Sunday, February 23, 2020

ጾም

ስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ  ኣሜን!!

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ ናይዚ ዓምዲ እዚ፡ ከም ዝሓለፈ ዓመት ሎም ዘበን ዉን ከም ፍቃድ ኣምላኽ ብዛዕባ  ዓቢይ ጾም፡  ሸመንተ ሰናብቲ ናይ ዓቢይ ጾምን በብግዚዑ ክንርእይ ክንፍትን ኢና። ሱባኤና ሓጥያት መደምሰሲ፣ መንፈሳዊ ሞት መስዓሪ ይግበረልና፣ ኣሜን!!




ጾም  ማለት ንዝተወሰነ ግዜ ካብ ዝኾነ ዓይነት መግቢ ምኽልካል፣ ከምኡ'ውን ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ናይ እንስሳ ተወጽኦ ከም ስጋ፣ ጸባ፣ ጠስሚ ከምኡ ዝኣመሰለ ዘይምብላዕን ማለት ኢዩ (ዳን.10፣2-3)።
       
        ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ጾም ኣብ ክልተ (2) ይኽፈል ንሱ ድማ፦
        1. ናይ ግሊ ጾም
        2. ናይ ኣዋጅ ጾም ተባሂሎም ይጽውዑ።


         




1. ናይ ግሊ ጾም፦ ናይ ግሊ ጾም ናይ ንስሓ ጾም ተባሂሉ ዉን ይጽዋዕ ኢዩ ምኽንያቱ ናይ ግሊ ማለት ሓደ ሰብ ካብ ኣበ ነብሱ ድሕሪ ናይ ንስሓ ኑዛዜ ዝወሃቦ ቀኖና ኮይኑ፣ ንሱ ኸኣ ስለ ሓጢኣቱን በደሉን እንዳስተንተነ ዝጾሞ ጾም ስለ ዚኾነ ኢዩ። ናይ ግሊ ጾም ካብ ናይ ኣዋጅ ጾም ዝፍለየሉ ምኽንያት ብጀካ ንስኻን ኣበ ነብስኻን እንተዘይኮይኑ ዝኾነ ሰብ ክፈልጠካ ኣይግባእን ኢዩ ፣ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዉን ከምዚ ብምባል ኢዩ ገሊጽዎ /ማቴ.6፣16-19/።

2. ናይ ኣዋጅ ጾም፦ እዚ ጾም'ዚ ካብ ናይ ግሊ ጾም ፍልይ ዘብሎ ኩሉ ክርስትያን ኣብቲ ብቅዱሳን ኣቦታት፣ ብወርኃት, ሰሙናት, መዓልታት ተፈላልዩ ዝተወሰነ ክፍለ ግዜ ናይ ሙጻም መንፈሳዊ ግዴታ ስለ ዘለዎ ኢዩ፣ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ነፍስ ወከፍ ኣማኒ ኪጾሞም ዘለዎ ሸውዓተ (7)  ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ኣለዉና ንሳቶም ከኣ፦
ዐብይ ጾም (ጾመ ኣርብዓ)
   
                 ጾመ ሐዋርያት       ጾመ ድኅነት
                 ጾመ ፍልሰታ         ጾመ ገሃድ
                 ጾመ ነብያት          ጾመ ነነዌ

ናይ ኣዋጅ ጾም ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና እንታይ ዓይነት ተቐባልነት ኣለዎ? ስለምንታይ? መሰረቱ'ኸ ካበይ ኢዩ? ንዝብል ሕቶታት ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣሕጽር ኣቢልና ክንምልስ/ክንገልጽ ኢና።
ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ዉሱን ግዜ ሰሪዓ ጾም እትእውጅ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ብምግባር ኢያ፣ ነዚ ዘብርሃልና ጥቕስታት ድማ ቀጺልና ንመልከት፦
(መጽሓፈ ኣስቴር 4፣1-17) ኣብዚ ክፋል ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ብፍላይ ኣብ ፍቅዲ 16 ተጻሒፉ እንረኽቦ ቃል  "ኪድ እሞ፡ ኣብ ሱሳን ንዘለዉ ኹሎም ኣይሁድ ኣኪብካ ኽሳዕ ሰለስተ መዓልቲ፡ ለይትን መዓልትን ከይበልካዕኩም ከይሰቴኹም ምእንታይ ጹሙ፡ ኣነ ድማ ምስ ኣግራደይ ኮይነ ከምኡ ገይረ ኽጸውም እየ። ሽዑ ሕጊ እኳ ዘይፈቐደ እንተ ኾነ ናብ ንጉሥ ክኣቱ እየ፣ እንተ ሞትኩ እሙት።"
እዝራ.8፣21 ፦" ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርእስና ከነትሕት፡ ንዓናን ንሕጻናትናን ንኹሉ ጥሪትናን ኣብ ጉዕዞና ምእንቲ ክሕልወና ክንልምን ኢለ፣ ኣብ ርባ ኣሃዋ ጾም ኣወጅኩ"።
ኢዩኤል.2፣12-13 ፦ እግዚኣብሔር "እምበኣርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቑዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ። ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደኣ ቕደዱ" ይብል ኣሎ።
ትን.ኤርምያስ.36፣9 ፦ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ፣ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሠ። ኣብ ታስዓይቲ ወርኂ ናይታ ኃሙሸይቲ ዓመቱ፣ እቶም ሕዝቢ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሞገስ ኪረኽቡ ጾም ኪጾሙ ኣወጁ፣
ታሪኽ ሰብ ነነዌ /ዮናስ.3፣1-10/
ኢዩ.1፣14 ፦ ጾም ኣውጁ፣ ኣኼባ ጸውዑ፣ ንዓበይትን ኣብታ ሃገር ንዚነብሩ ኹላቶምን ናብ ቤት መቕደስ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ኣክብዎም፣ ናብ እግዚኣብሔር ከኣ ተማህለሉ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ጥቕስታት ብዝተፈላለዩ ነብያት ኣብ ግዜ ኦሪት ዝተኣወጀ ኣጽዋማት ኢዩ፣ ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ ዉን ሓዋርያት እንተ ኾኑ'ውን ዝጾሙሉ ፍሉጥ መዓልታት ከም ዝነበሮም ኣብ'ዛ ትቕጽል ጥቕሲ ክንግንዘብ ንኽእል፦
ግ.ሓ.27፣9 ፦ "ከምዚ ኢሉውን ብዙሕ ግዜ ሓለፈ፣ እቲ መዓልቲ ጾም  ምስ ሓለፈ ብመርከብ ምጉዓዝ ዜፍርህ ስለ ዝኾነ፣ ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ እናበለ መኸሮም።
ስለምንታይ መዓልታትን ወርሓትን እንዳጸብጸብኩም ትጾሙ ኣለኹም እንዳበሉ ናይ ኑፋቔ ልሳን ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ቤተክርስትያና ንዝውርውሩ ሰባት እምበኣር መልስና ከምዚ ኣብ ላዕሊ ክንሪኦ ዝጸናሕና መንፈሳዊ ቃል ነብያትን ሓዋርያትን ኣብነት ብምግባር ኣሰር ኣሰር እምነቶም እንዳረኣና, ኣናባብርኦምን፣ ኣማዋውትኦምን ከመይ ከምዝነበረ ብምስትውዓል መርሚርና ክንክተሎም መንፈሳዊ ግዴታን ትምህርቲ ሓዋርያትን ስለ ዝኾነ (ዕብ.13፣7-10) ንሕና ከኣ ነዚ ቃል እዚ መሰረት ብምግባር ኣቦታትና ብመሰረት እዚ ዝረኣናዮ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ተኸቲሎም ዘቖምዎ ደረት እንዳሓለና ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ንጸዉም።
ጥቕሚ ጾም፦
እቲ ዝዓበየ ጥቕሚ ናይ ጾም ፍቓድ ስጋ ብፍቓድ ነፍሲ ስዒርና ብመንፈስ ምስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ምንባር ኢዩ። ኣቦና ልቢ ኣምላኽ ዳዊት ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ኣቦታትና ኮይኑ ጾም ኣብ ሂወቱ ከመይ ኔሩ? እንታይ ዓይነት ክብረት'ከ ረኺቡሉ ንምፍላጥ ዘሸግር ኣይኮነን፣ ከመይ ዓይነት ጾም ይጸዉም ኔሩ ከኣ ኣብዘን ዝቕጽላ ጥቕሲ ንመልከት ፦ (መዝ.35፣13, መዝ.69፣10, መዝ.109፣24) ቅዱሳን ኣቦታትና ከም በዓል ልቢ ኣምላኽ ዳዊት፣ ከም በዓል ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝመሃሩና ብድኻም ሓይሊ ኣምላኽ ከም ዝግለጽ ኢዩ ስለዚ ንሕና ከኣ ብጾምን ጸሎትን ንስጋና ብምድካም ካብ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዘይውዳእ ጸጋ ንቕበል /2 ቆሮ.12፣10/።
ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ኣርኣያ ኪኾነና 40 መዓልትን 40 ለይትን ኣብ ዝጾመሉ ግዜ ምስ ጠመየ ዲያብሎስ ከም ዝፈተኖ'ሞ ዝሰዓሮ፣ ጾም ክሳብ ክንደይ ኢዩ! ኣብ ልዕሊ ጸላኢና ድያብሎስ ናይ ዓወት ሓይሊ ከም ዚህበና ኢዩ ዝምህረና (ማቴ.4፣1-12)
ኣብ ግዜ ጾም ብግቡእ ንጸዉም እንተደኣ ኮይና እግዚኣብሔር ምሳና ይህሉ፣ እግዚኣብሔር ምሳና እንተኾይኑ ድማ ክቃወመና ዝኽእል ሓይሊ የለን (ሮሜ.8፣31)
ካብ ዝተፈላለየ ሕማማት ይፍውስ /ማቴ.17፣21/።
ፍልጠት፣ ምስትውዓል፣ ኣእምሮ፣ ጥዕና ይህብ  /ዳን.1፣8-21/።
ምስ ጾም ጎኒ ጎኒ ክስነዩ ዘለዎም ነጥብታት፦
ጾም ካብ መግቢ ተፈሊኻ ምውዓል ጥራሕ ዘይኮነ ብጸሎትን፣ ምጽዋትን ካልእ መንፈሳዊ ንጥፈታትን ዝተሰነየ ክኸዉን ኣለዎ /ማቴ.17፣21/ ማቴ.6/
ኣብ ግዜ ጾም ልሳና ካብ ክፉእ ምዝራብ፣ ኣእጋርና ናብ ናይ ሓጢኣት ቦታ ካብ ምኻድ ምኽልካል ........ ኮታስ ካብ ኩሉ ክፉእ ዘበለ ነገር ክንእለ ይግብኣና።
ኣብ ግዜ ጾምና ናብ ቤት መቕደስ ምኻድን፣ መንፈሳዊ መጻሕፍቲ ምንባብን፣ ምምሃርን፣ ምስትምሃርን መንፈሳዊ ግዴታና ኢዩ /ነህ.9፣14/, /ኤር.36፣9-10/
ጾም ብነብስን ብስጋን ክንጥቀመሉ እንተዄና ምስ ሓድሽ ሰብነት ማለት ብንስሓ ክንሕጸብ ኣለና፣ ነዚ ኪገልጽ ጎይታ ዓለም ክርስቶስ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ.9፣15-18/ ነህ.9፣2/ ንቅዱስ መንፈስ ኣብ ቅዱስ ሰብነት ክንዓቕሮ ይእዝዘና ኢዩ፣ ስለዚ ጾም ኣብ ዚኣትወሉ ግዜ ብንስሓ ሰብነትና ኣንጺህና ካብ ኩሉ ክፉእ ዘበለ ነገር ርሒቕና፣ ኩሉ ነገር እግዚኣብሔር ንዓና ዝገበሮ እንዳዘከርናን፣ እንዳስተንተናን ቅዱስ እዋን ከነሕልፍ ይግባእ።
ክንጸዉም ከለና ብሙግሩምራም ዘይኮነ ብደስታ እንዳተሓጎስና ክንጸዉም፣ ነብስና ንጾም ድልውቲ ጌርና ከነቕርባ ይግባእ /ዘካ.8፣18/
እግዚኣብሔር ኣምላኽና ጸሎትን፣ ልማኖን፣ ምህልላን ቅዱሳን ኣቦታትና ዝተቐበለ ጾምና ባሪኹን፣ ቀዲሱን ብሰላም የፈጽመና።


ሰናብቲ ዕቢይ ጾም
ኣብ ውሽጢ እዘን 55 ናይ ጾም መዓልታት ብጠቕላላ 8 ሰናብቲ ኣለዋ፣፣ ንሳተን ከኣ ነናተን ኣስማት ዝሓዛ ኮይነን እዘን ዝስዕባ እየን፣

     ቀዳመይቲ ሰንበት – ዘወረደ                     ካልኣይቲ ሰንበት – ቅድስት
    ሣልሰይቲ ሰንበት – ምኵራብ                   ራብዓይቲ ሰንበት – መጻጉዕ
    ሓሙሸይቲ ሰንበት – ደብረ ዘይቲ (ፍርቂ ጾም)  ሻዱሸይቲ ሰንበት – ገብር ኄር
    ሻብዓይቲ ሰንበት – ኒቆዲሞስ               ሻሙነይቲ ሰንበት – ሆሳዕና ይበሃሉ

ቅድሚ 1ይቲ ሰንበት ዘወረደ ምዝርራብና፡ ኣብ ምዕመናን ቀጻሊ ብዛዕብ ጾመ ሕርቃል( ጾመ ንጉስ) ሕቶታል ስለ ዝለዓል፡ ኣገዳስነት ናይዚ ጾም ብሕጽር ዝበለ ክንርእይ እይና።

                         ጾመ ሕርቃል 

እዚ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ ዓቢይ ጾም ከም መዘከርታ ዝተሰየመሉ ሕርቃል መን እዩ? እንታይ’ከ ዝገበረ እዩ ዝብል ሕቶ ይልዓል ይኸውን። ሕርቃል(ኢራቅሊዮስ) ኣብ ከባቢ ቀዳማይ ርብዒ ፯ይ ክፍለ ዘመን ንጉሥ ቢዛንታይ ዝነበረ እዩ። ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንና ብኸምዚ ኣገባብ ድማ ይገልጾ። 

ፎቃ ዝብሃል ንጉሥ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያናት ኢየሩሳሌም ኣርዑት መግዛእቲ ኣክቢዱሎም ምስ ጸነሐን እቶም ምእመናን ድማ ምስ ሸገሮም፡ በቲ ግዜ እቲ ንጉሥ ቢዛንታይን ዝነበረ ክርስቲያን ንጉሥ ሕርቃል ክራድኦም ለመንዎ። ንሱ ድማ ክሕግዞም ፍቓዱ እኳ እንተነበረ ሓንቲ ነገር ግና ጨነቐቶ። ምስቲ ከሓዲ ንጉሥ ተዋጊኡ ናጻ ከውጽኦም እንተደኣ ኮይኑ፤ ሓዋርያት ሰብ ዝቐተለ ተረፍ መዋእሉ ይጹም ኢሎም ኣዚዞም ስለዝነበሩ ከመይ ገይረ መዋእለይ ክጸውም ይከኣለኒ? በሎም። ንሳቶም ድማ ሓደ ሰብ ኣብዚ ምድሪ እንተጸንሐ ፸/70 ወይውን ፹/80 እዩ። ንሕና ድማ ተማቒልና ክንጾመልካ ኢና በልዎ፤ በዚ ተተባቢዑ ነቲ ጨካን ንጉሥ ሥዒሩ ነቶም ምእመናን ሓራ ገበሮም። በዚ ምኽንያት ድማ ኵሎም ክርስቲያናት ፭ተ/5 መዓልቲ ተማቒሎም ክጾምዋ ጀሚሮም። በዚ ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅቡል ኮይኑ ስለዝተረኽበ ቅድሚ ጾም ከም መዳለዊ መቀራረቢ ተባሂሉ ቅድሚ እቲ ናይ ፵/40 መዓልቲ ናይ ዓቢይ ጾም ክጽወም ሥርዓት ተሠርዐ። 

ብካልእ ታሪኽ ድማ በቲ ዘመን እቲ ፋርሳውያን ኃይሎም ብምንባሮም ንኢየሩሳሌም ወሪሮም መስቀል ጐይታ ማሪኾም ወሲዶሞ ኔሮም። ንጉሥ ሕርቃል ብመሠረት “ተዋጊዕካ መስቀል ጐይታ ኣምልሰልና” ዝብል ምኅጽንታ ክርስቲያናት ተሓጕሱ ክዋጋእ ደለየ፤ ይኹን እምበር “ነፍሲ ዝቐተለ መዋዕል ዕድሚኡ ይጹም” ንዝብል ትእዛዛት ሓዋርያት ጠቒሱ ስክፍትኡ ገሊጹሎም ነበረ። እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ እዩ። ዳኅራይ ግና ንሱ ንእግዚአብሔር ኃይሊ ብምግባር ናብ ፋርስ ወፊሩ ንኣታቶም ስዒሩ ነቲ መስቀል ሒዙ ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሰ። በዚ ምኽንያት’ዚ ከኣ ክርስቲያናት ኣዝዮም ተሓጒሶም። እቲ ታሪኽ፡ ፍቕሪ መስቀል ዝተገልጸሉ እዩ። ስለዚ እግዚአብሔር አብ ሕርቃል ሓዲሩ ንዝሰርሖ ዘደንቕ ስራሕን፡ ነዚ ዘደንቕ ስራሕ ምኽንያት ዝኾነ ሕርቃል ንስሙ መዘከሪ ክኸውን፡ ነዚ ናይ ሰሙን ጾም ኣብ ቀኖና ኣእቲዮሞ፤ ቤተ ክርስቲያናውን ኣብ ቀኖናኣ ኣእትያ ተቐቢላቶ ኣላ። ምስ ዓብይ ጾም’ውን ሓደ ኮይኑ ተቖጺሩ ኣሎ። (ፍት ነገ ፲፭/15

ይኹን ደኣ እምበር መበቆል ጾም ቀዳማይ ሰሙን ዓቢይ ጾም ምስ ሓዋርያት ዝተኣሳሰረ ታሪኽ ዘለዎ እዩ። አበው ሐዋርያት ቅድሚ ናብ ስብከተ ወንጌል ምውፋሮም ሓሓሙሽተ መዓልቲ ናይ ምጻም ልማድ ከምዝነበሮም ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ይገልጽ። 

ብሓፈሻ እዛ (ዘወረደ) ብጾም ሕርቃል እትፍለጥ ቀዳመይቲ ሰንበት ሸሞንተ መዓልቲ ዝሓቘፈት እያ። ትርጉሙ ከኣ።


ዘወረደ



ገዳመ ቖሮንጦስ

ካብተን ሸመንተ ሰናብቲ ናይ ዓቢይ ጾም እዚኣ እታ ቀዳመይቲ ሰንበት እያ፣፣ ዘወረደ ማለት ስሙ ከም ዝሕብሮ ዝወረደ ዝብል ትርጉም ኣለዎ፣፣ በዚ ዕለት እዚ ኣካላዊ ቃል ፣እግዚኣብሔር ውልድ ካብ ልዑል መንበሩ (ካብ ልዕልንኡ) ምውራዱን ስጋ  ምልባሱን ፣ሰብ ምዃኑን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ቀራንዮ ኣደባባይ ስለ ፍቕርና፣ ስለ ድሕነና ክብል ምማቱን ምትንስኡን ምዕራጉን ብእዝነ ልቦና እንዝክረሉ መዓልቲ እዩ፣፣ ነዚ ኣምልኪቱ ቅዱስ ሓዋርያ ዮሓንስ፣ ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኒቆዲሞስ ዝተዘራረቦ  ቃል ጽሒፉ ኣሎ፣ “ብጀካ እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይ እውን ዘሎ ወዲ ሰብ(ወልደ እጓለ እመ ሕያው ክርስቶስ) ሓደ እኳ ናብ ሰማይ ዝዓረገ የለን”ይብል (ዮሓ5፣3-6)፣፣ ካብ ሰማይ ዝወረደ ኣካላዊ ቃል እዩ፣፣ “ካብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ሰብ”  ምባሉ ድማ ናይ ሰብ ባህርን ኣካልን ተዋሃሂዱን ለቢሱን ፣ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ስለ ዝኾነ እዩ (ዮሓ6፣62, ማቴ3፣17,ዮሓ 17፣5-24, ራእ 2፣8, ማር14፣60-62) “ዚኣሁ ለስጋ ኮነ ለቃል ወእንቲኣሁ ለቃለ ኮነ ለስጋ”ከም ዝበለ ቅዱስ ቄርሎስ!!!

ናይ ዕለቱ ኣርእስቲ መዝሙር             ተቀነዩ ለእግዚኣብሔር

ንባባት:   እብ 13፣7-17,   ያዕ 4፣6-መፈ, ግ.ሓዋ 25፣13-መፈ, ዮሓ 3፣10-25

ምስባኽ : ተቀነዩ ለእግዚኣብሔር በፍርሃት ፣ወተሐሰዩ ሎቱ በረዓድ; ለጥበብ ከመኢይተመዐድ እግዚኣብሔር 
  
ትርጉሙ:   ንእግዚኣብሔር ብፍርሃት ተገዝእዎ ብረዓድ ድማ ተሓጎሱ ጎይታ መታን ከይቁጣዕ ተግሳጹ ተቐበሉ
ንእግዚኣብሔር ኣገልግልዎ ብረዓድ ከኣ ስገድሉ ክብል ከሎ ከምቲ ኣቦና ኣዳም ድሕሪ ምብዳሉ ዝፈርሆ ፍርሃት፣ ዝተሰምዖ ራዕዲ ኣይኮነን (ዘፍ3፣7-10) እንታይ ድኣ እንተተባህለ ፣ከምቲ ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሄዋንን ቅድሚ ሕጊ ምፍራሶም ፣በደል ምፍጻሞም ፣ኣብ እግዚኣብሔር ዝነበሮም ኣኽብሮትን ፍርሓትን ክኸውን ከሎ እዩ፣፣ እዚ ከኣ ኣብ እግዚኣብሔር ዘሎካ መግለጺ እዩ፣፣ ነዚ እዩ ኸኣ ጥበበኛ ሰሎሞን፣ “ቀዳመይቲ ጥበብ ንእግዚኣብሔር ምፍራህ እዩ”(ምሳሌ9፣10) እናበለ ዝጸሓፈ ፣፣ ልቢ ኣምላኽ ዝተሰምየ ቅዱስ ዳዊት እውን ነዚ ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ፣ “እግዚኣብሔር ነቲ ንዕኡ ዝፈርህ ሰብ፣ በታ ንሱ ዝሓረያ  መገዲ ክኸይድ ይመርሖ እዩ” ክብል ተዛሪቡ ኣሎ (መዝ25፣1)። ንእግዚኣብሔር ምፍራሕን ብራዕዲ ምግልጋልን እምበኣር ዝወዓለልና ውዕለት ከይዘንጋዕና ፣ብቕዱስ ቃሉ ኣሚና ፣ንትእዛዛቱ እና ተግበርና ፣ካብ ርኽሰትን  ሓጢኣትን ተፈሊና ምስ እንነብር እዩ፣፣ እንተዘይኮነስ  ውጽኢት ዘይምፍራሕ ሞት እዩ ዘስዕብ፣፣  ኣቦና ኣዳም ነታ ቀዳመይቲ ኣካይዳ ስለዝገደፋ እዩ ካብ እግዚኣብሔር ዝኣክል ጎይታ ፣ ካብ ገነት ዝኣክል ቦታ  ናብዚ ምድሪ ዝተሰጎገ፣፣ ስለዚ እምበኣር ብሕጊ እግዚኣብሔር ተማእዘንቲ፣ንትእዛዛቱ ፈጸምቲ  ክገብረና እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን፣፣ ኣሜን!!


 ስብሃት ለእግዚኣብሔር
 ወለወላዲቱ ድንግል
 ወለመስቀሉ ክቡር
 !!   ኣሜን  !!
                                    
                                          ይቅጽል....................






No comments:

Post a Comment