ ፖሊካርፓስ ኣብ ኣርብዓ ዕድሚኡ ዋና ጸሓፊ ንክኸውን ኣብ ሲመርና ብጳጳስ ተመሪጹ፡ ክሳብ 86 ዕድሚኡ ድማ ኣብዛ ከተማ ተቐመጠ። ቅዱስ ፖሊካርፓስ ካብቶም ፍሉጣት ኣብ ትሕቲ ሓዋርያ ዝተማህረ ኮይኑ ትሕቲ ቅዱስ ዮሓንስ ትምህርቲ ዝጸገበ እዩ ኔሩ። አብ ራእይ ዮሓንስ ስሙ ብመድኃኒና ተጠቂሱ ንረኽቦ። አሎ። ራእይ 2:8-10 “ናብ መልኣኽ ማሕበር ስሚርናውን ጽሐፍ፡ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን፡ ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝዀነን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ጸበባኻን ድኽነትካን፡ - ግናኸ ሃብታም ኢኻ፡ -ጸርፊ እቶም ኣይሁድ ኢና ዚብሉን፡ -ግናኸ ማሕበር ሰይጣን እዮም እምበር፡ ኣይሁድስ ዘይኰኑ፡ - እፈልጥ ኣሎኹ። እንሆ፡ ምእንቲ ኽትፍተኑስ፡ ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ፡ ዓሰርተ መዓልቲውን ጸበባ ኺረኽበኩም እዩ እሞ፡ ነቲ ዚመጸካ መከራ ኣይትፍርሀዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፡ ኣነውን ኣኽሊል ሕይውት ክህበካ እየ። እዚ ቅዱስ አቦ ብኹሎም አብቲ ጊዜ ዝነበሩ አመንቲ ብስነ ምግባሩ ዝተመስከረሉ እዩ ኔሩ። ከም’ኡ ውን ካብቶም ፍሉጣት ደቀ መዛሙርት ናይዚ ቅዱስ አቦ ዝንበሩ ከም እኒ፡ ቅ. ኤራንዮስ (St. Irenaeus) ፓፓያስን (Papias) ኔሮም። ሓደ ፈላርዮስ ዝበሃል ተማሃሪ ስሕት ኢሉ አብ’ዚ ቅዱስ አቦ እናኸደ ይመሃር ነበረ፡ ኮይኑ ግን ገለ ዝንቡዕ ዝኾነ ትምህርቲ ምስ አስትምሃረ ቅዱስ ኤራንዮስ እዚ ጌጋ ትምህርቲ ትምህሮ ዝሎኻ ካብ ቅዱስ አቦና ፖሊካርፓስ ከምዘይተምሃርካዮ አጸቢቐ እፈልጥ እየ ብምባል ገሰጾ። ትምህርቲ ቅዱስ ፖሊካርፓስ ሓቀኛ ቃል አምላኽ እዩ ሚሂሩና ብምባል መስከረ።
ቅዱስ ጀሮም (St. Jerome) አብ ጽሑፉ ከምዝጠቀሶ ቅዱስ ፖሊካርፓስ ንመናፍቕ ማርሲዮን (heretic Marcion) አብ ጎደና አብ ሮማ ተራኺቦም፡ ማርሲዮን ትፈልጠኒ ዶ ኢሉ ንቅዱስ ፖሊካርፓስ ሓተቶ፡ ቅዱስ ፖሊካርፓስ ድማ እወ ንሰይጣን ቦኽሪ ወዱ እንዲኻ ብምባል መለሰሉ። ቅዱስ ፖሊካርፓስ ንመናፍቓን መንነቶም ዝመከተ ቅዱስ አቦ እዩ። በቲ ሓደ መንጽር ከአ ንቅዱስ ኣግናጥዮስ ንሰማዕትነት ብስመርና ጌሩ ንሮም ክሓልፍ ከሎ አብ ዝተራኸብሉ ግዜ ብፍቕሪን ትሕትናን ትምበርኪኹ ሰዓሞ። ቅዱስ ኣግናጥዮስ ብወገኑ ድማ ንሰማእትነት ቅሩብ እየ ግንከ ንመጓሰ ኣመንቲ ኣብ ኣንጾክያ ቆላሕትኡ ንኽገብር ኣመሕጸኖ። ንቅዱስ ፖሊካርፓስ ዝምስከር ኣብ መልእኽቲ ናይ ቅዱስ ኣግናጥዮስ ንረክብ።
ሰማእትነት ቅዱስ ፖሊካርፓስ። (St. POLYCARP’s Martyrdom)
ሰማእትነቶም ናይዞ ቅዱስ ኣቦ ኣብ ኩሉ ቦታ ብቅልጡፍ ተዘርግሔ። ኣመንቲ ኣብ ሰማርያ ዝነበሩ ብጹሑፍ ንኣምንቲ ኣብ ፊልመኖስ (Philomenius) ዝነበሩ ዘርግሕሎም። እታ ጹሑፎም ድማ ስነ ምግባርን ሰማእትነት ቅዱስ ፖሊካርፓስ ትብል ነበረት። በታ ዓመት ቅዱስ ፖሊካርፓስ ብሰማእትነት ዝሓለፊላ ፍሉጥ ክርስቲያን መንእሰይ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ብዘሰክሕ ኣብ መጋባእያ (ስተድዩም) ብሰማዕትነት ሓሊፉ። እቲ ዘይኣማኒ ሕዝቢ ክርስቲያን ንመንእሰያትና ሓንጎሎም የርስሕዎ (የበላሽዎ) ኣልዉ ኢሎም ከሲሰሞም። እቲ ቀንዲ ናይዚ ጉዳይ ድማ ተሓታቲ ቅዱስ ፖሊካርፓስ እዩ ብምባል ብኣድማ ከሲሶም ኣምጽእዎ እናበሉ ገዓሩ። The mob began shouting; "Bring us POLYCARP!"
ቅዱስ ፖሊካርፓስ ነዚ ምስ ሰምዔ ኣይተሸበረን፡ ከይፈርሔ ድማ ኣብቲ ከተማ ኣብ ዘለዎ ተቀመጠ። ኮይኑ ግን እቶም ኣመንቲ ካብዚ መዓት ግልል በል ብምባል፡ ኣርሕቅ ኣቢሎም ካብ ከተማ ኣውጺኦም ኣብ ሓደ ቁሸት ሓብእዎ። ቅዱስ ፖሊካርፓስ ኣብዚ ለይትን መዓልትን ብጸሎት ንኹሎም ኣመንትን ቤተ ክርስቲያንን እናዝከረ ኣብ እምነቶም ንኽጸንዑ ናብ ኣምልኽ እንተማህለለ የሕልፎ ነበረ። ኮይኑ ግን ቅዱስ ፖሊካርፓስ መተርኣሱ ብሓዊ ክትነድድ ራእይ ተራእዮ። ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ድማ ብሕወተይ ከለኹ ብሓዊ ክነድድ ኢየ ብዝብል ብዘገርም ትንቢት ነገሮም።
መንግሥቲ ሮማ ንቅዱስ ፖሊካርፓስ ክሃድንዎ ወተሃደራት ልኣኹ። ወተሃደራት ናብ ቤት ናይ ቅዱስ ፖሊካርፓስ ብምኻድ ምስስኣኑዎ ንኽልተ መንእሰያት ብምምርማር ንሓዲኦም ብብርቱዕ መግረፍቲ ብምልፍላፍ ኣበይ ከምዘለዉ ፈሊጦም ተመሪሖም ናብቲ ዘለውዎ ቦታ ኸዱ። ቅዱስ ፖሊካርፓስ ኣብ ላዕሊ ደቂሶም ኔሮም ምምጻእ ናይ ወተሃደራት ምስ ሰምዑ ከይፈርሑ ወሪዶም ተቐቢሎሞም። እቶም ወተሃደራት ሰለማዊን ኣረጊትን ሰብኣይ ምዃኑ ምስ ረኣዩ ገረሞም። እዚ ቅዱስ ኣቦ ብክርስቲያንዊ ስነ ምግባር ተደሪኾም መግብን ዘድሊ ከም ኣጋይሹ ተቀበሎም። ቅዱስ ፖሊካርፓስ፡ ሓንሳብ’ ዶ ትዕገሱኒ ክጺሊ በሎዎም ነቶም ክሕዝዎም ኢሎም ዝመጹ። እቶም ወትሃደራት እናበልዑ እዞም ቅዱስ ኣቦ ኣብ ጸሎት ተጸሚዶም ብዛዕባኦምን ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ክጺልዩ ከለዉ ብምርኣዮም ገረሞም።
ነዞም ቅዱስ ኣቦ ኣብ ኣድጊ ጺዒኖም ወሰድዎም። ኣብ መገዲ እቲ ኣማሓዳሪ ዞባ ረኺቡ ኣብ ሰረገላ ወሲዱ ካባኻ ሓንቲ ነገር ኢና ንደሊ፡ ንሳ ድማ እንታይ ጉድኣት ኣለዋ ቄሳር ጐይታ ኢዩ እንተበልካ፡ ንሕና ከኣ ነጻ ክንሰደካ ኢና በሎ። little compliance, saying, "What harm is there in saying Lord Caesar, or even in sacrificing, to escape death?" ቅዱስ ፖሊካርፓስ ዝን በለ ብድሕሪኡ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም “እዚ ትብልዎ ዘይሕሰብ ኢዩ” ከምኡ ስለ ዝበለ ካብ’ቲ ሰረገላ ደፊኡ ኣውደቆሞ። ቅዱስ ፖሊካርፓስ ብደስታ ነቲ መግፋዕቲ ተቀበሎዎ። ኣብቲ ሕዝቢ ተኣኪቡሉ ዝነበረ መጋባእያ ኣተዉ። ኣብ ምእታዉ ካብ ሰማይ ድምጺ መጸ “ፖሊካርፓስ ትባዕ ሰብኣይ ኩን” ዝብል ናይ መጸናንዒ መልእኽቲ ረኸበ። ብቀጥታ ድማ ኣብ መጋባእያ ኣእተውዎ። ብጎይትነት ናይ ቄሳር መሓል ንክርስቶስ ክሓድ ነጻ ክንሰደካ በልዎ። ቅዱስ ፖሊካርፓስ በለ ኣነ ንክርስቶስ መላእ ዕድመይ ኣገልግለዮን ይፈልጦን እየ፥ ስለዘይበደለኒ ብዘካ ጽቡቅ እምበር ክፉእ ዘይፈልጠሉ መድኃኒየይን ንጉሠይን ንምንታይ እየ ዝኽሕዶ በሎም። እንተ ብዛዕባ ቄሳር ክዛረብ ተፍቅዱለይ እንተኮንኩም ብዛዕብኡ ዝብሎ ኣሎኒ በሎም። ኣነ ክርስትያን ኢየ ብዛዕባ ሃማኖተይ ክገልጸልኩም እንተደሊኾም ግዜ ሃቡኑ በሎም። እቶም ፍራዶ ነቲ ሕዝቢ ብምፋቃድ ዕድል ሃብዎ። ቅዱስ ፖሊካርፓስ በሎም ሃይማኖትና ንንጉሥ ኣኽብር እዩ ዝብል ግንከ ክሳብ ምስ ሕጊ ኣምላኽና ዘይተጻረረ ዝብል መግለጺ ምስ ሃቦም። እቲ ሕዝቢ ዋጭ ዋጭ በለ። እቶም ፈራዶ ንዘረባኡ ምስምዑ ምስ ሰኣኑ ሓደ ካባታቶም ዝባልዑ እንስሳ ኣሎውና ናብኦም ክንድርብየካ ኢና ኢሉ ከፈራርሆ ፈተነ። ቅዱስ ፖሊካርፓስ ድማ ኣምጽኣዮ በልዎ፡ ቀጺሎም በልዎም ፈርሔ ካብ ጽቡቅ ተግባር ናብ ክፉእ ገጸይ ኣይምርሕን እየ፡ ብፍርሒ ካብ ክፉእ ተግባር ናብ ጽቡቅ ምግባር ክመጽእ ቅዱስ ኣቦ ኣብ ጸሎት ተጸሚዶም ብዛዕባኦምን ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ክጺልዩ ከለዉ ብምርኣዮም ገረሞም።
ነዞም ቅዱስ ኣቦ ኣብ ኣድጊ ጺዒኖም ወሰድዎም። ኣብ መገዲ እቲ ኣማሓዳሪ ዞባ ረኺቡ ኣብ ሰረገላ ወሲዱ ካባኻ ሓንቲ ነገር ኢና ንደሊ፡ ንሳ ድማ እንታይ ጉድኣት ኣለዋ ቄሳር ጐይታ ኢዩ እንተበልካ፡ ንሕና ከኣ ነጻ ክንሰደካ ኢና በሎ። little compliance, saying, "What harm is there in saying Lord Caesar, or even in sacrificing, to escape death?" ቅዱስ ፖሊካርፓስ ዝን በለ ብድሕሪኡ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም “እዚ ትብልዎ ዘይሕሰብ ኢዩ” ከምኡ ስለ ዝበለ ካብ’ቲ ሰረገላ ደፊኡ ኣውደቆሞ። ቅዱስ ፖሊካርፓስ ብደስታ ነቲ መግፋዕቲ ተቀበሎዎ። ኣብቲ ሕዝቢ ተኣኪቡሉ ዝነበረ መጋባእያ ኣተዉ። ኣብ ምእታዉ ካብ ሰማይ ድምጺ መጸ “ፖሊካርፓስ ትባዕ ሰብኣይ ኩን” ዝብል ናይ መጸናንዒ መልእኽቲ ረኸበ። ብቀጥታ ድማ ኣብ መጋባእያ ኣእተውዎ። ብጎይትነት ናይ ቄሳር መሓል ንክርስቶስ ክሓድ ነጻ ክንሰደካ በልዎ። ቅዱስ ፖሊካርፓስ በለ ኣነ ንክርስቶስ መላእ ዕድመይ ኣገልግለዮን ይፈልጦን እየ፥ ስለዘይበደለኒ ብዘካ ጽቡቅ እምበር ክፉእ ዘይፈልጠሉ መድኃኒየይን ንጉሠይን ንምንታይ እየ ዝኽሕዶ በሎም። እንተ ብዛዕባ ቄሳር ክዛረብ ተፍቅዱለይ እንተኮንኩም ብዛዕብኡ ዝብሎ ኣሎኒ በሎም። ኣነ ክርስትያን ኢየ ብዛዕባ ሃማኖተይ ክገልጸልኩም እንተደሊኾም ግዜ ሃቡኑ በሎም። እቶም ፍራዶ ነቲ ሕዝቢ ብምፋቃድ ዕድል ሃብዎ። ቅዱስ ፖሊካርፓስ በሎም ሃይማኖትና ንንጉሥ ኣኽብር እዩ ዝብል ግንከ ክሳብ ምስ ሕጊ ኣምላኽና ዘይተጻረረ ዝብል መግለጺ ምስ ሃቦም። እቲ ሕዝቢ ዋጭ ዋጭ በለ። እቶም ፈራዶ ንዘረባኡ ምስምዑ ምስ ሰኣኑ ሓደ ካባታቶም ዝባልዑ እንስሳ ኣሎውና ናብኦም ክንድርብየካ ኢና ኢሉ ከፈራርሆ ፈተነ። ቅዱስ ፖሊካርፓስ ድማ ኣምጽኣዮ በልዎ፡ ቀጺሎም በልዎም ፈርሔ ካብ ጽቡቅ ተግባር ናብ ክፉእ ገጸይ ኣይምርሕን እየ፡ ብፍርሒ ካብ ክፉእ ተግባር ናብ ጽቡቅ ምግባር ክመጽእቅዱስ ኣቦ ኣብ ጸሎት ተጸሚዶም ብዛዕባኦምን ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ክጺልዩ ከለዉ ብምርኣዮም ገረሞም።
ነዞም ቅዱስ ኣቦ ኣብ ኣድጊ ጺዒኖም ወሰድዎም። ኣብ መገዲ እቲ ኣማሓዳሪ ዞባ ረኺቡ ኣብ ሰረገላ ወሲዱ ካባኻ ሓንቲ ነገር ኢና ንደሊ፡ ንሳ ድማ እንታይ ጉድኣት ኣለዋ ቄሳር ጐይታ ኢዩ እንተበልካ፡ ንሕና ከኣ ነጻ ክንሰደካ ኢና በሎ። little compliance, saying, "What harm is there in saying Lord Caesar, or even in sacrificing, to escape death?" ቅዱስ ፖሊካርፓስ ዝን በለ ብድሕሪኡ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም “እዚ ትብልዎ ዘይሕሰብ ኢዩ” ከምኡ ስለ ዝበለ ካብ’ቲ ሰረገላ ደፊኡ ኣውደቆሞ። ቅዱስ ፖሊካርፓስ ብደስታ ነቲ መግፋዕቲ ተቀበሎዎ። ኣብቲ ሕዝቢ ተኣኪቡሉ ዝነበረ መጋባእያ ኣተዉ። ኣብ ምእታዉ ካብ ሰማይ ድምጺ መጸ “ፖሊካርፓስ ትባዕ ሰብኣይ ኩን” ዝብል ናይ መጸናንዒ መልእኽቲ ረኸበ። ብቀጥታ ድማ ኣብ መጋባእያ ኣእተውዎ። ብጎይትነት ናይ ቄሳር መሓል ንክርስቶስ ክሓድ ነጻ ክንሰደካ በልዎ። ቅዱስ ፖሊካርፓስ በለ ኣነ ንክርስቶስ መላእ ዕድመይ ኣገልግለዮን ይፈልጦን እየ፥ ስለዘይበደለኒ ብዘካ ጽቡቅ እምበር ክፉእ ዘይፈልጠሉ መድኃኒየይን ንጉሠይን ንምንታይ እየ ዝኽሕዶ በሎም። እንተ ብዛዕባ ቄሳር ክዛረብ ተፍቅዱለይ እንተኮንኩም ብዛዕብኡ ዝብሎ ኣሎኒ በሎም። ኣነ ክርስትያን ኢየ ብዛዕባ ሃማኖተይ ክገልጸልኩም እንተደሊኾም ግዜ ሃቡኑ በሎም። እቶም ፍራዶ ነቲ ሕዝቢ ብምፋቃድ ዕድል ሃብዎ። ቅዱስ ፖሊካርፓስ በሎም ሃይማኖትና ንንጉሥ ኣኽብር እዩ ዝብል ግንከ ክሳብ ምስ ሕጊ ኣምላኽና ዘይተጻረረ ዝብል መግለጺ ምስ ሃቦም። እቲ ሕዝቢ ዋጭ ዋጭ በለ። እቶም ፈራዶ ንዘረባኡ ምስምዑ ምስ ሰኣኑ ሓደ ካባታቶም ዝባልዑ እንስሳ ኣሎውና ናብኦም ክንድርብየካ ኢና ኢሉ ከፈራርሆ ፈተነ። ቅዱስ ፖሊካርፓስ ድማ ኣምጽኣዮ በልዎ፡ ቀጺሎም በልዎም ፈርሔ ካብ ጽቡቅ ተግባር ናብ ክፉእ ገጸይ ኣይምርሕን እየ፡ ብፍርሒ ካብ ክፉእ ተግባር ናብ ጽቡቅ ምግባር ክመጽእ ኣለዎ በልዎም። እቲ ዳኛ ብምግራም ኣራዊት እንተዘፈራሕካስ እሞ ብሓዊ ከነንድደካ ኢና በሎ።
ቅዱስ ፖሊካርፓስ ድማ ወይ ጉድ፡ በዚ ሓንሳብ ነዲዱ ዝጠፍእ ሓዊ ከተፈራርሓኒ ኣይትፈትን፡ ዕሽነትካ ድኣ ፍለጥ፡ በቲ ዝመጸካ ዘሎ ፍርዲ ድኣ ሕሰብ በሎ፡ ናይቲ ንዘልዓለም ዘይጠፍእ ሓዊ ክገርመካ ኣለዎ በሎ። እወ፡ ኣነ ንቅሩብ ግዜ እኳ ንኸተንድደኒ እትኽእል እሞ ግዜ ድኣ ኣይትውሰድ በሎ። ከምቲ ልሙድ ሠለስተ ጊዜ ኣብቲ ስቶድዩም ብምዛር ገበኑ ኣንጻር እምነትና እዩ እናበሉ ብዝተፈላለየ ከወንጂልዎ ፈተኑ። እቲ ሕዝቢ ኣንበሳ ፍትሑሉ እናበሉ ከዕገርግሩ ክጭድሩን ጀመሩ። በጋጣሚ ኣምበሳ ከምዘየልዉ እሞ ከምዘይከውን ምስ ተነግሩ፡ ብሓባር ብጭዳሬ ኣንድድዎ ኣንንድድዎ በሉ።
እቶም ሓለፍቲ፡ ብሓዊ ክነድድ ድማ ኣዘዙ፡ ዕንጨይቲ ኣኪቦም ኣብ መንጎ ኣእቲዮም ብመስማር ከጣብቕዎ ምስ ፈተኑ፡ ኣየድልን እዩ በሎም። ኢዱ ብድሕሪኡ ኣሲሮም ድማ ምስ ዕንጨይቲ ኣሰርዎ፡ ቅዱስ ኣቦ ናብ ሰማይ ጠሚቱ ጸሎት ጀመረ። ጸሎቱ ምስ ወድኤ እቲ ሓዊ በርትዔ ግንከ ብኃይሊ ኣምላኽ ብዘገርም እቲ ሃልሃልታ ከይተንከፎ ከም ቅናት ኣኽበቦ። ቅዱስ ፖሊካርፓስ ኣብ መንጎ እቲ ሃልሃልታ ዘንጸባርቅ መልኣኽ መሰለ። እዚ ዝረኣዩ ካብቶ ኣሕዛብ ተደነቑን ክብሪ ኣምልኽ ተጋህደሎም። እቶም እናረኣዩ ዓይኖም ዝደፈኑ ግን ከምቲ ንመድኃኒና ስቐሎ ስቐሎ ዝበሉዎ፡ ቕተሎ ቕተሎ ብምባል ጨደሩ። ሓደ ካብቶ ዓቀይቲ ኩናት ወርዊሩ ወግኦ፣ ካብ ቅዱስ ፖሊካርፓስ ዝወጸ ደም ከም ብርቱዕ ማይ ብሓይሊ ነቲ ሓዊ ኣጥፍኦ።
እዚ ኹሉ ዝተገብረ ዘገርም ነገር ኣብ ኩሉ ተወርየ። እቶም ከሓድያን ግን ጌና ኣይሰክሑን በሉ እሞ ሕጅስ እዞም ዓያሱ ክርስቲያን ንክርስቶስ ዘይኮነስ ንፖሊካርፓስ ከምልኹ እዮም ኢሎም የላግጹ ነበሩ። መልሲ ናይቶም ኣመንቲ ክርስትና ግና፡ ንክርስቶስ መድኃኒና ዝትክእ ፍጡር ኣብ እምነትና የሎን ብምባል ኣብ እምነቶም ጸንዖም ብድፍረት ይምልሱ ነበሩ። ካብ ቅዱስ ፖሊካርፓስ ሕይውት እንምሃሮ ነገር እንተሃልዩ፡ ከም ካብ ነፍሲ ወከፍ ቅድሳን ኣበው እንምሃሮ እዩ፡ ኣብ እምነትና ክሳብ ሞት ጽንዓት ክህልወና እዩ። ቅዱስ ፖሊካርፓስ መተባብዒ ዝኮነና ስነ ምግባር ጥራሕ ዘይኮነ ስነ ጽሑፍ ውን መልእኽቲ ናብ ሰብ ፊልጲ እትብል ጽሑፍ ገድፎምልና ሓሊፎም። “The Epistle of St. POLYCARP to the Philippians” ትሕዝትኡ ድማ ሓዋርያዊ ተልእኾ ብተግባር ዝገልጽ እዩ።
ጽማቕ ነጥቢ፡
- ቅዱስ ፖሊካርፓስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቂሱ ኣሎ፡
- ራእይ ዮሓንስ 2:8-10 “ናብ መልኣኽ ማሕበር ስሚርናውን ጽሐፍ፡…”
- ተመሃራይ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ እዩ ኔሩ።
- መጽሓፍ አንጻር ማርስዮን መናፍቕ ጺሒፉ። ማርስዮን ካብቶም ኖስቲክ እዩ ኔሩ፡ ናይ ብሉይ ኪዳን አምላኽ ካብቲ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ዝተፈለየ ኢዩ ዝብል ብዙሕ መናፍቅነት ዘለዎ ዝምህር ዝነበረ እዩ።
- መልእኽቲ ናብ ሰብ ፊሊጲ ጺሒፉ፡ ብትሕትና እየ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ ክንዲ ቅ.ጳውሎስ አይትርአዩኒ ይብል።
- ንኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ጉስነት ሓላፍነቶምን ትጉሃት ንክኾኑ ኣምሪሮም ይምዕዱ።
- ብ156 ዓ.ም. አብ 86 ዕድመ ብሃፀይ አንቶንዮስ ተቀቲሉ።
- ወተሃደራት ክቀትልዎ ምስ መጹ ንጸሎት ጊዜ ክህብዎ ሓቲቱ ንክርስቶስ ክሓድ እሞ ነጻ ክንሰደካ ኢልሞ፡ ንሱ ድማ “86 ዓመት ዘይበደለኒ አብ ሒጂ በጺሔ አይክሕዶን” ኢሉዎም ሓዊ ወሊዖም ከንድድዎ ምስ ፈተኑ እቲ ሓዊ አብ ከባቢ እናዞረ አየንደዶን፡ ነዚ ርእዮም ዝሰንበዱ ወተሃደራት ብኩናት ወግእዎ ደሙ ነቲ ሓዊ አጥፍኦ። ነቶም ዝዕቡ ዝነበሩ ገሪምዎም ከየውርዩ ድማ አትሪሮም ገሰጽዎም። ኣስከሬን ናይ ቅዱስ አቦ አብ ቤ/ክ አቀሚጠሞ
ወስብሓት ለእግዚኣብሄር
ወለውላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር!!
::::::::::::::::::: ይቅጽል ::::::::::::::::::::
ቃል ሂወት የስማዓልና
ReplyDeleteቃል ሂይወት የስመዓልና ክቡራተይ ዝተመሃርናዮ ኣብ ልብና ይጽሓፎ ናይ በሓቂ ደስ ዝብል እዩ ቀጽሉሉ
ReplyDeleteሰላም ናይቲ ሰላም ለጋሲ ዝኮነ ኣምላክና ምሳኩም ይኩን ስድራ እግዜኣብሔር ናይ ብሓቂ ደስ ዘብል ጽሑፋት ኢዮም ቀጽልዎ ኣበው ውቀደምት ከመይ ከም ዘሕልፍዎ ምፍላጥ ልዕሊ ማንም ኣገዳሲ ኢዩ ።ጸጒኡ የብዘሓልኩም
ReplyDeleteቃለ-ሂወት የስመዓልና ክቡራት የሕዋት ኣብዘለኽምዎ ስሰላምን ፍቑሩን ኣይፈለየኩም ደስ ዘብል ነገር አዩ ቀጽሉዎ
ReplyDelete