Friday, April 17, 2020

ዓርቢ ስቅለት

መቐጸልታ ጾም….


ሰሙነ ሕማማት (ዓርቢ ስቅለት)

 ናይ ዕለት ላይፍ "Live" ንምክታታል ነዚ ጠውቁ)

ርያ ላይሶን  ርያ ላይሶን  ርያ ላይሶን!!!

ሓሙስ ምሸት እቶም ንጎይታ ዝሓዝዎ ኣይሁዳውያን ንጎይታ ከባጭውሉ ድሕሪ ምሕዳር፡ ንጽባሒቱ ዓርቢ ከይወገሐ ከሎ፡ ጲላጦስ ንጐይታ ናብ ሄሮድስ ለኣኾ፡ ሄሮድስ ድማ መሊሱ ናብ ጲላጦስ ሰደዶ ከምዚ እናገበሩ ኣላገጽሉ። ሊቃነ ካህናትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ከኣ ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ክቐትልዎ ምስክር ሓሶት ይደልዩ ነበሩ። እንተኾነ ብዙሓት ሓሰውቲ መሰኻኽር እዃ እንተቐረቡ፡ ሓንቲ አኳ ኣይረኸቡን። ድሓር ግን ካልኦት ክልተ ቐሪቦም እዚ ሰብ እዚ ንቤት መቕደስ ኣምላኽ ኣፍሪሰ ብሰለስተ መዓልቲ ክሃንጾ እኽእል እየ ኢሉ ተዛሪቡ በሉ። እቲ ሊቀ ካህናት ከኣ ነዚ ዝብሉኻ ዘለዉስ ገለዶ ኣይትምልሰሉን ኢኻ በሎ ኢየሱስ ግና ኣይመለሰሉን። እቲ ሊቀ ካህናት ከኣ ንስኻ እቲ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ኾንካስ ክትነግረና በቲ ህያው ኣምላኽ አምሕለካ ኣለኹ በሎ። ኢየሱስ ከኣ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ በሎ። ድሕሪ እዚ እቲ ሊቀ ካህናት ክዳኑ እናቐደደ እንሆ ይጸረፍ ኣሎ፡ ደጊም ደኣ እንታይ ንስክር ኣድልየና፡ እንታይከ ይመስለኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ ሞት ይግብኦ ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ ኣብ ገጹ ጡፍ በለሉ ገሊኦም ድማ ወቕዕዎ። መሲሕ መን እዩ ዝወቕዓካ፧ እስከ ተነበየልና ኣንዳበሉ ይጸፍዕዎ ነበሩ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ውን እቶም ህዝብን ሽማግለታትን ብሓሶት እኳ እንተኸሰስዎ ንሱ ግና ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን፡ ጲላጦስውን መርሚሩ ሓንቲ እኳ ኣይረኸበሉን ኣነ ካብ ደም እዚ ጻድቕ ሰብ እዚ ንጹሕ እየ ባዕልኹም ትፈልጡ ኢሉ ኣእዳዉ ተሓጽበ። ንሳቶም ግና ይቀተል ይቀተል ኢሎም ጫው ጫው ምስ በሉ  ኣብ በዓሎም ሓደ እሱር ናይ ምፍታሕ ልማድ ስለ ዝነበሮም፡ ንበርባን ወይ ንክርስቶስ ክፍትሓሎም ሓተቶም። ንሳቶም ግና እቲ ሽፍታ በርባን ክፍትሓሎም፡ እቲ ሓንቲ ዘይተረኽቦ  ክርስቶስ ግና ክስቀል መረጹ። በዚ መሰረት ድማ ገሪፎም ንክሰቕልዎ ኣሕሊፉ ሃቦም። ዝኾነ ክጾሮ ዘይክእል መከራ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ኣውረዱ። ካብ ሊቶስጥራ ክሳብ ቀራንዮ ብዘሰቅቕ መከራ ተወስደ። ኣብዚ ክብርቲ መዓልቲ ድማ ኣብ ሞንጎ ሸፋቱ ልክዕ ሰዓት ስድስቱ (ፍርቂ መዓልቲሰዓት ዓሰርተ ክልተ) ኣብ ማእከለ ምድሪ ኣብ ቀራንዮ ተሰቕለ፡ ብገዛእ ስልጣኑ ድማ ክብርቲ ነፍሱ ካብ ክቡር ስግኡ ሰዓት ተስዓቱ ፈለያ። ሰዓት ኃሙሽተ ምስ ኮነ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስን ኒቆዲሞስን ድማ ገኒዞም ቀበርዎ።
ነገረ ስቕለቱ ብኵሎም ወንጌላውያን ዝተመዝገበ ኮይኑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉዕዞ መስቀል ድማ ድንቂ ዝኾነ ስንቂ ህይወት እንረኽበሉ ቃላት ተጻሒፉ ይርከብ። ኣብዚ ክዝርዘር ስለዘይከኣል ድማ ነቲ ቅዱስ መጽሓፍ ምስ ትርጓሜኡ ኣስተውዒልና ነንብቦ።  ብዝተረፈ ግና እዚኣ መዓልቲ ናታ ፍሉይ ስም ከም ዘለዋውን ምጥቓስ ይግባእ እዩ።




 ዓርቢ ስቕለት፦ መድሓኒ ዓለም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በጃ ዓለም ብምዃን ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሰቒሉ ዝወዓለሉ ዕለት እዩ (ማቴ2735, ማር 1521-32, ሉቃ23 26-43, ዮሓ1917-27)
እዚ ዕለት እዚ ዓቢ ዕለት እዩ። ብበደል ኣዳም ናብ ዓለም ዝኣተወ ሞት እተሳዕረሉ፡ ካብ ሞት ናብ ህይወት እተሰጋግረናሉ፡ ካብ መግዛእቲ ዲያብሎስ ሓራ ዝወጻናሉ፡ እቲ ዝቃወመና ዝነበረ ናይ ዕዳ ደብዳቤና ዝተደምሰሰሉ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዝኣተናሉ፡ ትንቢት ነቢያት፡ ተስፋ ኣበው እተፈጸመሉ፡ ገነት ዳግማይ ዝተኸፈተትሉ ዓቢይ መዓልቲ እዩ።
እዚ ዕለት እዚ መስቀል ምልክት ድኅነትና ኣርማ ናጽነትና ዝኾነሉ ዕለት እዩ። ቅድሚ እዛ ዕለት እዚኣ ደቂ ኣዳም ኣብ ዝኸፈአ በደል እንተተረኽቡ ኣብ መስቀል ተሰቒሎም ክሞቱ ይፍረዶም ነበረ። ነዚ ናይ ገበነኛታት መቅጽዒን ምልክት መርገምን ዝነበረ መስቀል፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሙ ቀዲሱ ንምሕረትና ትእምርቲ ሰንደቅ ድኅነትና፡ መመክሒ ክርስቶሳውያን፡ ንዲያብሎስ ንስዕረሉ ሓይሊ ዝገበረሉ፡ ብሞቱ ካብ ሞት ናብ ህይወት ዝተሰጋገናሉ ቅዱስ ንዋይ ገበሮ። በዚ ዕለት ኵሎም ምእመናን ካብ ክፉእ ተግባራት ርሒቖም ካብ እኽለ ማይ ተቖጢቦም ክሳብ ዕርበተ ፀሓይ ማለት ሰዓት ሽዱሽተ ድኅሪ ቀትሪ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክሰግዱን ክጽልዩን ዝውዕልሉ መዓልቲ እዩ።
እዚ ዕለት እዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዚ ዘይብሃል ስቓይን መከራን ዝበዝሖ 13 ሕማማተ መስቀል ተቐቢሉ እዩ። ኣብ መስቀል ኮይኑ’ዉን ዓበይቲ ምስጢራት ዝሓቖፋን መልእኽቶም’ውን ረዚን ዝኾና 7 ቃላት ኣብ መስቀል እንከሎ ዝተዛሪቦ እዩ

  • 13 ሕማማተ መስቀል ዝበሃሉ

 1, ኣክሊለ ሶክ
ካብ እሾኹ ኣኺሊል ተኒጎም ኣብ ርእሱ ደፎኡሉ፣ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም ከኣ፣ ኣብ ቅድሚኡ እናተደፍኡ፣ ዎ ንጉስ ኣይሁድ፣ ከመይ ኢካ ኢሎም ኣላገጽሉ (ማቴ 2729)
    
 2, ተኮርዖ ርእስ

 መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ርእሱ ብዘንጊ ከም ዝተቐጥቀጠ ዝገልጽ እዩ።‹‹ተኰርዖት›› ዝብል ቃል ኩርዐ - ሃረመ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሢ ዝተረክበ ቃል እዩ፡፡ ርእስ  ማለት ድማ ርእሲ ማለት እዩ፡፡ ናይታ ሃገር ገዛኢ ዝነበረ ጲላጦስ “ኣነ ካብ ናይዚ ሰብ ደም ንጹሕ እየ” ኢሉ ኢዱ ድሕሪ ምሕጻቡ ንጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቀጥቂጡ ንካህናት ሓለፍቲን ሽማግለታትን ኣሕሊፉ ሂብዎ ነበረ። ብሕጊ ኣይሁድ ዝተገርፈ ክስቀል ኣይፍቀድን፣ዝስቀል ድማ ኣይግረፍን። ንሱ ጲላጦስ ግን ድሕሪ ምህራሙ ናይ በደል በደል ንክሰቅልዎ ኣሕሊፉ ሓቦም። (ማቴ 2724፤ ማር 1515፤ ሉቃ 2325፤ ዮሐ 1839)፡፡


ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሕሊፉ ምስሃቦም ኣብ ልዕሊ ርእሱ ናይ እሾኽ ኣኽሊል ደፍእሉ። ርእሱ ድማ ብዘንጊ ሃረምዎ። (ማር 1519)፡፡ ኣብ ሲኦል ወዲቑ ብዲያብሎስ ተረጊጹ ርእሱ ዝቕጥቀጥ ወዲ ሰብ ንምድኃን መድኃኔዓለም ክርስቶስ ርእሱ ተቐጥቀጠ። ካብ ርእሱ ብዝፈስስ ደም ድማ ገጹ ተሸፈነ።
    
 3, ተጸፍኦ መልታሕት

   አምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣእዳዎም ብደም ኣጻብዕቶም ብበደል ዝረኸሰ ብኣይሁድ ከም ዝተጸፍዐ ዝገልጽ እዩ። ‹‹ተፀፍዖ›› ዝብል ቃልፀፍዐ  ዝብል ጽፍዒት ሃረመ  ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሥ ዝወጸ እዩ፡፡ መልታሕት ማለት ድማ ገጽ ምዕጉርቲ ማለት እዩ።
ገጹ ብጨርቂ ሸፊኖም ብጽፍዒት ዝሃረመካ መን እዩ? ትንቢት ተዛረበልና እንዳበሉ ኣለጊጾሙሉ። ኣብ ኢድ ዲያብሎስ ወዲቑ ነፍሱ ዝላገጹሉን ኔው ነጀው ከርተት ዝብል ዝነበረ ወዲሰብ  ንከድሕን ኣብ ኢድ ጸላእቱ ኣይሁድ ወዲቑ ከርተት ብምባሉ ብጽፍዒት ሃረምዎ። (ማቴ 2727)፡፡

 4, ተወክፎ ምራቕ

 ርኹሳን ኣይሁድ ሓሶትን ክፍኣትን ብዝመልኦ ኣፎም፡ ብዘጸይፍ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ እቲ ብርሃናዊ ገጽ ጐይታ ጡፍ ምባሎም ዘመልክት እዩ።

 5, ሰተየ ሓሞት

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መልዕልተ መስቀል ኮይኑ ጸማእኩ ምስ በለ መጺጽ ሓሞት ከምዘስተይዎ ዝገልጽ እዩ።
   
 6, ተኣስሮ ድሕሪት

  ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣእዳው ንድሕሪት ከምዝኣሰርዎ ዝገልጽ እዩ።

 7, ተቀስፎ ዘባን

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝባኑ ክሳብ ዝመላለጥን ደም ዝሰርብን ከምዝተገርፈ ዘመልክት እዩ (ማቴ 27፥26)
   
 8, ኃሙሽተ ቅንዋተ መስቀልን እዮም፣ (ሳዶር፣ኣላዶር፣ዳናት፣ አዴራ፣ሮዳስ) ኦዮም ።

ኣብ ገለ መጻሕፍቲ’ውን ተገፍዖ ማዕከለ ዓምድ ፣ተከይዶ በእግረ አይሁድ ፣ ተስሕቦ በሐብል ፣ ወዲቀ ውስተ ምድር፡ ፀዊረ መስቀል፡ ተሰቅሎ ዲበ ዕፅ ዝኣመሰሉ በይኖም ተጻሒፎም ክንረክብ ዝከኣል እኳ እንተኾነ ኵለን ግና በብኣቖጻጽርኡ ኣብተን ሕማማተ መስቀል ዝጥቕለላን ዝጥቀሳን ምዃነን ከነስተውዕል ኣሎና።
 ብዘይካ እዚ ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ብዕለተ ዓርቢ ኣብ መስቀል ኮይኑ ዝተዛረበን ሸውዓተ ቃላት ኣለውዋ፡ ሸውዓተ ቃላተ መስቀል ተባሂለን ድማ ይጽውዓ። ንሳተን ከኣ፥

1. ! ኣቦይ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ኣይትሓዘሎም (ሉቃ 2334)
2. ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ከም እትኸውን ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ (ሉቃ 2343)
3. እንሆ ወድኺ፡ እንሀት ኣዴኻ (ዮሓ 1926-27)
4. ኤሎሄ ኤሎሄ ላማ ሰብቅታኒ (ማቴ 2746)
5. ጸማእኩ (ዮሓ 1928)
6. ኣቦይ ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማዕቝባ ኣለኹ (ሉቃ 2346)
7. ተፈጸመ (ዮሓ 1930)

 ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ምስ ተሰቕለ ብገዛእ ፍቓዱ ነፍሱ ካብ ስግኡ ምስ ፈለየ ሸውዓተ ተኣምራት ተፈጺሞም እዮም። እተን ሠለስተ ኣብ ሰማይ ዝፈጸማ ክኾና እንከለዋ እተን ኣርባዕተ ከኣ ኣብ ምድሪ ዝተፈጸማ እየን።

ኣብ ሰማይ ዝተፈጸሙ ተኣምራት፥

1. ፀሓይ ጸልመተት፡
2. ወርኂ ደም መስለት፡
3. ከዋኽብቲ ረገፉ፡

ኣብ ምድሪ ዝተፈጸሙ ተኣምራት

4. መጋረጃ ቤተ መቅደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ፡

5. ኣእማን ተፈተቱ (ኣኻውሕ ተጨዱ)፡

6. መቓብራት ተኸፍቱ፡

7. ምውታት’ውን ተንስኡ።

እዛ ዕለት እዚኣ እምበኣር ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ምእንታና ክብል ዝረኸቦ ስቓይን መከራን እናዘከርና፡ እቲ ኩሉ ሓጢኣትና ገዲፍና ብንስሓ ተሓጺብና ነቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ መሲልና ብንጽህና ክንነብር ከም ዘለና እተዘኻኽር ዕለት እያ።

ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለቲ ብቓላት ክግለጽን ክንገርን ዘይክእል ውዕለቱ ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ኣሜን!!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!


ይቅጽል.....................







No comments:

Post a Comment