Wednesday, April 15, 2020

ሰሙነ ሕማማት ረብዕ

መቐጸልታ ጾም….

ርያላይሶንርያላይሶን፡  ኪርያላይሶን!!!

ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዓለም ብሓጺር ቁመት ብጸቢብ ደረት ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር ስለዝነበረ ኣይሁዳውያን ብዙሕ እዋን ክሕዝዎን ክቐትልዎን ይሓስቡን ይደልዩን እኳ እንተነበሩ ክኾነሎም ግን ኣይከኣለን  ምኽንያቱ ድማ ጐይታ ተሰቒሉ ንዓለም ዘድሕነላ መዓልትን ሰዓትን ስለ ዘይ ኣኸለ እዩ።   ጎይታ ጊዜይ ገና ኣይበጽሐን” “ጊዚኡ ስለዘይኣኸለ እናበለ ገሊጹ እዩ።
   እዛ ዕለት እዚኣ ኣይሁድን ሊቃነ ካህናትን ጸሓፍትን ንጐይታ ከመይ ገይሮም ከም ዝሕዝዎ ምኽሮም ዝፈጸሙላ ዕለት ስለዝኾነት ዕለተ ምኽረ ኣይሁድ (መዓልቲ ምኽሪ) ተባሂላ ትጽዋዕ። እቶም ሊቀነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ብሊቀ ካህናት ቀያፋ ተመሪሖም ጉባኤ ኣኪቦምኩሉ ሰብ ካብ ዝጠፍእ ሓደ ሰብኣይ እንተሞተ ይሓይሽኢሎም  ወሰኑ (ማቴ 261-5, ማር141-2, ሉቃ 221-2, ዮሓ1145-53)

2, ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት ስምኦን ብሓንቲ ሓጥእ ሰበይቲ ብቅዱይ ሽቱ ዝተቐብኣሉ መዓልቲ እዩ።



  እዛ መዓልቲ እዚኣ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቢታንያ ኣብ እንዳ ስምኦን ዝተባህለ ሰብኣይ  ምስ ኣተወ ብሓንቲ ማርያም ዝተባህለት ሓጥእ ሰበይቲ ሓደ ፍርቂ ኣበስንቲ ዝኸውን ቕዱይ ሽቱ ወሲዳ ዝቐብአትሉ፡ ብንብዓት ኣእጋር ጎይታ ሓጺባ፡ ብጸጉሪ ርእሳ ገይራ ዝደረዘትሉ መዓልቲ እዩ። እታ ሓጥእ ሰበይቲ ንጎይታ በቲ ክቡር ሽቶ ገይራ ክትቀብኦ እንከላ እቲ ዘትሕዞ ይሁዳ ተሓዚ ማሕፉዳ ስለዝነበረ ካብኡውን የልዕል ስለዝነበረ እዚ ክቡር ሽቱ እዚሲ ተሸይጡ ንድኻታት ዘይውሃብ ኢሉ ብተንኮል ዝተዛረበሉ ዕለትውን እዩ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ንተንኮሉ ፈሊጡ ንመዓልቲ ቀብረይ ዘዳለወቶ እዩ ሕደጋ ድኻታትሲ ኩሉ ግዜ ምሳኹም ኣለዉ  ንኣይ ግና ኩሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም ኢሉ ብምግሳጽ፡ ነቲ ንሳ ዝገበረቶ ሰናይ ተግባር ብምንኣድእዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኩላ ዓለም እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ከም ዝንገር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹበሎም (ማቴ266-13, ማር 143-9, ዮሓ121-8) እዚ ዘረድኣና እቲ ሰናይ ዝገብር ኩሉ ግዜ እናተዘከረ ከም ዝነብር፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርውን ሞጎስ ከም ዝረክብ፡ ዓስቡውን ከም ዝቕበል  እዩ እሞ፡ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣብታ ትመጽእ መንግስቱ ክዝክረና ምእንታን፡ ሰናይ ነገር ክንገብር ይግብኣና ኣዩ።  

3, ይሁዳ ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላሳ ዲናር ክሸጦ፡ ዝተዋዓዓለሉ መዓልቲ እዩ።




  ይሁዳ፡ እታ ሓጥእ ማርያም እናበኸየት ክቡር ጨና ኣብ ርእሲ ጐይታ ከተፍስስ ከላ እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ጥፍኣትከ ንምንታይ እዩ፧ተሸይጡስ፡ ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ ኢሉ ደንጋጺ ድኻ መሲሉ ብምቕራብ ኣብ ውሽጡ ንዝነበረ ፍቅረ ንዋይ ኣግሂዱ ዝተዛረበ እዩ። እቲ ዘቕረቦ ሓሳብ ቅቡል ኮይኑ ስለዘይተረኽበን፡ ነቲ ብምሻጥ ጨና ክረኽቦ ዝኽእል እሞ ዝሰኣኖ ገንዘብ ክከሓስ ኣብ ልቡ ዝሓደረ ፍቅረ ንዋይ ኣገዲድዎ ናብቶም ጸላእቲ ጐይታ ከደ። ይሁዳ ጸሓፍቲ ፈሪሳውያን ኣብ ልዕሊ ጐይታ ክቱር ጽልኢ ከም ዘለዎምን፡ ክሕዝዎውን ይደልዩ ከም ዝነበሩ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ስለዝነበረ ናብኣቶም ከይዱኣነ ንኣኻትኩም ኣሕሊፈ ክህቦስ እንታይ ትህቡኑበሎም። ንሳቶም ከኣ ሰላሳ ቕርሺ ብሩር ሃብዎ (ማቴ 2614-16, ማር1410-11, ሉቃ223-6) በዚ ዘይጠቅም ገንዘብ ድማ ነቲ ናይ ነገስታት ንጉስ፡ ናይ ጎይታት ጎይታ ዝኾነ ምድሃኔ ኣለም ክርስቶስ ናብቶም ጨካናት ኣይሁድ ኣሕሊፉ ሃቦ። ሎሚ ውን  ከም ይሁዳ ንቤተክርስቲያንን ኣገልገልታን ንኽፉእ ኣሕሊፎም ዝህቡ ኣይተሳእኑን መወዳእትኦም ግና ጥፍኣት እዩ። ስለዚ ኩላትና ካብ ክፍኣተ ግብሪ ርሒቕና ንቤተክርስትያንን ንኣገልገልታን ከነኽብር ይግብኣና።

 እዛ መዓልቲ እዚኣ እምበኣር ኣይሁዳውያን፡  ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክቐትልዎ ተሰማሚዖም  ዝወሰኑላ መዓልቲ ስለዝኾነት፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንጾመ ድኅነትኢላ መዓልቲ ሮቡዕ በብሰሙኑ ክትጽወም ከም ዘለዋ ኣዊጃ  ትርከብ።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር                 
ኣሜን!!!

ይቅጽል.....................



No comments:

Post a Comment