መቐጸልታ ጾም….
ኪርያ ላይሶን ኪርያ ላይሶን ኪርያ ላይሶን !!!
ዝኸበርኩም ህዝበ ክርስቲያን እግዚኣብሔር ኣምላኽና ህያዉ እይው
እሞ ኣንሆ ኣብ መወዳእታ ናይ ዓቢይ ጾም ማለት ሰሙነ ሕማማት ሓደ ሰሙን ቅድሚ ትንሳኤ ዘሎ ሰሙን እዩ።
እዚ ስሙን እዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ ኣዳም ካብ ባርነት ዲያብሎስ ሓራ ንምውጻእ ሕማምን ሞትን ዘይግብኦ ክነሱ ብፈቓዱ ንዝተቐበሎ መከራ ስቓይን ሞትን ዘዘካኽር ሰሙን እዩ ። ሰሙነ ሕማማት ምእመናን ንኵሉ ዋኒኖም ሓዲጎም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተረኺቦም ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ንውዕለት ጐይታ እናዘከሩ ስለ ሕድገት ሓጢኣቶም ዝበኽይሉን ዝሓዝኑሉን ዝሰግዱሉን ሰሙን እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣዳምን ዝርኡን ንምድሓን ንዕኡ ዘይግባእ ስቓይን መከራን ተቐበለ። ነቢይ ኢሳይያስ “ነስአ ደዌነ ወጾረ ሕማመነ”-
ብሓቂ ንሱ ንሕማማና ጾሮ ንስቓይና ከኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፡ንሕና ግና ብእግዚአብሔር ከም ዝተወቕዐን ከም ዝተቐዝፈን ከም ዝተዋረደን ገይርና ቆጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቆሰለ፡ ብሰሪ አበሳና ድማ ተኸትከተ።ንሕና ብሰላም ምእንቲ ክንነብር መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ። ንሕና’ውን ብስንብራቱ ሓዌና” (ኢሳ53፡4-7) ከም ዝበሎ ጎይታ ምእንታና ክብል ዝወረዶ መከራን ስቓይን፡ መግረፍትን ሞትን እንዝክረሉ ሰሙን እዩ ።
ኣመጻጽኣ ሕማማት ፣
ሰሙነ ህማማት ካብ መጀመርታ ሚእቲ ክፍለ ዘመን
ጀሚሩ ክርስቲያን የኽብርዎ ከም ዝነበሩ ዝገልጹ ጥንታውያን ዝኾኑ መዛግብቲ አለዉ። ብሕጊ መሠረት ክርስቲያን ኣብ ሰሙነ ሕማማት
ካብ ዝኾነ ይኹን ስራሕ ነጻ ኮይኖም ከሕልፉን፤ ቤት ፍርዲ ውን ንክዕጸዉ ድማ ቅዱስ ቆስጠንጢኖስ ወሲኑ።
ክሳብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ሓደስቲ ክርስቲያን
ንምጥማቕ ዝመርጽዎ ዝነበሩ ግዜ ናይ ትንሣኤ መዓልቲ እዩ ነይሩ። ነዚ ድማ ክልተ ዓይነት ምኽንያት ነይሮምዎም። ናይ መጀመርታ ሰሙነ
ሕማማት ብፍሉይ ጾይሞም ኣብ ትንሣኤ ምጥማቕ ፍሉይ ዝኾነ መንፈሳዊ ኃይሊ ስለ ዝህብ ክኸውን ከሎ፤ ካልኣይ ድማ ከም ናይ ሓዋርያ
ቅዱስ ጳውሎስ ትምህርቲ ምጥማቅ ምስ ክርስቶስ መይትካ ምስ ክርስቶስ ምትንሣእ ብምዃኑ ጥምቀት ምስ ትንሣኤ ኣተሓሒዞምዎ ነበሩ።
ሰሙነ ሕማማት ናይ ዘመነ ኩነኔ ዝዝከረሉ ሰሙን
እዩ። ሓደሽቲ ክርስቲያንውን ነዚ ሰሙን ነቲ ዝሓለፈ ሕይወቶም ንምዝካርን ንምብካይን በዚ ድማ ንርእሶም ናይ ሓዲሽ ሕይወት ዘመን
ንምልዋጥ ይጥቀሙሉ ነበሩ።
ኣብ መጀመርያ ሚእቲ ክፍለ ዘመን ካብ ዓርቢ
ጀሚሩ ሰሙነ ሕማማት ምኽባር ዝውቱር ነይሩ። ካብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ግን ሽዱሽቲአን መዓልታት ምኽባር ናይ ክርስቲያን ሥርዓት
እንዳኾነ መጽዩ። ነዚ ድማ መበገሲ ዝኾኖም ናይ ኣቦታትና ቀኖና ዝተባህለ ካብ ዘመን ሐዋርያት ጀሚሩ ዝተወሰኑ ቀኖናታት መዝገብ
ኣብ ቦቱኡ ምብጽሑ እዩ። ኣብዚ መዝገብ ዓንቀጽ 5 ገጽ 19 “ኣብ ሰሙነ ሕማማት ካብ ሰሙን
ካልኣይቲ መዓልቲ ክሳብ ቀዳም ናይ ሰንበት መእተዊ ይጹሙ። በዘን
መዓልታት ብጀካ እንጀራን ጨውን ካልእ ኣይትብሉዑ። መስተውን ማይ ጥራሕ ይኹነልኩም።” ይብል።
ኣብ ግብረ ሕማማትውን ነዚ ናይ ሓዋርያት ቀኖና
ብምጥቃስ ኣብ ክፍሊ ሓደ መበል ሠላሳን ሓደን ትእዛዝ ኣብ ዝብል ኣርእቲ “ኣብ ሰሙነ ሕማማት ብጀካ
እንጀራ፤ ጨውን ማይን ወጻኢ ካልእ ኣይትብሉዑ” ይብል።
ብ260 ዓ.ም ንባሲለደስ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳቤ
ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዘለዋ መዓልታትን ሰዓትን ምስ ናይ ክርስቶስ መከራ ብምትሕሓዝ ገሊጽዎ ይርከብ። ኣብ ካልኣይ ወይ
ኣብ መበል ሣልሳይ ክፍለ ዘመን ተኣኪቡ ምጥርናፉ ዝንገረሉ ናይ ሶርያ ዲድስቅልያውን ሰሙነ ሕማማት ብከመይ ክንጸውም ከም ዘሎና
ይነግረና። ኣቡሊዲስ ዘሮም ኣብ ዝጸሓፎ ናይ ሐዋርያት ትውፊት (215ዓ.ም)
ብዛዕባ ሰሙነ ሕማማት ሥርዓት ውሳኔታት ይገልጽ። ንነፍሲ ወከፍ ሰዓት ድማ ምስ ናይ ክርስቶስ መከራ እንዳ ኣራኸበ ይገልጻ።
ሰሙነ ሕማማት ከምዚ ሕጂ ዘለዎ መልክዕ ዝሓዘ
ኣብ መበል 4ይ ክፍለ ዘመን ብናይ ኢየሩሳሌም ፓትርያርክ ብቄርሎስ ዘመን እዩ። ፓትርያርክ ቄርሎስ ኣብ መወዳእታ ዓመታት ኣብ ኢየሩሳሌም
ዝኽበር ዝነበረ ቅድሚ ናይ ጎይታ ትንሣኤ ሰሙነ ሕማማት ንነፍሲ ወከፍ እተን መዓልታት ብምዝካር ዝኽበረሉ ሥርዓት ሰሪዑ ነይሩ።
ካብ 381 ክሳብ 385 ናብ ኢየሩሳሌም ንምስላም ዝኸደት ኤገርያ ዝተባህለት ስፔናዊት ኣብ ኢየሩሳሌም ሰሙነ ሕማማት ብኸመይ ይኽበር
ከም ዝነበረ ናይ ታሪኽ መዝገብ ገዲፋትልና እያ።
“በዓል ዝጅምር ብዕለተ ሰንበት እዩ። ኣብዚ
መዓልቲ ብዛዕባ ትንሣኤ ኣልኣዛር ዝጠቅስ ወንጌል ይንበብ። ኣብ ዕለተ ሆሳዕና ድሕሪ ቐትሪ ኩሉ ሰብ ናብ ደብረ ዘይቲ ይድይቡ።
ካብዚ ኩሎም ብጸጥታ ናይ ተምሪ ጨንፈር ተሸኪሞም ናብ ኢየሩሳሌም
ይምለሱ። እዚ ኣብተን ናይ መጀመርታ ሠለስተ መዓልታት ይፍጸም። እዚ ነቲ ጎይታ ምሸት ምሸት ካብ ከተማ ወጽዩ ኣብ ደብረ ዘይቲ
ዝገብሮ ዝነበረ ጸሎት ንምዝካር እዩ።
ኣብ ጸሎተ ሓሙስ ንጉሆ ቅዳሴ ይቕደስ ።(እዚ
ኣብ ውሽጢ ዓመት ኣብ መስቀሉ መቅደስ ዝግበር ቅዳሴ እዩ)። ድሕሪ ቀትሪ ካልእ ቅዳሴ ተቀዲሱ ኣብ ደብረ ዘይቲ ቆስጦንጢኖስ ዘስርሖ
ኣብ ኤሊዎና ቤተክርስቲያን ኩለን ኣብያተክርስቲያናት መብራህቲ የብርሃ። ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ድማ ናብ ጌቴሰማኒ ይጓዓዙ። ኣብዚ ድማ
ክሳብ ንጉሆ ጸኒሖም ናይ ዓርቢ ወንጌል ንምንባብ ናብ ጎልጎታ ይምለሱ።
ዓርቢ ወጋሕታ ኩሎም መስቀሉ(ኣብ ኢየሩሳሌም
ዝነበረ ናይ ጎይታ መስቀል እዩ) ናይ ቤተክርስቲያን ኣልባሳት ገይሮም ይስልምዎ። ካብ ሰዓት ሽዱሽተ ክሳብ ሰዓት ትሽዓተ (ካብ
12-3 ድሕሪ ቀትሪ ማለት እዩ) ጎይታ ኣብ ጎልጎታ ኣብቲ ዝተሰቕለሉ ኩሎም ተኣኪቦም ጸሎት የብጹሑ፤ይበኽዩ፤ይሓዝኑ። ሠርክ ምስ
ኮነ ኩለን ኣብያተክርስቲያናት ናብ ናይ ስቅለቱ ቦታ ተጓዒዞም ኣቡኡ ንስቅለቱን መቓቡሩ ዝገልጹ ወንጌላት ይንበቡ። ቀዳም ኣብ ኩሉ
ኣብያተ ክርስቲያናት መብራህቲ ይበርህ።”
ሰሙነ ሕማማት ብፍሉይ ሥርዓት ምኽባር ካብ
ኢየሩሳሌም ተሳለምቲ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከም ዝኣተወ ይግመት። ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ውን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ናብ ኢየሩሳሌም
ምጉዓዝ ሥርዓት ስለዝነበረ ናብኡ ብዝነግዱ ቅዱሳን ናይ እምነት አበው
ኣቐዲሙ ከም ዝኣተወ ይንገረሉ። ቅዱስ ያሬድ ነዚ ሰሙን ዝኸውን ሥርዓት
ምስሩዑ ነዚ ብዝበለጸ የጠናኽሮ (ግ.ሐዋ 8፡23-28)።
ንመጀመርታ ግዜ ከምዚ ሕጂ ተሰሪዕዎ ዘሎ ሥርዓት ዘዳለውዎ ናይ ገዳመ መቃርስ
መነኮሳት ከም ዝኾኑ ግብረ ሕማማት ይገልጽ። በዞም ገዳማውያን ኣቦታት ተሓጊዙ ናይ እስክንድርያ ፓትርያርክ አቡነ ገብርኤል ካልኣይ
(1131-1145ዓም) ናትና ግብረ ሕማማት “ጸሓፊ ዝነበረ ኣብ ቅብርያል” ክብል ይገልጾ። ኢብን ቱርያክ ዝብል ተርጊሙ ከይኮነ ኣይተርፍን።
ብናቱ ብምግባር ሊቃውንቲ ንመዓልቲን ሰዓትን ዝኾኑ ምንባባት ካብ ብሉይን ሓዲስን ኣዋጺኦም ኣዳልዮምዎ።
ድሕሪ ዝተወሰኑ ዓመታት ድማ ናይ ብሕንሳ ጳጳስ
ኣቡነ ቡትሮስ ዝንበቡ ምንባባት ንነፍሲ ወከፍ ሰዓታት ብተመጣጣኒ ከፋፊሎም ኩሎም መዓልታት ተመጣጠንቲ ዝኾኑ ምንባባት ከም ዝህልዎም
ገበርዎም። ግብረ ሕማማትና ውን “ካብ ናይ ኦሪትን ነቢያትን፤ካብ ወዲ ነዌ ኢያሱ ካብ ናይ ንጉሥ ሰሎሞን መጽሓፍ ወሲዱ ኩሎም ልክዕ
ክሳብ ዝኾኑ በብሰዓቱ ከም ዝኸውን ገበረ። ኣቦታት ካብ ዝተዛረብዎም ክልተ ክልተ ተግሣጽን ምኽርን ሓደ ኣብ ንግሆ ሓደ ኣብ ምሸት
ከም ዝንበብ ገበረ”ይብል።
ግብረ ሕማማት ናባና መጽዩ ዝተተርጎመ ግብረ
ሕማማት መጽሓፍ ባዕሉ ይገልጾ እዩ። ኣብቲ መጽሓፍ መወዳእታ ብሰላማ
ቶርጓሚ ግዜ (1340 (1380) ኣትዩ ከም ዝተተርጎመ ይገልጽ። ኣብ ግብረ
ሕማማት ዘሎ ንባብ ኣብ ሓደ ሓደ ካብ ናይ ግብጺ ግብረ ሕማማት ብልጫ ዘለዎ ኮይኑ ንረኽቦ። ምኽንያቱ ኣብ
ናይ ግብጺ ግብረ ሕማማት ዘይንረኽቦ ተአምረ ማርያምን ተአምረ ኢየሱስን ሒዙ ዝርከብ ብምዃኑ እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ትርጉምን ምድላዉን
ናይ ሃገርና ሊቃውንቲ ስራሕ ከም ዝነበረ ዘመልክት እዩ።
ኣብ ሰሙነ ሕማማት፥
1, ብዘይካ ጸሎተ ሓሙስ ቅዳሴ ኣይቅደስን እዩ።
2, ስብሐተ ነግህ ኣይበጽሕን እዩ።
3, ፍትሓትን ስርየትን ኣይግበርን እዩ፡
4, ኣብ ሰሙነ ሕማማት መስቀል ኣይንሳለምን ኢና። ትእምርተ መስቀል’ውን ኣይንገብርን ኢና።
5, ኣብዚ ሰሙን እዚ ቅዳሴ ስለ ዘይፍጸም ጥምቀተ ክርስትና’ውን ኣይፍጸምን እዩ።
ካልእ ኣብዚ ዘይጠቐስናዮ ብዙሕ ኣብዚ ሰሙን እዚ ክፍጸሙ ዘይግብኦም ነገራት ውን ኣለዉ።
ብመሰረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብዚ ሰሙን ማለት ካብ ሰኑይ ድሕሪ ሆሳዕና ክሳብ ቀዳም ቅድሚ ትንሳኤ ዘለዋ መዓልታት ኩለን ነናተን መዘከርታን ፍጻመታትን ኣለወን። ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር በብሐደ ክንገልጸን ክንፍትን ኢና፥
ሶኒይ
እታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ሰሙነ ሓማምት ሰኑይ፡ ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኦም በለስ ዝረገመላን(ማቴ21፡18, ማር11፡12-14) “ቤተይ ቤት ጸሎት ክብሃል እዩ።ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉት ገበርኩምዎ..”ኢሉ ነቶም ዝሸጡን ዝሻየጡን ዝነበሩ ሰጒጉ ንቤት መቕደስ ዘንጽሃላን መዓልቲ እያ(ማቴ21፡12-17, ማር11፡15-19, ሉቃ19፡45-48, ዮሓ2፡13-22)።
ኣብ ሰሙነ ሓማማት ዘላ ሰኑይ፥
1) ጎይታ ንኦም በለስ ዝረገመላ መዓልቲ እያ
ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕለት ሰንበት ኣድጊ ተወጢሑ ድሕሪ ናብ ቤተ መቕደስ (ኢየሩሳሌም) ምእታዉ፡ በቲ ዕለት እቲ ናብ ቢታንያ ተመሊሱ ሓደረ (ማቴ21፡17,ማር11፡11)።
ንጽባሒቱ ንግሆ ማለት ሰኑይ ከም ብሓድሽ ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሰ ክምለስ ከሎ ጠመየ እሞ ኣብቲ ጥቓ መገዲ ሓንቲ ኦም በለስ ረኣየ እንተኾነ ፍረ ደልዩ ከዳ ንሳ ግን ቆጽሊ ምእበር ፍረስ ኣይነበራን፡”ንሓዋሩ ካባኺ ፍረ ኣይረኸብ” ኢሉ ረገማ እታ በለስ ከኣ ነቐጸት(ማቴ21፡18-21)።
ወንጌላዊ ማቴዎስ እታ ኦም በለስ ብዛዕባ ምንቃጽ ናይታ በለስ ክዛረብ ከሎ ዕለት ሰኑይ ከም ዝነኾነ፡ ወንጌላዊ ማርቆስ ግና ሰሉስ ከም ዝኾነ ይገልጽ፡ እዚ ከመይ እዩ እንተበልና ማቴዎስ ሰኑይ ተረጊማ ምንቃጽ ስለ ዝጀመረት ሰኑይ በለ(ማቴ21፡19)፡ ማርቆስ ከኣ ሰሉስ ንግሆ ክምለሱ ከለዉ ካብ ሱራ ነቒጻ ተመንቂሳ ስለ ዝረኣይዋ ሰሉስ ከምዝነቐጸት ገይሩ ጽሓፈ። ምኽንያቱ ዑደት ሆሳዕና ሰንበት(እሑድ) ስለ ዝነበረ እዩ(ዮሓ12፡1-3)።
ማርቆስ ወንጌላዊ “እስመ ኢኮነ ግዜሁ ለበለስ” ግዜ ፍረ በለስ ኣይነበረን ይብል(ማር11፡13) ዮሓንስ ኣፈወርቅ ድማ “እስመ መዋዕለ ክረምት ውእቱ” ጊዜኡ ወርሓት ክረምቲ ነበረ ይብል(መጽሓፍ ግብረ ሕማማት)።ጎይታ ፍረ ከም ዘይነበራ ይፈልጥ’ዶ ኣይኮነን እንተበልና፡ ይፈልጥ እባ እንተኾነ፡
1)ነቲ ሕቡእ ዘይፈልጥ ዝነበረ ባህርይ ሰብነቱ ምኽንያት ክህብ ኢሉ እዩ እምበር ሕቡእ ዘይፈልጥ ኮይኑ ኣይኮነን (ከም ዝብል ቅዱስ ቄርሎስ ሃይማኖት ኣበው75፡3,
79፡32)። ከመይ ስጋ ቅድሚ
ምስ መለኮታዊ ቃል ምውህሃዱን፡ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ቅድሚ ምዃኑን ዘይፈልጥ ከም ዝነበረ ንምብራህ እዩ። እንተኾነ ግን ድሕሪ ዕለተ ተዋህዶ ስጋ ብተዋህዶ ናይ ባህሪይ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ድሕሪ ተዋህዶ ኣይፈልጥን እዩ ኣይበሃልን።
2) ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ክምህር ከሎ ፍቕሪ ሰብ ጠመየ፡ ኣብዚ ዓለም ቤተ እስራኤል ረኸበ። ኦም በለስ ናይ ቤት እስራኤል ምሳሌ እዩ(ኢሳ5፡1-7,ሉቃ13፡6-9)። ሃይማኖትን ተግባር ጽድቅን ደልዩ
ናብኣ ኸደ። እንተኾነ እስራኤል ምባል ጥራሕ እምበር ፍረ ጽድቂ ኣይረኸበላን፡ ደጊም ካባኺ ንሓዋሩ ጻድቕ ኣይረኸብ ኢሉ ረገማ፡ ጻድቕ ሰብ ተሳእና። በዓል ቅዱስ እስጢፋኖስ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ከምኡ’ውን 144,000 ህጻናት ዝተረኽቡ ካብ ቤት እስራኤልዶ ኣይኮኑን እንተተባህለ፡ ብዘይካ እዚኣቶም ማለቱ እዩ
(ራእ14፡1)።
3) ጎይታ ሰብ ኮይኑ ኣብዚ ዓለም ክምህር ከሎ ፍቕሪ ሰብ ጠመየ፡ ሓጢኣት ከኣ ኣብዚ ዓለም ሰልጢና ረኣያ። ፍረ በለስ ክትበልዖ ንግዚኡ ጥዑም እዩ፡ ድሓር ግና ይጉምድድ እዩ። ሓጢኣት ድማ ንግዚኡ ክትፍጽሞ ደስ የብል እንተኾነ ኣብ መወዳእታ ግና ዘጣዕስ እዩ። ናብታ በለስ ፍረ ደልዩ ምስ ከደ ኣይረኸበላን። ጎይታ’ውን ሓጥእ ድኣ ተባህለ እምበር ሓጢኣትስ ኣይገበረን(ዮሓ8፡46,
1ጴጥ2፡22,ዮሓ9፡24፣ ኢሳ53፡9)። ደጊም ንዘለኣለም ብሓጢኣት ዝኹነን ኣይረኸብ ኢሉ ረገማ። ዮሓንስ ኣፈወርቅ “ብመንጽር ኦም በለስ ንሓጢኣት ረገማ” ኢሉ ተርጊምዎ ኣሎ።
2)ጎይታ ንቤት መቕደስ ዘንጽሃላ መዓልቲ እያ
ብድሕሪ እዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ቤት መቕደስ እግዚኣብሔር፡ ኣብ ክንዲ መስዋእትን ጸሎትን ዝዓርገሉ፡ ቤት ሸቐጥትን መሽረፍትን ኮይኑ ስለ ዝጸንሖ ኣብቲ ቤት መቕደስ ኣትዩ ነቶም ዝሸጡን ዝሻየጡን ዝነበሩ ኩሎም ሰጎጎም ጠረጴዛታት መሽረፍትን መናብር ሸየጥቲ ርግብንውን ገልበጠ። “ ቤተይ ቤት ጸሎይ ክበሃል እዩ” ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉት ገበርኩሞ” (ማቴ21፡12-17, ማር11፡15-19, ሉቃ19፡45-48,ዮሓ2፡13-22) ኢሉ፡ ንኹሉ
እቲ መሻየጢ ሰደቓታቶም ገላቢጡ፡ ንዕዳጋኦም በቲኑ ብጭጉራፍ ገይሩ ሰጎጎም። ስለዚ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቤት መቕደስ ዘንጽሃላ ዕለት ስለዝኾነት፡ ንሕና ድማ ኩላትና ቢተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ንጽሕትን ህፍቲ ዘይብላን ምዃና ፈሊጥና ንቤተ መቕደስ ህያው እግዚኣብሔር ከነኽብራን ክንከናኸናን ከምዘለና ከምኡ ውን ናብ ቤተ መቕደስ ክንከይድ እከለና ካብ ኩሉ ነገር ነጺህና፡ ካብ ቂምን በቀልን ርሒቕና ክንከይድ ከም ዝግበኣና እተዘኻክር መዓልቲ እያ።
እብ ሕማማት ዝርከብ ቃላት፣
ኣብ ግብረ ሕማማት ናብ ግእዝ ይኹን ናብ ትግርኛ
ዘይተተርጎሙ ከም ዘለውዎ ናይ እብራይስጥ፤ቅብጢን ግሪክን ቃላት ይርከብ።
ናይዞም ኣብ ውሽጢ ሕማማት ንጥቀመሎም ቃላት ትርጉም ቀጺልና ክንገልጾም
ኢና።
ኪርያላይሶን
ቃሉ ናይ ግሪክ ክኸውን ከሎ ኣጸዋውዕኡ “ኪር½
ኤሌይሶን” እዩ። “ኪርያ” ማለት “እግዝእትነ” ማለት ኮይኑ “ኪር½” ማለት ድማ “እግዚኦ” ማለት እዩ። ክጽዋዕ ከሎ “ኪር½ ኤሌይሶን” ክበሃል ኣለዎ። ትርጉሙ “እግዚኦ መሓረና”
ማለት እዩ። “ኪርያላይሶን” ኢልካ ምጽዋዕ ካብ ብልምዲ እዩ። እዚ ድማ ኪር½ ካብ ዝብል “½”ኤሌይሶን ካብ ዝብል ድማ “ኤ” ብምስሓቦም ብትግርኛ “ያ”ን ፈጢሮም።
ናይናን
ናይ ቅብጢ ቃል ኮይኑ ትርጉሙ “ መሐረነ፡መሓረና”
ማለት እዩ።
እብኖዲ
ናይ ቅብጢ ቃል ክኸውን ከሎ ትርጉሙ “አምላክ” ማለት እዩ። “እብኖዲ ናይናን” ክበሃል ከሎ “ኦ አምላክ
መሓረና” ማለት እዩ።
ታኦስ
ናይ ግሪክ ቃል እዩ፤ትርጉሙ ድማ “ጎይታ፡አምላክ” ማለት እዩ። “ታኦስ ናይናን” ማለት ድማ “ኦ
ጎይታ መሓረና” ማለት እዩ።
ማስያስ
ናይ እብራይስጥ ቃል ክኸውን ከሎ ትርጉሙ ድማ
“መሲሕ” ማለት እዩ። “ማስያስ ናይናን” ክብል ከሎ ድማ “ኦ መሲሕ መሓረና” ማለት እዩ።
ትስቡጣ
“ዴስፖታ” ካብ ዝብል ናይ ግሪክ ቃል ዝወጸ
ክኸውን ከሎ ትርጉሙ “ርሕሩሕ
ገዛኢ” ማለት እዩ።
ኣማኑኤል
እዚ ቃል ካብ ዕብራይስጥ ዝተወስደ ኮይኑ ትርጉም
ኣምላክ ምሳና ኮነ ማለት እዩ “አማኑኤል ናይናን” ማለት “ኦ ምሳና ዝኾንካ ኣምላኽ ምሓረና” ማለት እዩ።
ኢየሱስ
እቲ ቃል ናይ ግሪክ ኮይኑ መድኃኒት ማለት
እዩ “ኢየሱስ ናይናን” ማለት “ኦ መድኃኒት መሓረና” ማለት እዩ።
ክርስቶስ
ክርስቶስ ማለት ካብ ግሪክ ዝተረኽበ ቃል ኮይኑ
“ቅቡእ ክቡር ማለት እዩ። ክርስቶስ ናይናን” ማለት “ ኦ ክቡር መሓረና” ማለት እዩ።
አምነስቲቲ
ሙኪርያቱ አንቲ ፋሲልያሱ
Em-nees the-tee mo-ki-riey
enti vasilia so
ናይ ቅብጢ ቃል ክኸውን ከሎ ትርጉሙ “ተዘከረነ
እግዚኦ በውስተ መንግሥትከ- ኣብ ትመጽእ መንግሥትኻ ዘክረና” ማለት እዩ።
አምነስቲቲ
መዓግያ አንቲ ፋሲልያሱ
Em-nees the-tee mo-a-geh-e enti vasilia so
ናይ ቅብጢ ቃል ክኸውን ከሎ ትርጉሙ “ተዘከረነ
ኦ ቅዱስ በውስተ መንግሥትከ-ኦ ቅዱስ ዝኮንካ ኣብ ትመጽእ መንግሥትኻ ዘክረና” ማለት እዩ።
አምነስቲቲ
ሙዳሱጣ አንቲ ፋሲልያሱ
Em-nees the-tee
mo-zess-pota enti vasilia so
ናይ ቅብጢ ቃል ክኸውን ከሎ ትርጉሙ “ ተዘከረነ እግዚኦ ኩሉ
በውስተ መንግሥትከ- ልዕሊ ኩሉ ዝኾንካ ኣብ መንግሥትኻ ዘክረና” ማለት እዩ።
ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!
No comments:
Post a Comment