መቐጸልታ ሰናብቲ ዓቢ ጾም….
ሳልሳይ ሰንበት (ምኩራብ)
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ዝኸበርኩም ህዝበ ክርስቲያን መቐጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ ጽሑፋትና ልሚ’ውን ካብ ዘወረደን፣ ቅድስትን ተኸቲላ እትመጽእ ሳልሰይቲ ሰንበት፣ ካብተን ሸሞንተ ሰናብቲ ናይ ዓቢይ ጾም ኣምላኽና እግዚኣብሔር ብመገዲ ጽሑፍ ክምህረና እዩ እሞ። ሰናይ ምክትታል ይግበረልና። ኣሜን!!!
በዛ ቅድስት ዕለት እዚኣ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋእለ ስብከቱ ናብ ቤት ጸሎት ኣትዩ ስለ ዝመሃሮም ትምህርታት፡ ዝፈወሶም ሕሙማን፡ ዝገሰጾም ኣጋንንትን ዝንገረሉ ቅንያት እዩ። ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ እቲ ናይ መጨረሽታ ምኽንያት መምጺኡ ዝኾነ ተበጃውነት ምፍጻሙ፡ ብብዙሕ መገድታት ብቓልን ብግብርን ንብዙሓት ሰባት ብትምህርቱ ኣጸናኒዑ ብዙሕ ናይ ድሕነት፡ ናይ ብስራት፡ ናይ ተስፋ ቃላት ምሂርዎም እዩ። ብዙሓት እውን ካብቲ ዝነበሮም ግጉይ ኣካይዳ፡ ምንዝርና፡ ኣምልኾ ጣዖት፡ ስስዕቲ ወዘተ ተገላጊሎም ብትምህርቱ ቅኑዕ ህይወት ክመርሑ ኣኽኢልዎም እዩ። እቶም ኣንጻር ትምህርቱ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ጸሓፍትን ሊቃውንትን ኣይሁድ ከይተረፉ ካብ ትምህርቱ ብዝተላዕለ ኣዝዮም የድንቕዎ ነበሩ።(ሉቃ2፡47)ነዚ ኩሉ ዘደንቕ ትምህርቱን ተኣምራቱን ምስ ረኣዩ እዮም ከኣ ካብ ቅንኣት ተላዒሎም
ብዙሕ ግዜ ክቐትልዎ ይሓስቡ ዝነበሩ።
ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ቀደም ዘመን “ኣብ ማእከልኩም መታን ክነብር መቕደስ ግበሩለይ”(ዘጸ 25፡8) ኢሉ ዝኣዘዘ ኣምላኽ፡ ንሱ እቲ ሰራዒ ሕጊ ምኳኑ ከፍልጥ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ እናኣተወ፡ ይምህርን ሕሙማት ይፍውስን ነበረ። ቅድሚ ስቕለቱ ዝነበረ ሰሙን፣ ኣብ ቤት መቕደስ ካብ መንፈሳዊ ስራሕ ወጻኢ ናይ ንግድን ሸቐጥን ተግባራቶም ዘሰላስሉ ንዝነበሩ ሰባት እውን ብጩግራፍ እናቀጥቀጠ ኣውጺእዎም እዩ(ዮሓ2፡13-25)። እዚ ከኣ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ንጸሎትን ንምህልላን እምበር ካብኡ ወጻኢ ካልእ ስራሕን ተግባርን ዘይፍጸመሉ ምዃኑ ዘግሃደሉ እዋን እዩ ነይሩ። ቅድም ኣቢሉ ብኣምላኻዊ ቃሉ ንጥበብኛ ሰሎሞን ስለ ቤት መቕደስ ኣብ ዝተዛረበሉ ግዜ፡ ነታ ዝሰርሓ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ኣብኣ ንዝጽለ ጸሎትን ንዝልመን ልማኖን ንዘልዓለም ክሰምዕን መልሲ ክህብን ምዃኑ ቃል ኣትይሉ እዩ (1ነገ 8፡22-መፈ,1 ነገ 9፡1-9)። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ እቲ ትማሊ ንእስራኤላውያን እዚ ቃል ዝኣተወ ኣምላኽ ሎሚ እውን ዘይቅየር፡ ንሓሳባቱ ዘይልውጥ ብዝሃቦ ተስፋ ከኣ ዘይጥዓስ ምዃኑ ኣሚና ኣብታ ብስሙ ዝተሰምየት ቅድስት ቤት መቕደስ ተረኺብና ንኣምላኽ ነመስገን፡ ጸሎት ንገብር፡ ናይ ኣምልኾ ስርዓት ከኣ ንፍጽም። ዝሓለፉ ኣቦታት ብዝመሃሩና፡ ሓዋርያት ብዝሰበኹልና እምበኣር ንሕና ዘምጻእናዮ ሓድሽ ኣይኮነን። ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ ራእይ መጽሓፉ ከምዚ ክብል ተዛቡ ኣሎ፣ “ተንስእ እሞ ነቲ መቕደስ ኣምላኽን ነቲ መሰውእን ዓቅኖ ነቶም ኣብኣ ዝሰግዱ ዘለዉ እውን ፍቐዶም “ (ራእ11፣1)። ስለዚ እምበኣር ኣብታ መሰረትን ዓንድን ዝኾነት ቤት መቕደስ ናይቲ ልዑል ኣምላኽና እግዚኣብሔር ተሰሪትና ክነብር ይግባኣና፣፣ ካብ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ወጻኢ ሕይወት የለን እሞ፣፣ ሕጊ ኣምላኽ ዝፍጸመሉ ኣብታ ኣፍ ደገ ሰማያት ዝኾነት ቤት ኣምላኽ እዩ፣፣
ሎሚ ግን ዓለምና ንቤት ኣምላኽ ገዲፋ ትኹብልለሉ ኣብ ዘላ ግዜ ንሕና ከመይ ዝኾና ሰባት ኴይና ክንጸንሕን ክንህሉን ከም ዝግብኣና ሎሚ ክንሓስበሉን ክነብረሉን ዝግብኣና ግዜን እዋንን እዩ፣፣ ስለ ህይወት ወዓል ሕደር ዘድልዮ ኣይኮነን፣፣ ብርሃን ዓለም፣ ምሩጽ ኣቕሓ ዝተሰምየ ናይ ደማስቆ ሓዋርያ፣ ቅዱስ ጳውሎስ እዚ ብኣርብዓን ብሰመንያን መዓልትና ብጥምቀት ኣቢልና ቤት መቕደስ ኣምላኽ ዝኾነት ሰብነትና ክነርክሳ፣ ካብ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ፣ ማሕደር ርኹሳት ኣጋንንቲ ክንገብራ ከምዘይብልና ገሊጹልና ኣሎ፣ “እቲ ሰብነትኩም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑ’ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞኸ ድኣ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደ ኣካል ኣመንዝራ ክገብሮዶ ይግባእ እዩ፣ ያእ ኣይፈለይን፣፣”እቶም ክልተ ሓደ ኣካል ክኾኑ እዮም” ከም ዝብል ምስ ኣመንዝራ ዝዘመወ ምስኣ ሓደ ኣካል ከም ዝኸውንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እቲ ምስ ጎይታ ሓደ ግና ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ። ካብ ምንዝርና ህደሙ ሰብ ዝገብሮ ሓጢኣት ኩሉ ካብ ሰብነቱ ወጻኢ እዩ ዝገብር፡ ዝምንዝር ግና ኣብ ገዛእ ሰብነቱ እዩ ዝሓጥእ። ሰብነትኩም ቤት መቕደስ ናይቲ ካብ ኣምላኽ ዝተቀበልኩምዎ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣር ናይ ገዛእ ርእስኹም ኣይኮንኩምን፡ ብዋጋ ኢኹም ዝተዓደግኩም፡ ስለዚ ንኣምላኽ ብሰብነትኩም ኣኽብርዎ”(1ቆሮ 6፡15-20)። ስለዚ እምበኣር ንሕና ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣደባብያት ቀራንዮ ጥራሕ ዕራቖቱ ተሰቒሉ፡ ስለ ድሕነትና ብዙሕ መከራ ተቐቢሉ እይው እሞ፣ ንዓና ንደቁ መወዳድርቲ ዘይብሉ ፍጹም ሰላም ከም እንረክብ ዝገበረና ስለ ዝኾና ጽባሕ ኣብታ እንጽበያ ዘሎና ዘለኣለማዊት ናይ ዕረፍቲ ስፍራ ምእንቲ ክንህሉ ሎሚ ኣብታ ብደሙ ዝተምስረተት ቅድስት ቤት ክንህሉ ይግበዓና እይው። ቅዱስ ዳዊት ከም ዝበሎ ኣብ ቤቱ ክንርከብ ኩሉ ግዜ ሃረርታን ፍጹም ፍቓድን የድልየና (መዝ122፡1)። ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ምስ እንህሉ ኢና ከኣ ካብቲ ዘየዕርፍ ምንዋጽ ናይ ባሕሪ ኣብታ መርከብ ተዓቒብና ክንሓልፎን ፣ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ከኣ ናይ ቤት መቕደሱ ፍቕሪ ምእንታን ኣብ ልዕሌና ከዛይደልናን። ካብ ኣብ ቤተክርስቲያን ነይረ ክሰውረና፡ ክሳዕ ፍጻመ ዘመንና ኣብ ቤቱ ጸኒዕና ክንነብር እግዚኣብሔር ብጸግኡ የደግፈና ኣሜን!!
ንባባት፣ (ቆላ 2፡17-መፈ ያዕ 2፡14-መፈ/ ግ.ሃዋ 10፡1-9/ ዮሓ 2፡12-መፈ)
ምስባክ፣ መዝ 69፡9-10
መዝሙር፣ ቦአ ኢየሱስ ምኩራበ አይሁድ ወመሐረ ቃለ ሃይማኖት ወይቤሎሙ ምጽዋተ አበድር
እመሥዋዕት አነ ውእቱ እግዚኣ ለሰንበት ወአቡሃ ለምሕረት እግዚኣ ውእቱ ለሰንበት ወልደ እጓለ እመሕያው ኢትግበሩ ቤተ አቡየ
ቤተ ምስያጥ ቤትየሰ ቤተ ጸሎት ይሰመይ ቦአ ምኩራቦሙ ወገሠፆሙ ያርምሙ አንከሩ ምህሮቶ ሞገስ ቃሉ ወጣዕመ ነገሩ ወሣዕሣዓ
አፉሁ፡፡
ትርጉም፣ ጎይታና ኣየሱስ ናብ ናይ ኣይሁድ ምኩራብ ኣተወ፣ ቃል ሃይማኖት መሃረ፣ ካብ መስዋእቲስ ምሕረት ይፈቱ፣ ጎይታ ሰንበት ኣነ እየ፣ ወዲ ሰቡ ዉን ጎይታ ሰንበት እይው፣፣ ንቤት ኣቦይ ቤት ሸቐጥ ኣይትግበርዎ፣፣ ቤተይ ቤት ጸሎት ይበሃል(ኣንዳበለ ቓል ሃይማኖት ኣስተምሃረ፣)፣ ናብ ምኩራቦም ኣትዪ ስቕ ምእንታን ክብሉ ገሰጾም፣ ንሶም ትምህርቱን፣ናይ ቃሉ ግርማ፣ጣዕሚ ኣዘራርባ፣ ቅልትፍና ኣንደበቱ ኣድነቑ።
ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!
ይቅጽል.....................
No comments:
Post a Comment