መቐጸልታ ሰናብቲ ዓቢ ጾም….
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ዝኸበርኩም ህዝበ ክርስቲያን መቐጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ ጽሑፋትና ልሚ’ውን ካብ ዘወረደን፣ ቅድስትን፣ ምኩራብ ተኸቲላ እትመጽእ ራብዕይቲ ሰንበት፣ካብተን ሸሞንተ ሰናብቲ ናይ ዓቢይ ጾም ኣምላኽና እግዚኣብሔር ብመገዲ ጽሑፍ ክምህረና እዩ እሞ። ሰናይ ምክትታል ይግበረልና። ኣሜን!!!
መጻጉዕ ብዝብል ስም በቲ ናይ ቤተክርስቲያን ሊቅ ዝኾነ ቅዱስ ያሬድ ዝተሰምየት እያ።እዚኣ ራብዐይቲ ሰንበት ኮይና በዛ ቅድስት ዕለት ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ስለ ዝገበሮ ብዙሕ ተኣምራት፡ትምህርትን፣ዘሕወዮም ድኑሳትን ሕሙማትን ዝስብኸሉ እዩ።
እቲ ቃል ከምዚ ይብል ”ድሕሪ እዚ ድማ በዓል ኣይሁድ ኮነ፡ኢየሱስ እውን ናብ ኢዮሩሳሌም ደየበ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ጥቓ ኣፍደገ ኣባጊዕ ከኣ መጠመቒ (ጱሩጳቄ) መሕጸቢ ማይ ጸሎት ነበረ። ጱሩጳቄ ማለት ናይ ፈውሲ፡ ናይ በዓል ‘ናይ መስዋእት ናይ ጉባኤ ቦታ ማለት እዩ። ቅልንብትራ እትብሃል ከኣ ብእብራይስጢ ከኣ ቤተሳይዳ ትብሃል፣ እዚ ድማ ቤተመድሃኒት ማለት እዩ። እዚ ቦታ እዚ ኣባጊዕ ዝሕንብሳሉን ዝሕጸባሉን ቀላይ እዩ። ኣብዚ ሕሙማት ዝድቅስሉ ሓሙሽተ መደብ ነበሮ። እቶም ዝተፈለለየ ሕማማት ዝነበሮም ማለት (ዕዉራት፡ለምጻማት፡ሓንካሳት፡ኣካሎም ዝነቐጸ፡ ኣካሎም ዝለመሰን) ናይቲ ማይ ምንዋጽ ይጽበዩ ነበሩ። ከመይ መልኣኽ እግዚኣብሔር ናብ’ቲ ማይ ጸሎት ኪወርድ ከሎ እቲ ማይ ይናወጽ ነበረ። ድሕሪ እቲ ምንዋጽ ናይቲ ማይ፣ ኣቐዲሙ ወሪዱ ዝተሓጽበ ሕሙም ድማ ካብ ዘለዎ ኩሉ ሕማም ይሓዊ ነበረ።
እዚ መልኣኽ እግዚኣብሔር ናብዚ ማይ እንታይ ክገብር ይወርድ ነይሩ እንተተባህለ ፡ማያት ክቕድስን መስዋእቲ ከዕርግን ነበረ። እዚ ከኣ ትርጉም ዘለዎ
እዩ። እቲ ማይ ናይ ጥምቀት፣ እቲ መልኣኽ ናይ ካህናት ። እቲ ሓሙሽተ መደብ፡ ናይ ሓሙሽተ ኣእማደ ምስጢር። እቶም ሓሙሽተ ዓይነት ሕማማት ዝነበሮም ከኣ ናይ ሓሙሽተ ምእመናን እዩ። እቶም ሓሙሽተ ጾታ ምእመናን ዝተባህሉ ድማ ኣዕሩግ፡ ወራዙት፡ ኣንስቲ፡ ካህናት፡ መነኮሳት እዮም።
ናይቶም ሓሙሽተ ጾታ ምእመናን ጠባይ ከኣ በዚ ዝስዕብ ይግለጽ ።
- ጾር መኖኮሳት ስስዔ እዩ፣ ኣብ ዝደልይዎ ግዜ ስለ ዘይረኸብዎ ነዚ ሓዲጉ ብኣንሳሕስሖ ዘበከንቱ (ዙረት) እንተ ተቓወምዎ ብሓይሊ ጥምቀት ይስዕርዎ፣፣(ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሻብዓይ ክፍሊ ተግሳጥ)።
- ጾር ካህናት ትዕቢት እዩ፣ ኣእምሮና ረቂቕ ማዕርግና ምጡቕ (ልዑል) ብምባል ይዕበዩ ፡ ነዚ ሓዲጉ ብኻልእ ስምዒት እንተተቛወሞም ብሓይሊ ጥምቀት ይስዕርዎ።
- ጾር ኣዕሩግ (ኣረግቶት) ፍቕሪ ገንዘብ እዩ፣ መን ኪረድኣና መን ኪጥውረና፡እናበሉ ገንዘብ ምእካብ ይፈትዉ እዮም፡ ነዚ ሓዲጉ ብናይ ወራዙት ስምዒት ብዝሙት እንተ ተቓወሞም ብጸጋ ጥምቀት ይስዕርዎ።
- ጾር ኣንስቲ ተርእዮ ምንዝርና እዩ፣ ነዚ ሓዲጉ ብኻልእ ስምዒት እንተ ተቛወመን ብጥምቀት ብዝረኸብኦ ሓይሊ መንፈስ ይስዕርኦ።
- ጾር ወራዙት ዝሙት እዩ፣ ነዚ ሓዲጉ ብፍቕሪ ገንዘብ እንተ ተቛወሞም ብጥምቀት ብዝረኸብዎ ሓይሊ መንፈስ ይስዕርዎ።
ኣብዚ
ወንጌል ዮሓ 5፣5 ተገሊጹ ከም እንረኽቦ፣ ካብ ዝሓምም 38 ዓመት ዝገበረ ሰብኣይ ነበረ ይብል
፣፣ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዚ ሰብ እዚ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ምስ ረኣዮ፣ ነዊሕ ከም ዝሓመመ ፈሊጡ “ክትሓዊዶ ትደሊ ኢኻ” በሎ፣፣ እቲ ሕሙም ከኣ “ጎይታይ እቲ ማይ ምስ ተናወጸ ናብቲ ቀላይ ዘውርደኒ ሰብ የብለይን ኣነ ክሳዕ ዝመጽእ ድማ ካልእ ቀዲሙኒ
ይወርድ” ኢሉ መለሰሉ፣፣ ኢየሱስ ከኣ “ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ድማ ብኡንብኡ ሓወየ፣ ዓራቱ ኣልዒሉ እውን ከደ፣፣
ጎይታናን
ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ን38 ዓመት ኣብ ዓራት ዝደቀሰ ሰብ ሓቲትዎ “እወ” ዝብል ምላሽ ከምዝህቦ ይፈልጥዶ ኣይኮነን እንተ በልና፣ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ዝገበረ ስለ ክልተ ነገር እዩ ኔይሩ እዚ ከኣ፥
- ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈልጥ እኳ እንተኾነ ስርሑ ግን ብዘይ ምኽንያት ኣይሰርሕን እዩ።
- ብኻልኣይ ከኣ ነቲ ሕሙም ብድልየቱ እምበር ብግደታ ከም ዘይ ኣሕወዮ ንምግላጽ እዩ። ስለዚ እዚ ነገር እዚ ከፍልጥ ነቲ ዝሓመመ ሰብ “ክትሓዊዶ ትደሊ ኢኻ” ዝብል ሕቶ ዘቕረበሉ፣ በዚ ከኣ እቲ ዝሓመመ ምርጭኡ ምሕዋይ ምዃኑ ብገዛእ ልሳኑ ምስ መስከረን ምስተዛረበን ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ብኣምላኻዊ ቃሉ “ተንስእ’ሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ” በሎ፣፣ እታ ን38 ዓመተ ተሰኪማቶ፣ ጸይራቶ እምበር ተሰኪምዋ ኮነ ጸይርዋ ዘይፈልጥ ዓራት በቲ ግዜ ግን ኣምላኽ ንጭንቀቱ፣ ንድኻሙን ምድናሱን ርእዩ ምሕረት ገበረሉ፣ ካብ ዓራት ምድቃስን ካብ ኢድ ሰብ ምጽባይ ተገላገለ። ን ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽና ክብርን ምስጋና ይኹኖ!!! ኣሜን።
ጎይታናን
ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ክትሓዊዶ ተደሊ ኢኻ” ኢሉ ኣብ ዝሓተቶ ግዜ እዚ ሰብ እዚ “ሰብ የብለይን፣
እቲ ማይ ምስ ተናወጸ ከኣ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ” ምባሉ፣ እንሆ እዚ ሰብ እዚ ዘመድ ኣዝማድ ስለ ዘይነበርዎ፣ ሓይሉ ድኹም ክትንስእ ኮነ ክንቀሳቐስ ስለ ዘይክእል፣ እሞ ከኣ ኣብቲ ክሓውየሉ ዝኽእል ግዜን ሰዓትን ስለ ዝሓልፎ፣ እቶም ብቕሩብ ብጉልበቶም ካብኡ ዝሕሹን፣ እቲ ማይ ኣብ ዝናወጸሉ ግዜ ቤተሰቦም ብሓይሊ ጉልበት ተሰኪሞም ናብቲ ማይ ዘእትውዎም ስለ ዝቕድምዎ ንሱ እውን ከይ ሓወየ ነዊሕ ግዜ ስለ ዝገበረ፣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝመጻሉ ግዜ ናብቲ ማይ መታን ከእትዎ እዩ፣”ሰብ የብለይን “ዝብል ቃል ዝመለሰ።
እንተኾነ
እቲ ልብን ኮላሊትን ዝምርምር ኣምላኽ ንሽግሩ፣ ንድኻሙ ተረዲኡ ካብኩሉ ሕማሙ ድኣ ነጻ ገበሮ፣፣ እዚ ዝኾነሉ ዕለት፣ ሰንበት ነበረ። እቶም ኩሉ ግዜ ብተንኮልን ክፍኣትን ዝተመልኡ ጸሓፍቲ ፈሪሳውያንን ሊቃውንቲ ኣይሁድን፣ እዚ ሰብ እዚ እታ ን38 ዓመት ጸይራቶ እትነብር ዝነበረት ዓራት ተሰኪሙ ክኸይድ ከሎ ተጓነፍዎ፣፣ ንሳቶም
ነዚ ምሕረት እዚ ብምርካቡ፣ማዕረ ሰቡ ኮይኑ ኣእጋሩ ተኺሉ ክጎይን ክንቀሳቐስን
ምስ ረኣይዎ ብልቦም ሕሱም ጓሂ ተሰምዖም፣ ክሕጎሱ’ውን ኣይተራእዩን፣ ኣብቲ ናቱ ሓጎስ ተኻፈልቲ ንምዃን ፍቓደኛታት ኣይነበሩን እኳ ድኣ “ሎሚ ሰንበት
ስለ ዝኾነ ዓራትካ ኣልዒልካ ክትከይድ
ኣይፍቀደልካን እዩ” በልዎ፣፣ ንሱ ግና “ኣቲ ዘሕወየኒ እዩ ‘ዓራትካ ኣልዒላካ
ኪድ’ ዝበለኒ” ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ከኣ “እቲ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ ዝበለካ ሰብኣይ መን እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ፣፣ ኣብቲ ቦታ ብዙሕ ሰብ ስለ ዝነበረ፣ ኢየሱስ
ከኣ ድሕር ኢሉ ስለ ዝነበረ፣ እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን‘ዘሕወዮ ዘይምፍላጡ ስንፍና እዩ’። ብድሕሪ’ዚ ኢየሱስ ነቲ
ዝሓወየ ሰብኣይ ኣብ ቤት መቐደስ ረኸቦ እሞ “እንሆ ሓዊኻ
ኣለኻ ካብዚ ዝገድድ ከይረኽበካ፣ መሊስካ ሓጢኣት ኣይትግበር”በሎ ።
ካብዚ
ዝገድድ እንታይ ኣሎ እንተ በልና? እቲ ናይ
ቅድም ደዌ ስጋ እዩ፣
እዚ ናይ ሎሚ ግና ደዌ ነፍሲ እዩ። እዚ ሰብ እዚ በደል ምፍጻሙ ከኣ ኣይተረፎን። ብዕለተ ዓርቢ ጎይታናን ኣምላኽናን ኣብ መስቀለ ከሎ፣ ስሌና ጥራሕ ዕራቖቱ ኣብ ዝነበረሉ
ግዜ ብኢዱ ገይሩ ገጹ ከም ዝጸፍዖ እሞ ኢዱ ከም ዝነቐጸት ይንገር። ደዌ ኣርባዕተ ዓይነት ኣሎ ደዌ (ዘዕሴት፣ ደዌ ዘመቅሰፍት፣ ደዌ ዘሓጢኣት፣ ደዌ ዘንጽሕ ) ።
- ደዌ ዘዕሴት ከም ናይ ኢዮብ ወጋ ዘለዎ ሕማም እዩ (ኢዮብ2፣10)።
- ደዌ ዘመቅሰፍት ከም ናይ ሳኦልን ከም ናይ ሄሮድስን ዝመስል ሕማም እዩ (1ሳሙ18፣10,ግ.ሃዋ12፣23)።
- ደዌ ዘሓጢኣት ዝበሃል ከኣ ከምዚ ን38 ዓመታት ተደኒሱ ዝነበረ ሰብኣይ እዩ(ዮሓ5፣መፈ)።
- ደዌ ዘንጽሕ ዝበሃል ከም ናይ ጢሞቴዎስ ብንጽሕና ብትሕርምቲ ዝመጽእ እዩ (1ጢሞ 5፣-)።
ብድሕሪ
እዚ፣ እቲ ሰብኣይ ከኣ ከይዱ እቲ ዘሕወዮ ኢየሱስ ከም ዝኾነ
ንኣይሁድ ነገሮም፣፣ እቶም
ኣቐዲሞም ብምሕዋዩ ክሕጎሱ ዘይተረኽቡ ግናኸ ብመዓልቲ ሰንበት ዓራት
ብምጻሩ ዝጓሃዩ ኣይሁድ፣ እቲ ዘሕወዮን ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ ዝበሎን፣ ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ፈለጡ እሞ ኣሳደድዎ ክቐትልዎ እውን ደለዩ።
ጎይታናን
መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ እናበለ ከኣ መለሰሎም፣
- “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ፣ ኣነ እውን ይዓዪ ኣለኹ”።
- “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ” ማለት ብመዓልቲ ሰንበት በቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ማይ ጸሎት ምኽንያት ሓደ ሓደ ሕሙም የሕዊ ኣሎ፣፣ ኣነ’ውን ስርሔይ ይሰርሕ ኣለኹ፣፣ እዚ ማለት ብመዓልቲ ሰንበት ነታ ንዓሰርተው ሸሞንተ ዓመት ጎቢጣ ዝነበረት ሰበይትን ነዚ 38 ዓመታት መጻጉዕን ከምዘሕወየ ንምግላጽ እዩ(ሉቃስ13፡10-11)።
ስለዚ
ሰንበት ብምስዓሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣምላኽ ድማ ኣቦይ ብምባሉ ንርእሱ ምስ
ኣምላኽ ስለ ዘመዓራረየ ኣይሁድ ክቐትልዉ ይደልዩ ነበሩ፣ ብድሕሪ’ዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ
ከምዚ እና በለ
መለሰሎም ፣ብሓቂ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ ወልድ ነቲ ኣቦ ክገብሮ ብህልውና
ዝረኣዮ እንተ ዘይኮይኑ ካብ ርእሱ ጥራሕ ሓንቲ ነገር እኳ ክገብር ኣይክእልን እዩ፣፣ ከመይ ነቲ ኣብ (ኣቦ) ዝገብሮ ዘበለ ኩሉ ወልድ እውን
ይገብሮ እዩ፣፣ ኣብ ንውዱ የፍቅሩ
እዩ እሞ ብህልውና ዝገብሮ ኩሉ የርእዮ
እዩ። ንስኻትኩም ምእንቲ ክትኣምኑ ክትንደቑ ካብ’ዚ ዝበልጽ ግብሪ ማለት ሕሙም ካብ ምፍዋስ ዝበልጽ ምዉት
ምትንሳእ ከርእዮ እዩ። ኣቦ ንምዉታት ከም ዘተንስኦም ሕያዋን እውን
ከም ዝገብሮም፡ ወልድ’ውን ኣተንሲኡ ነቶም ዝደልዮም ሕያዋን ይገብሮም እዩ፣፣
ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ እንተኾነ ኩሉ
ፍርዲ ንወልድ ሃቦ(ኣብ ፍርዲ ዘበለ ኩሉ ንወዱ ድኣ ሃቦ እምበር ንሱስ ንሓደ እኳ ተገሊጹ ኣይፈርድን እዩ)። ኩሉ ሰብ
ንኣብ ወላዲ ኢሉ ከም ዘኽብሮ፡ ንወልድ ኸኣ ተወላዲ ኢሉ ምእንቲ ከኽብሮ እዩ፣፣ እቲ
ንወልድ ተወላዲ ኢሉ ዘየኽብሮ ግና ነቲ ዝለኣኾ ኣብ እውን ወላዲ ኢሉ ኣየኽብሮን
እዩ። ብሓቂ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ እቲ ንቃለይ
ዝሰምዕ በቲ ዝለኣኸኒ ኣብ እውን ዝኣምን ናይ ዘለኣለም
ህወት ክረክብ እዩ፣፣ ንሱ ካብ ሞት ናብ ህይወት ድኣ ይሰጋገር እምበር ናብ ፍርዲ ናብ ገሃነም ኣይከይድን እዩ። እቶም ምዉታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ (ትምህርቲ ወንጌል ) ዝሰምዕሉ ግዜ ከም ዝመጽእ ግዜኡ ድማ
ሕጂ ከም ዝኾነ ብሓቂ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ፣፣ ምዉታት ተባሂሎም ዘለዉ ምዉታነ ሕልና
እዮም። እቶም ትምህርቱ ሰሚዕም ዝተቐበልዎ ከኣ ትንሳኤ ልቦና
ክትንስኡ እዮም።
ኣብዚ
ዕለተ መጻጕዕ ጐይታ ንዝገበሮ ተኣምራትን ፈውስን ክንዝክር ከሎና ንሕሙማትን ድውያንን ናይ ምሕረትን ፈውስን ዓቢ መንፈሳዊ ጸጋ ክትዕድል ካብ ጐይታ ብሓደራ ዝተቐበለት “መዕረፊት ኣጋይሽ” ቤተ ክርስቲያን እያ። መምህራንን ካህናትን ድማ ብትምህርቶምን ብጸግኦምን ንዝወደቐ ከልዕሉ፤ ንዝተሰብረ ክጽግኑ፤ ንዝሓመመ ከሕውዩ ተጊሆም ሓደራ ጐይታ ክፍጽሙ ይግባእ። ምሕረትን ፈውስን ዘድልየና ምእመናን’ውን ካብ ዝኾነ ጽዩን ባዕድ ኣምልኾ ርሒቕና ትውክልትና ኣብ እግዚአብሔር ብምግባር ብእምነትን ብተስፋን ኣብ ቤተ ክርስቲያን እንተተመላለስና እግዚአብሔር ኣብ ግዚኡን ኣብ ሰዓቱን ባዕሉ ምሕረቱ ክሰደልና እዩ። ንዝተገብረልና ድማ ምስጋና ካብ ምቕራብ ክንቑጠብ ወይ ውን ድኅር ክንብል ኣይግብዓናን እይዉ።
ንባባት፣ ( ዮሓ 5፡2-25 ፣ ያዕ5፡14-መፈ፣ ግ.ሓዋ 3፡1-12፣ ገላ5፡1-መፈ፣) ።
ምስባክ፣ መዝ 41፡1-3
መዝሙር፣ “አምላኩሰ ለአዳም ለዕረፍት ሰንበተ ሠርዐ”
ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!
ይቅጽል.....................