Showing posts with label ጾም. Show all posts
Showing posts with label ጾም. Show all posts

Friday, November 26, 2021

ጾም ነብያት


ስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ዝኸበርኩም ህዝበ ክርስቲያንን ኣንበብቲን ናይዚ ዓምዲ እዚ ከመይ ቀኒኹም። ከም ዝፍለጥ ኣዚ ሕጂ ሒይዝናዮ ዘለና ግዜ ከም ብናይ ቤተ ክርስቲያና ኣፋቅዳ ጾመ ነብያት እዩ። ጾመ ነብያት ክብቲ ብብግዜኡ ዓመት መጸ ኣንጾሞም 7 ኣጽዋማት ቤተክርስቲያን ሓደ እዩ። ኣማጻጽዓን ኣገዳስነትን ናይዚ ሱባኤ ከመይ ከምዝኾነን  ንሕናዉን ነዚ ሱባኤ እዚ ብከመይ ኣገባብ ክንጾሞ ከምዝግባና እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብመንገዲ ጽሑፉ ኣቢሉ ክሙህረናን፣ ክግስጸናን ኣይዉ እሞ ሰናይ ምክትታል ይግበረልና። ነቲ ዝጎደለ ከኣ ብኣፍ መላእክቱ ገይሩ ይመልዓዮ።





ከምቲ ዘማራይ ነቢየ ኣምላኽ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ (እንዳበኸኹ ንነብሰይ ብጾም ቀጻዕኩዋ ሰባት ውን ጸረፉኒ) መዝ ፷፱፤፲/69፣10 ከምዝብሎ፣ ክርስቲያን ካብ እግዚአብሔር ብጸጋ ከምዝተወልዱ ብምእማን ንእግዚአብሔር ዘለዎም ፍቅሪ እንገልጾ ሓደ መንገዲ ጾም እዩ። ሰብ ብኃጢያት ምስ ዝወድቅ ፈጣሪኡ የተንስኦ፤ ምስ ጠፈአ ውን ኣምላኽ ክደልዮ ከምዝመጸ ብተስፋ ዝጽበዮ ዝነበረ ወልደ እግዚአብሔር ስጋ ሰብ ለቢሱ ከምዝመጸ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ስለዚ ኣዳም ናይ ወልደ እግዚአብሔር ነገረ ልደቱ ብትንቢት ራኢ እንዳተጸበየ ብናይ ነብያት ትምህርትን ስብከተን ናይ ዓመተ ፍዳ ምፍጻሙ፤ ናይ ምሥጢረ ሥጋዌ ብርሃን ካብ ርሑቅ ይጥምት ነበረ። ጾም ሰብ ንእግዚአብሔር ዘለዎ ፍቅርን ትእዛዝን መግለጽን መረጋገጽን ጥራሕ ኣይኮነን። ዝወደቀ መተንሰኢ፤ ካብ ቡሉይ ናብ ሓድሽ ካብ ርስሓት ኃጢአት መንጽሂ ምስ ንስሓ ዝፍጸም መንጽሂ (ሳምና) እዩ። ጾመ ነብያት ንኣዳም ዝተነገሮ ትምቢት ዝፍጸመሉ፤ ካብ ዝነበሮ ማእሰርቲ ኃጢኣት ነጻ ዝኾነሉ ግዜ ከም ዝበጸሐ ዘበስር ጾም እዩ። ከማይ ኩሉም ቅዱሳን ነብያት ንልደት ወልደ እግዚአብሔር ብሃንቆውታ ብጾም ይጽበይዎ ከምዝነበሩ፤ ንሕና ክርስቲያናት ድማ ክሳብ ዳግማይ ምጽኣት ጎይታ ከም ቅዱሳን ነብያት ብጾም ንጎይታ ንጽበዮ።
ቅዱሳን ነብያት ካብ ሊቀ ነብያት ቅዱስ ሙሴ ክሳብ ካህን ዘካርያስ ንእግዚአብሔር ኣብ ዘስምርሉ ዝነበሩ ግዜ ብጾምን ጾሎትን ወትርግ የስምርዎ ከም ዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና። ጾም ማለት ቃል ብቃሉ ካብ ብኣፍ ዝኣቱን ዝወጽእን፤ ካብ ንስጋ ዘጥልሉን ንነብሲ ዘርክሱ ምኽልካል ወይ ድማ ምሕራም ማለት እዩ። መኽንያቱ ስጋና ኣብ ትጾመሉ ነፍስና ትጸግብ፤ ስጋና ኣብ ትጸግበሉ ነፍስና ትጸምእ ትጠሚ ውን።
 ጾሞ ንነፍሲ ምድራዊ ገዲፋ ሰማያዊ ከም ትሓስብ ምግባር ማለት እዩ። ማለት ንስጋ ካብ ዘጥልሉ ምብላዕን ምስታይን፤ ካብ ክፉእ ምርኣይን ምስማዕን ምሕራምን፤ ንነዳያን ምርዳእን ስለኦም ምጽላይን ዘጠቃለለ እዩ። ጾም ኣብ ንጸመሉ ግዜ ንኣምላኽና ዝለመናዮ ዝወሃበና፤ ካብ ናይ መቃውሕ ማእሰርቲ ንፍትሓሉን፤ ንኣምላኽ ዘለና ኣፍቅሮት እንገልጸሉ ግዜን ስዓትን ውዩ። ነዚ ንኸረድኣና እዩ ድማ ጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዝኾነ ኣጎልግሎቱ ኣብ ባሕሪ የርዳኖስ ምስ ተጠምቀ ንኩሉ ሕዝቢ ሓዲጉ ንገዳመ ቆረንጦስ ዘምርሐ። ማቴ፬፤፩-፪/4፤4-5 ቤተክርስቲያን ድማ ኣምላኻ ዝማአሃራ ትምህርቲ ተኸቲላ ንኹሎም ውሉደ ቤታ ቅድሚ ዝኾነ መንፍሳዊ ኣጎልግሎቶም ክጸሙ ከምዘለዎም ትምህርን፣ ትግስጽን። ስለዚ እንጾሞ ጾም በረኸትና ዘብዝሕ ንነፍስና ዝቅድስ ንኽኾነልና ቤተክርስቲያን ናይ ወትሩ ጸሎታ እዩ።

እዚ ሒዝናዮ ዘለና ጾም፤ ጾመ ነብያት ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ ካብ ሕዳር ፲፭(15) ክሳብ ፳፱ (28) ታሕሳስ ዝጽወም ጾም እዩ።  ከምቲ ኣብ ምእተዊ ዝገለጽናዮ ድማ ካብቶም 7 ዓበይቲ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ድማ እዩ። ነብያት ንእግዚአብሔር  ካብ ዝነበሮም ፍቅሪ ዝጸምዎ ጾም እዩ። ዘጸ ፴፬፤፳፰/34፤28 ፩ነገ፲፱፤፰/1ነገ 19፤8፣ ብተወሳኺ’ዉን እዚ ጾም’ዚ ብልማድ ጾም ታሕሳስ ዝብል ስም እኳ እንተለዎ ነቲ ቅኑዕ ትርጉም ዝርድእ ዝተፈላለይ ኣስማት’ዉን ኣለዎ፦

1.  ጾመ ኣዳም እዚ ጾም ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ እየ ዝብል ናይ ኣዳም ተስፋ ከምዝኣኸለ፤ ኣዳም ዝኣተዎ ሱባኤ መልሲ ዝረኽበሉ መዓልቲ ከምዝኣኸለ ምሥጢረ ሥጋዌ ክገሃድ ከምዝቀረበ ዘበስር ብምዃኑ ጾመ ኣዳም ይበሃል።

2.  ጾመ ስብከት ናይ ወልደ እግዚኣብሔር ሰብ ምዃን ዝተኣወጀሉ፤ ናይ ድሕነት ተስፋ ዝተመስከረሉ ስለዝኾነ ጾመ ስብከት ይበሃል።

3.  ጾመ ማርያም፦ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንወልደ ኣብ ጽኒሰ ኣለኹ እንታይ ሒዘኸ ክወልዶ ኢየኢላ ነዚ ጾም ስለዝጾመቶ ጾመ ማርያም ተባሂሉ ይፍልጥ። ቅድስት ድንግል ነዚ ዝበለት ልደት ጐይታ ዝደንቅን ዘስደምምን ስለዝኾነ ስለዝተደነቀት ኢያ። ብኻልእ መዳይ ነዚ ዝበለት ስለ ትሕትና ኢላ እያ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ቅድስናኣ ርእዩ ብብስራታዊ መልኣክ ቅዱስ ገብርኤል ኣቢሉ ንክርስቶስ ከምትወልድ እኳ እንተነገራ ኣደ ትሕትና ስለዝኮነት እንታይ ሰሪሐ ደኣ ናይ ምድርን ስማይን ፈጣሪ ክጾሮ እኽእል ኢላ ጾይማቶ ኢያ።

4.  ጾመ ፊሊጶስ  ፊሊጶስ ሓዋርያ ኣብ ኣረማውያን ኣትዩ ወንጌል እንዳሰበኸ ከሎ ብሰማእትነት ዓረፈ። ኣስከሬኑ ድማ ካብ ደቅ መዛሙርቱ ተሰወረ፤ ኣምላኽ ናይ መምህሮም ኣስከሬን ክገልጸሎም ካብ ኅዳር 16 ጀሚሮም ጾም ኣውጁ፤ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ኸኣ ናይ መምህሮም ኣስከሬን መለሰሎም፤ ንሳቶም ግና ክሳብ ልደት ጾይሞም እዮም።  በዚ ምኽንያት ጾመ ፊሊጶስ ተባሂሉ።

ጾመ ነብያት ብዝሑ ኣርባዓን ኣርባዕተን መዓልትታት እዩ። እዚ ድማ ኣርብዓ መዓልትታት ብሙጻሞም ናይ ትንቢቶም መፈጸምታ ዝረኸበሉ፤ ዓለም ድሕነት ዝተቀበለትሉ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተርኢና ኣርብዓ መዓልትን ለይትን ዝጾሙ ነብያት ብዙሓት እዮም። ከም ንኣብነት ሊቀ ነብያት ቅዱስ ሙሴ ኣርብዓ መዓልትን ለይትን ብሙጻሙ፤  ካብ ኣምላኽ ዓሰርተው ትእዛዝ ( ጽላት ኪዳን ) ካብ እግዚአብሔር ተቀቢሉ ንሕዝቡ ክመርሕ ከምዝኽኣለ፤ ማንም ኣማኒ ውሉደ ተዋሕዶ ኦርቶዶክስ ድማ ኣብዚ ስዓት እዚ ብትግሃት ምስ ዝጸዉም፤ ከምቲ ሊቀ ነብያት ቅዱስ ሙሴ ኣብ ሲና ዓሰርተው ትእዛዛት ዝተቀበለ ድሓር ድማ ኣብ ደብረ ታቦር ምስ ጎይታ ዝተገልጸ፤ ኣብ ልቡ ቃል ኣምላኽ ብቅንኣት ጽሒፉ ናብ ክቡር ልደት ክበጽሕን፤ ኣብ ዳግማይ ምጽኣት ናይ ጎይታ ድማ ብየማሉ ክቀውም ይኽእል።
 ከም ነቢይ ኤልያስ ውን ኣርብዓ መዓልትን ለይትን ምስ ንጸውም ከምቲ ንሓሰውቲ ነብያት ስዒሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ እሙን ኮይኑ ዝተረኽበ፤ ንሕና ድማ ኣብ ልዕሊ እዛ ቤት መቅደስ ዝኾነት ንፍስናን፤ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ዝልዓሉ ናይ ርኽሰት መንፈስ ዘለዎም ክሓድቲ ስዒርና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እሙናት ኮይና ክንርከብ ንኽእል።
ጾም ናይ ፍቅሪ መስዋእቲ እዩ። ጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕጸ መስቀል ብቅንዋተ መስማር ከም ቆርበት ኣብ ዝተወጠረሉ ግዜ ብኽቡር ደሙ ንነፍስና ንምቅዳስ እዩ ነይሩ። ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዕብራውያን መልእኽቱ ከምዚ እዳበለ ዝገልጸልና «ናብቲ ኅፍረት ዘበለ ንዒቁ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጎስ ኢሉ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሠ፤ ኣብ የማን አምላኽ ዝተቀመጠ፤ ናይ እምነትና ጅማርን ፈጻምን ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት» ኢሉ ከም ዝተዛረበ ዕብ፲፪፤፪/12፤2። ብርግጽ ጾም ናይ ፍቅሪ መስዋእቲ እዩ። ምኽንያቱ፤ ካብ ሕሜት፤ ካብ ጸርፊ፤ ካብ ዝሙት ሕማቅ ርሒይቅኻ ካብ ምምናይ፤ካብ ስርቂ፤ ካብ ቅትለት፤ ካብ ናብ ናይ ጓይላ ቦታ ምኻድ፤ ካብ ሕልናዊ ቂምታ፤ ቅንኣትን ተንኮልን ዝኣመሰሉ ክንጸውም ይግብኣና። ስለዚ ካብዞም ኩሎም ነገራት ምስ ንርሕቅ ጾምና ሓቀኛ ጸሎት ይኾነልና። ህዋሳትና ካብ ኩሉ ኩፉእ ምግባር እንተ ዘይተቆጢቦም፤ ጾምና ሒወት ክንዕድገሉ በረኸት ከውህበና ኣይክእልን እዩ። ኣብ ዘመነ ኦሪት ሰብ ስሬት ኃጢኣት ካብ እግዚአብሔር ዝረኽበሉ መስዋእቲ ብምቅራብ እዩ ነይሩ «ካብቲ ንመስዋእቲ ሰላም ዚቐርብ እንስሳ ድማ.....» ይብል ዘሌ ፫፤፫-፬/3፤3-4 ነገር ግን ኣብ ሕጊ ኦሪት ኃጢኣት ንምስትስራይ ዝቀርቡ ብእግዚአብሔር ተቀባልነት ዝነበሮም ሰለስተ ነገራት ምስ ትፍጽም እዩ። ንሱ ድማ ሊቀ ካህን ነቲ ገንሸል ኣብ ኣፍ ደገ ምስ ሓረዶ፤ (ገንሸል) ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ተባሂሉ ዝጸዋዕ ኣትዩ ነቲ ደም ይነጽጎ፤ ነቲ ስብሒ ድማ ብሓዊ የሕርሮ። ስለዚ ከምዞም ሰለስተ ኣጋባብ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጹ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ድማ መንፈሳዊ ጸሎት ከም ገንሸል ምስዋዕ፤ ንስጋኻ ብጾም ምድካም ከም ስብሒ ምሕራር፤ ስሚዕታዊ ፍቅሪ ድማ ከም ደም ምንጻግ ጾምና ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቃጸለ መስዋእቲ ጌርና ከነቅርብ ይግብኣና። ካብዞም ሰለስተ ሓንቲ ጥራሕ እኽልቲ ስለዘይኮነት ሰለስቲአን ክንፍጽም ይግብኣና እዩ። ነዚ ንኽንፍጽም ኣምላኽ ከም ቅዱሳን ኣቦታትና መንፈሱ ሰዲዱ ይደግፈና ኣሜን።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር                  
ኣሜን!!!

Friday, April 17, 2020

ዓርቢ ስቅለት

መቐጸልታ ጾም….


ሰሙነ ሕማማት (ዓርቢ ስቅለት)

 ናይ ዕለት ላይፍ "Live" ንምክታታል ነዚ ጠውቁ)

ርያ ላይሶን  ርያ ላይሶን  ርያ ላይሶን!!!

ሓሙስ ምሸት እቶም ንጎይታ ዝሓዝዎ ኣይሁዳውያን ንጎይታ ከባጭውሉ ድሕሪ ምሕዳር፡ ንጽባሒቱ ዓርቢ ከይወገሐ ከሎ፡ ጲላጦስ ንጐይታ ናብ ሄሮድስ ለኣኾ፡ ሄሮድስ ድማ መሊሱ ናብ ጲላጦስ ሰደዶ ከምዚ እናገበሩ ኣላገጽሉ። ሊቃነ ካህናትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ከኣ ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ክቐትልዎ ምስክር ሓሶት ይደልዩ ነበሩ። እንተኾነ ብዙሓት ሓሰውቲ መሰኻኽር እዃ እንተቐረቡ፡ ሓንቲ አኳ ኣይረኸቡን። ድሓር ግን ካልኦት ክልተ ቐሪቦም እዚ ሰብ እዚ ንቤት መቕደስ ኣምላኽ ኣፍሪሰ ብሰለስተ መዓልቲ ክሃንጾ እኽእል እየ ኢሉ ተዛሪቡ በሉ። እቲ ሊቀ ካህናት ከኣ ነዚ ዝብሉኻ ዘለዉስ ገለዶ ኣይትምልሰሉን ኢኻ በሎ ኢየሱስ ግና ኣይመለሰሉን። እቲ ሊቀ ካህናት ከኣ ንስኻ እቲ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ኾንካስ ክትነግረና በቲ ህያው ኣምላኽ አምሕለካ ኣለኹ በሎ። ኢየሱስ ከኣ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ በሎ። ድሕሪ እዚ እቲ ሊቀ ካህናት ክዳኑ እናቐደደ እንሆ ይጸረፍ ኣሎ፡ ደጊም ደኣ እንታይ ንስክር ኣድልየና፡ እንታይከ ይመስለኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ ሞት ይግብኦ ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ ኣብ ገጹ ጡፍ በለሉ ገሊኦም ድማ ወቕዕዎ። መሲሕ መን እዩ ዝወቕዓካ፧ እስከ ተነበየልና ኣንዳበሉ ይጸፍዕዎ ነበሩ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ውን እቶም ህዝብን ሽማግለታትን ብሓሶት እኳ እንተኸሰስዎ ንሱ ግና ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን፡ ጲላጦስውን መርሚሩ ሓንቲ እኳ ኣይረኸበሉን ኣነ ካብ ደም እዚ ጻድቕ ሰብ እዚ ንጹሕ እየ ባዕልኹም ትፈልጡ ኢሉ ኣእዳዉ ተሓጽበ። ንሳቶም ግና ይቀተል ይቀተል ኢሎም ጫው ጫው ምስ በሉ  ኣብ በዓሎም ሓደ እሱር ናይ ምፍታሕ ልማድ ስለ ዝነበሮም፡ ንበርባን ወይ ንክርስቶስ ክፍትሓሎም ሓተቶም። ንሳቶም ግና እቲ ሽፍታ በርባን ክፍትሓሎም፡ እቲ ሓንቲ ዘይተረኽቦ  ክርስቶስ ግና ክስቀል መረጹ። በዚ መሰረት ድማ ገሪፎም ንክሰቕልዎ ኣሕሊፉ ሃቦም። ዝኾነ ክጾሮ ዘይክእል መከራ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ኣውረዱ። ካብ ሊቶስጥራ ክሳብ ቀራንዮ ብዘሰቅቕ መከራ ተወስደ። ኣብዚ ክብርቲ መዓልቲ ድማ ኣብ ሞንጎ ሸፋቱ ልክዕ ሰዓት ስድስቱ (ፍርቂ መዓልቲሰዓት ዓሰርተ ክልተ) ኣብ ማእከለ ምድሪ ኣብ ቀራንዮ ተሰቕለ፡ ብገዛእ ስልጣኑ ድማ ክብርቲ ነፍሱ ካብ ክቡር ስግኡ ሰዓት ተስዓቱ ፈለያ። ሰዓት ኃሙሽተ ምስ ኮነ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስን ኒቆዲሞስን ድማ ገኒዞም ቀበርዎ።
ነገረ ስቕለቱ ብኵሎም ወንጌላውያን ዝተመዝገበ ኮይኑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉዕዞ መስቀል ድማ ድንቂ ዝኾነ ስንቂ ህይወት እንረኽበሉ ቃላት ተጻሒፉ ይርከብ። ኣብዚ ክዝርዘር ስለዘይከኣል ድማ ነቲ ቅዱስ መጽሓፍ ምስ ትርጓሜኡ ኣስተውዒልና ነንብቦ።  ብዝተረፈ ግና እዚኣ መዓልቲ ናታ ፍሉይ ስም ከም ዘለዋውን ምጥቓስ ይግባእ እዩ።




 ዓርቢ ስቕለት፦ መድሓኒ ዓለም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በጃ ዓለም ብምዃን ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሰቒሉ ዝወዓለሉ ዕለት እዩ (ማቴ2735, ማር 1521-32, ሉቃ23 26-43, ዮሓ1917-27)
እዚ ዕለት እዚ ዓቢ ዕለት እዩ። ብበደል ኣዳም ናብ ዓለም ዝኣተወ ሞት እተሳዕረሉ፡ ካብ ሞት ናብ ህይወት እተሰጋግረናሉ፡ ካብ መግዛእቲ ዲያብሎስ ሓራ ዝወጻናሉ፡ እቲ ዝቃወመና ዝነበረ ናይ ዕዳ ደብዳቤና ዝተደምሰሰሉ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዝኣተናሉ፡ ትንቢት ነቢያት፡ ተስፋ ኣበው እተፈጸመሉ፡ ገነት ዳግማይ ዝተኸፈተትሉ ዓቢይ መዓልቲ እዩ።
እዚ ዕለት እዚ መስቀል ምልክት ድኅነትና ኣርማ ናጽነትና ዝኾነሉ ዕለት እዩ። ቅድሚ እዛ ዕለት እዚኣ ደቂ ኣዳም ኣብ ዝኸፈአ በደል እንተተረኽቡ ኣብ መስቀል ተሰቒሎም ክሞቱ ይፍረዶም ነበረ። ነዚ ናይ ገበነኛታት መቅጽዒን ምልክት መርገምን ዝነበረ መስቀል፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሙ ቀዲሱ ንምሕረትና ትእምርቲ ሰንደቅ ድኅነትና፡ መመክሒ ክርስቶሳውያን፡ ንዲያብሎስ ንስዕረሉ ሓይሊ ዝገበረሉ፡ ብሞቱ ካብ ሞት ናብ ህይወት ዝተሰጋገናሉ ቅዱስ ንዋይ ገበሮ። በዚ ዕለት ኵሎም ምእመናን ካብ ክፉእ ተግባራት ርሒቖም ካብ እኽለ ማይ ተቖጢቦም ክሳብ ዕርበተ ፀሓይ ማለት ሰዓት ሽዱሽተ ድኅሪ ቀትሪ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክሰግዱን ክጽልዩን ዝውዕልሉ መዓልቲ እዩ።
እዚ ዕለት እዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዚ ዘይብሃል ስቓይን መከራን ዝበዝሖ 13 ሕማማተ መስቀል ተቐቢሉ እዩ። ኣብ መስቀል ኮይኑ’ዉን ዓበይቲ ምስጢራት ዝሓቖፋን መልእኽቶም’ውን ረዚን ዝኾና 7 ቃላት ኣብ መስቀል እንከሎ ዝተዛሪቦ እዩ

  • 13 ሕማማተ መስቀል ዝበሃሉ

 1, ኣክሊለ ሶክ
ካብ እሾኹ ኣኺሊል ተኒጎም ኣብ ርእሱ ደፎኡሉ፣ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም ከኣ፣ ኣብ ቅድሚኡ እናተደፍኡ፣ ዎ ንጉስ ኣይሁድ፣ ከመይ ኢካ ኢሎም ኣላገጽሉ (ማቴ 2729)
    
 2, ተኮርዖ ርእስ

 መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ርእሱ ብዘንጊ ከም ዝተቐጥቀጠ ዝገልጽ እዩ።‹‹ተኰርዖት›› ዝብል ቃል ኩርዐ - ሃረመ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሢ ዝተረክበ ቃል እዩ፡፡ ርእስ  ማለት ድማ ርእሲ ማለት እዩ፡፡ ናይታ ሃገር ገዛኢ ዝነበረ ጲላጦስ “ኣነ ካብ ናይዚ ሰብ ደም ንጹሕ እየ” ኢሉ ኢዱ ድሕሪ ምሕጻቡ ንጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቀጥቂጡ ንካህናት ሓለፍቲን ሽማግለታትን ኣሕሊፉ ሂብዎ ነበረ። ብሕጊ ኣይሁድ ዝተገርፈ ክስቀል ኣይፍቀድን፣ዝስቀል ድማ ኣይግረፍን። ንሱ ጲላጦስ ግን ድሕሪ ምህራሙ ናይ በደል በደል ንክሰቅልዎ ኣሕሊፉ ሓቦም። (ማቴ 2724፤ ማር 1515፤ ሉቃ 2325፤ ዮሐ 1839)፡፡


ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሕሊፉ ምስሃቦም ኣብ ልዕሊ ርእሱ ናይ እሾኽ ኣኽሊል ደፍእሉ። ርእሱ ድማ ብዘንጊ ሃረምዎ። (ማር 1519)፡፡ ኣብ ሲኦል ወዲቑ ብዲያብሎስ ተረጊጹ ርእሱ ዝቕጥቀጥ ወዲ ሰብ ንምድኃን መድኃኔዓለም ክርስቶስ ርእሱ ተቐጥቀጠ። ካብ ርእሱ ብዝፈስስ ደም ድማ ገጹ ተሸፈነ።
    
 3, ተጸፍኦ መልታሕት

   አምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣእዳዎም ብደም ኣጻብዕቶም ብበደል ዝረኸሰ ብኣይሁድ ከም ዝተጸፍዐ ዝገልጽ እዩ። ‹‹ተፀፍዖ›› ዝብል ቃልፀፍዐ  ዝብል ጽፍዒት ሃረመ  ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሥ ዝወጸ እዩ፡፡ መልታሕት ማለት ድማ ገጽ ምዕጉርቲ ማለት እዩ።
ገጹ ብጨርቂ ሸፊኖም ብጽፍዒት ዝሃረመካ መን እዩ? ትንቢት ተዛረበልና እንዳበሉ ኣለጊጾሙሉ። ኣብ ኢድ ዲያብሎስ ወዲቑ ነፍሱ ዝላገጹሉን ኔው ነጀው ከርተት ዝብል ዝነበረ ወዲሰብ  ንከድሕን ኣብ ኢድ ጸላእቱ ኣይሁድ ወዲቑ ከርተት ብምባሉ ብጽፍዒት ሃረምዎ። (ማቴ 2727)፡፡

 4, ተወክፎ ምራቕ

 ርኹሳን ኣይሁድ ሓሶትን ክፍኣትን ብዝመልኦ ኣፎም፡ ብዘጸይፍ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ እቲ ብርሃናዊ ገጽ ጐይታ ጡፍ ምባሎም ዘመልክት እዩ።

 5, ሰተየ ሓሞት

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መልዕልተ መስቀል ኮይኑ ጸማእኩ ምስ በለ መጺጽ ሓሞት ከምዘስተይዎ ዝገልጽ እዩ።
   
 6, ተኣስሮ ድሕሪት

  ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣእዳው ንድሕሪት ከምዝኣሰርዎ ዝገልጽ እዩ።

 7, ተቀስፎ ዘባን

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝባኑ ክሳብ ዝመላለጥን ደም ዝሰርብን ከምዝተገርፈ ዘመልክት እዩ (ማቴ 27፥26)
   
 8, ኃሙሽተ ቅንዋተ መስቀልን እዮም፣ (ሳዶር፣ኣላዶር፣ዳናት፣ አዴራ፣ሮዳስ) ኦዮም ።

ኣብ ገለ መጻሕፍቲ’ውን ተገፍዖ ማዕከለ ዓምድ ፣ተከይዶ በእግረ አይሁድ ፣ ተስሕቦ በሐብል ፣ ወዲቀ ውስተ ምድር፡ ፀዊረ መስቀል፡ ተሰቅሎ ዲበ ዕፅ ዝኣመሰሉ በይኖም ተጻሒፎም ክንረክብ ዝከኣል እኳ እንተኾነ ኵለን ግና በብኣቖጻጽርኡ ኣብተን ሕማማተ መስቀል ዝጥቕለላን ዝጥቀሳን ምዃነን ከነስተውዕል ኣሎና።
 ብዘይካ እዚ ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ብዕለተ ዓርቢ ኣብ መስቀል ኮይኑ ዝተዛረበን ሸውዓተ ቃላት ኣለውዋ፡ ሸውዓተ ቃላተ መስቀል ተባሂለን ድማ ይጽውዓ። ንሳተን ከኣ፥

1. ! ኣቦይ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ኣይትሓዘሎም (ሉቃ 2334)
2. ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ከም እትኸውን ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ (ሉቃ 2343)
3. እንሆ ወድኺ፡ እንሀት ኣዴኻ (ዮሓ 1926-27)
4. ኤሎሄ ኤሎሄ ላማ ሰብቅታኒ (ማቴ 2746)
5. ጸማእኩ (ዮሓ 1928)
6. ኣቦይ ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማዕቝባ ኣለኹ (ሉቃ 2346)
7. ተፈጸመ (ዮሓ 1930)

 ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ምስ ተሰቕለ ብገዛእ ፍቓዱ ነፍሱ ካብ ስግኡ ምስ ፈለየ ሸውዓተ ተኣምራት ተፈጺሞም እዮም። እተን ሠለስተ ኣብ ሰማይ ዝፈጸማ ክኾና እንከለዋ እተን ኣርባዕተ ከኣ ኣብ ምድሪ ዝተፈጸማ እየን።

ኣብ ሰማይ ዝተፈጸሙ ተኣምራት፥

1. ፀሓይ ጸልመተት፡
2. ወርኂ ደም መስለት፡
3. ከዋኽብቲ ረገፉ፡

ኣብ ምድሪ ዝተፈጸሙ ተኣምራት

4. መጋረጃ ቤተ መቅደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ፡

5. ኣእማን ተፈተቱ (ኣኻውሕ ተጨዱ)፡

6. መቓብራት ተኸፍቱ፡

7. ምውታት’ውን ተንስኡ።

እዛ ዕለት እዚኣ እምበኣር ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ምእንታና ክብል ዝረኸቦ ስቓይን መከራን እናዘከርና፡ እቲ ኩሉ ሓጢኣትና ገዲፍና ብንስሓ ተሓጺብና ነቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ መሲልና ብንጽህና ክንነብር ከም ዘለና እተዘኻኽር ዕለት እያ።

ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለቲ ብቓላት ክግለጽን ክንገርን ዘይክእል ውዕለቱ ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ኣሜን!!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!


ይቅጽል.....................