Monday, May 18, 2020

በዓለ ትንሳኤ


ስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

 ( ናይ ዕለት ላይፍ "Live" ንምክታታል ነዚ ጠውቁ)

ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን                  በዐቢይ ኃይል ወሥልጣን   አሠሮ ለሰይጣን                 አግአዞ ለአዳም
  ሰላም                          እምይእዜሰ
  ኮነ                            ፍሥሐ ወሰላም።





ሓይዉ እግዚኣብሔር እንዃዕ ናብ ብርሃነ ትንሳኤ ኣብጸሓና። ትንሳኤ ማለት ተንስአ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝተወርሰ ክኸውን እንከሎ ትርጉሙ ከኣ ምትንሳእ ኣተሳስኣ ማለት እዩ። እስራኤል ዘስጋ ዘኽብርዎ ዝነበሩ በዓለ ፋሲካ ካብ ባርነት ግብጺ ናብ ናጽነት ፡ካብ ሓዘን ናብ ሓጎስ  ዝተሰጋገርሉ  በዓል እዩ (ዘጸ 13) ናይ ሓድሽ ኪዳን በዓል ፋሲካ ግን እስራኤል ዘነፍስ ካብ ሓጢኣት ናብ ጽድቂ፡ ካብ ሓሳር ናብ ክብሪ ዝተሰጋገርናሉ ዓቢ መንፈሳዊ በዓል እዩ።
ፋሲካ ብሉይ ኪዳን ንናይ ሓዲሽ ኪዳን ኣማናዊ ፋሲካ ምሳሌ እዩ። እታ ብመሪር መግዛእቲ ፈርኦን ዝሳቐዩላ ዝነበሩ ሃገር ግብጺ ብሲዖል ትምሰል፡ ከመይ ክሳዕ እቲ ጐይታ ዓለም ክርስቶስ ብኣካለ ነፍስ ናብ ሲዖል ወሪዱ ነፍሳት ዘውጽኣላ ግዜ ኵሎም ጽቡቕ ኮነ ሕማቕ ዝገበሩ ሲዖል ይሳቐዩ ብምንባሮም።
እታ ዳሕራይ ዝወረሱዋ ከነኣን ድማ ብገነት ትምሰል ምኽንያቱ እስራኤላውያን ካብቲ ናይ መግረፍትን መግዛእትን ቦታ ወጺኦም ሰላምን ጽጋብን ከም ዝረኸቡ እግዚአብሔር አምላኽ ድማ ነተን ኣብ ሲዖል ዝነበራ ነፍሳት ናብ ገነት ናብ ናይ ጥንቲ ርስቲ ኣቦና አዳም መለሰን።
እስራኤላውያን ካብቲ መቕዘፍቲ በዂሪ መዓት ናጻ ክወጹ ዝኸኣሉ ብደም ናይ እቲ ተባዕታይ ገንሸል ከም ዝኾነ ንሕና’ውን በቲ ኣማናዊ ደም ገንሸል መድኃኒናን ፈጣሪናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ባርነት ነጻ ወጺእና። እቲ ገንሸል ብዘይ ሓንቲ በደል ተሓሪዱ ንእስራኤል ዘሥጋ መድኃኒት ከም ዝኾኖም ጐይታናን ፈጣሪናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከይበደለ ምእንቲ በደልና ከጥፍእ ንሞትና ወሲዱ ሕይወት ሂቡና፡ ኣብ ቀራንዩ ቅዱስ ስጋኡ ብምቊራስ ክቡር ደሙ ብምፍሳስ ካብ ሓጢኣት አድኃነና ካብ ማእሰርቲ ሲዖል’ውን ፈትሓና።
ከምቲ ዮሐንስ መጥመቕ ዝመስከሮ “እነሆ ኃጢአት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል አምላኽ” (ዩሐ. 1፤29) እቲ ናይ ኦሪት ገንሸል ናብ ኣማናዊ ዝኾነ ሓላል ገንሸል ተቐይሩ፡ እቲ ንሰማይን ምድርን ዝፈጠረ አምላኽና አብ ክንዳና ሞተ። አብ ክንድ እቲ ፈራስን በስባስን ዝኾነ ስጋ ገንሸል፡ ቅዱስ ስጋኡን ክቡር ደሙን ሃበና ከምዚ’ውን በለና “ስጋይ ዝበልዐ ደመይ’ውን ዝሰተየ ናይ ዘለዓለም ሕይወት አላቶ፡ አነ’ውን በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ከተስኦ እየ” (ዩሐ. 6፣54) ነቲ ብብልዒ ዘጥፋእናዮ ክብሪ ድማ ስጋኡን ደሙን በሊዕና መንግስቱ ክንወርስ ፍቓድ እቲ ርህሩህ አምላኽ ኮነልና። ካብቲ ዝነበርናዮ ኩነኔ፡ ንሞት ብሞቱ ስዒሩ ካብ ግዝኣት ዲያብሎስ ሓራ አውጸኣና፡ እቲ ሓቀኛ ፍቕሩ ድማ ብወርቅን ብሩርን ዘይኮነስ ብቅዱስ ስጋኡን ክቡር ደሙን አብ ክንዳና በጃ ብምሕላፍ አድሓነና (1ጴጥ. 1፤18-19)። ብዕለት ዓርቢ ከኣ ብዓጸደ ነፍስ ናብ ሲኦል ወሪዱ ነቶም ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳዕ እታ ዕለት ኣብ ሲዖል ዝሳቐዩ ዝነበሩ ነፍሳት ገፊፉ ናብ ገነት ኣእተዎም። “ከምቲ ኩላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ኩላቶም ድማ ብክርስቶስ ሕያዋን ክኾኑ እዮም” (1ይ ቆሮ 15፤22) ብድሕሪ እዚ ሰለስተ ለይትን ሰለስተ መዓልትን አብ ከርሲ መቓብር ድኅሪ ምሕዳር ከምቲ ዝበሎ ብዓቢይ ሓይልን ስልጣንን ካብ ሕቱም መቓብር ተንስአ።
ካብ አዳም አትሒዙ ሞት አብ ደቂ ሰባት ነጊሱ ነበረ፡ ሕጂ ግና ብዕለት ሰንበት ፍርቂ ለይቲ ንሞትን መቃብርን ስዒሩ መግነዝ ፍትሑለይ መቓብር ክፈቱለይ ከይበለ ተንስአ። በዚ ድማ ካብ ባርነት ሓጢኣት ናብ ዘለዓለማዊት ሕይወት መንግሥቲ አምላኽ ኣእትዩና፡ ካብ ሕጂ ንድኃር ግና ሞት ዕዳ ኣይኮነናን እዩ።
ትንሳኤ ክርስቶስ ነዓና በዂሪ ምዃኑን ክርስቶስ ከም ዝተንስአን ደቂ አዳም ኩሎም ከም ዝትንስኡን እቶም ብዓይኖም ትንሳኤኡ ዝረኣዩ ሓዋርያት መሃሩ። ብርሃነ ዓለም አቦና ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንቶስ አብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ከምዚ ይብል “ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ ተቐብረ ኸኣ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዝብልዎ፡ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ’ውን ተንስኤ፡ ንኬፋ፡ ድሓር’ውን ነቶም ዓሰርተው ሓደ ተራእየ፡ ድኅሪኡ ዝበዝኁ ካባታቶም ክሳዕ ሎሚ ዘለው፡ ገሊኣቶም ግና ደቂሶም ዘለው፡ ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝሑ ኣኅዋት ብሓንሳእ ተራእየ። … ሕጂ ግና ክርስቶስ ቦኹሪ እቶም ዝደቀሱ ኮይኑ ካብ ምውታን ተንስአ። ስለዚ ከምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጽአ፡ ከምኡ ከኣ ትንሳኤ ምውታን ብሓደ ሰብ ኢዩ ዝመጽአ። ከምቲ ኩላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኹላቶም ብክርስቶስ ሕያዋን ኪኾኑ እዮም። …” (1ይ ቆሮ. 15፤1-22) አብ ዘመነ ሊቃውንት ካብ ዝነበሩ ናይ አንጾክያ ሊቀ ጳጳስ ቅዱስ ሳዊሮስ “ናይ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ንጽሕት ቅድስት ድንግል ማርያም ምውላዱ፡ ምማቱን ትንሳኤኡን ሥርዓት ንዓና ንምድኃንን፡ ንዓና ካብ ሓጢኣት ንምምላስ ተገብረ። …” ሃይማኖት ኣበው ክፍሊ ሽዱሽተ። መሊሱ’ውን ከምዚ ይብል “ንነፍሱ አብ ሲዖል ኣይሓደጋን። ስጋኡ አይፈረሰን አይበስበሰን፡ ነፍሱ ካብ ስጋኡ አብ ዝተፈለየትሉ ግዜ እግዚአብሔር ቃል ብፍቓዱ ነዚ ሰርሖ። ካብ ዝተፈላለዩ ማለት ካብ ክልቲኦም ካብ ነፍስን ስጋን መለኮታዊ ባህሪይኡ አይተፈለየን። ሓደ ኣካል፡ ሓደ ባህርይ ብምዃን ምስ ነፍስን ስጋን ተዋሓሒዱ ይነብር። ንሱ እግዚአብሔር፡ አብ ኩሉ ዝመልአ እዩ። አብ ሓደ ውሱን ቦታ ዝውሰን አይኮነን እሞ፡ ምስ ስጋ ተዋሓሒዱ ምፍራስን ምብስባስን አጥፍአ። ኣብ መቓብር ዘለዉ ዓጽመ ስጋ ፈሪሶም በስቢሶም ካብ ምትራፍ አድኃኖም። ካብ ዝሞቱ ናይ ጻድቃን ሬሳ ብዙኃት አተንሥአ።” ሃይማኖት አበው ክ.3፤29-30
እግዚአብሔር ወልድ ብፍቕሩ ከድኅነና ምእንቲ ብስጋ ሞይቱ ንፈተውቱ ጻድቃን ብኽብሪ ትንስኤ ከተንስኦምን ከጽድቖምን ምእንቲ፡ ናይ ሞት ሞት (ካልኣይ ሞት) ስዒሩ ተንሰአ (1ይ ቆሮ. 15፤54-55) “ምእንቲ በደልና ተሰቕለ፡ ምእንቲ ከጽድቐና ተንስአ። ከምኡ’ውን ክርስቶስ ብጐይትነት አቦኡ ከም ዝተንስአ ንሕና ተንሲእና ብሓድሽ ሕይወት ምስኡ ክንነብር ኢና” ዝብል ቃል ቅዱስ እግዚአብሔር እዩ።
ምስ ብርሃነ ትንሳኤ አምላኽና ትንሳኤ ልቦና ንተንስእ። ብትንሳኤ ልቡና ተንሲእና ናብ ሰማያዊ መንግስቲ እግዚአብሔር ወረስቲ፡ ናይቲ ቅዱስ ስሙ አመስገንቲ ክንከውን ቕዱስ ፍቃዱ ይኹን።
 ካብ ናይ ጐይታ ትንሳኤ ንደሓር ምሟትን ዘይምሟትን አብ ኢድና እዩ። እቲ ጐይታና ዝደምሰሰልና ኃጢኣት ባዕልና እንተዘይዓዲምናዮ ኣባና ስልጣን የብሉን። ከምቲ ሓዋርያ ያዕቆብ ኣብ መልእኽቱ ዝበለና “ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ” (ያዕ.1፤15) ንዝተሳዕረ ዲያብሎስ ባዕልና ፈቲና እንተፈቒድናሉ ኣብ ልዕሌና ግዝኣቱ ክምስርትን ብመቑሑ ክኣስረናን እዩ። ስለዚ ንሕና ብደም ክርስቶስ ከም ዝተዓደግና ፈሊጥና በታ ጸባብ መገዲ ተመላሊስና ነታ ዘይትኃልፍ ዘለዓለማዊት ርስቲ መንግስተ ሰማያት ወረስቲ ንኹን።

በዓለ ትንሳኤ እምበኣር ነቲ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሞቱ ንሞት ዝሰዒሩ ዝተንስኣሉ እናዘከርና፡ ካብቲ ወዲቕናዮ ዘለና ናይ ሓጢኣት ዓዘቕቲ ምስ ክርስቶስ ክንትንስእ ከም ዘለና ዘዘኻኽር ዓቢ በዓል እዩ እሞ፡ ንኹል እንገብሮ ሓጢኣት ገዲፍና ብመንፈስ ተሓዲስና ምስ ክርስቶስት ክንትንስእ ናቱ ሰናይ ፍቓድ ይግበረለና ። ኣሜን!!!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!

Friday, April 17, 2020

ዓርቢ ስቅለት

መቐጸልታ ጾም….


ሰሙነ ሕማማት (ዓርቢ ስቅለት)

 ናይ ዕለት ላይፍ "Live" ንምክታታል ነዚ ጠውቁ)

ርያ ላይሶን  ርያ ላይሶን  ርያ ላይሶን!!!

ሓሙስ ምሸት እቶም ንጎይታ ዝሓዝዎ ኣይሁዳውያን ንጎይታ ከባጭውሉ ድሕሪ ምሕዳር፡ ንጽባሒቱ ዓርቢ ከይወገሐ ከሎ፡ ጲላጦስ ንጐይታ ናብ ሄሮድስ ለኣኾ፡ ሄሮድስ ድማ መሊሱ ናብ ጲላጦስ ሰደዶ ከምዚ እናገበሩ ኣላገጽሉ። ሊቃነ ካህናትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ከኣ ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ክቐትልዎ ምስክር ሓሶት ይደልዩ ነበሩ። እንተኾነ ብዙሓት ሓሰውቲ መሰኻኽር እዃ እንተቐረቡ፡ ሓንቲ አኳ ኣይረኸቡን። ድሓር ግን ካልኦት ክልተ ቐሪቦም እዚ ሰብ እዚ ንቤት መቕደስ ኣምላኽ ኣፍሪሰ ብሰለስተ መዓልቲ ክሃንጾ እኽእል እየ ኢሉ ተዛሪቡ በሉ። እቲ ሊቀ ካህናት ከኣ ነዚ ዝብሉኻ ዘለዉስ ገለዶ ኣይትምልሰሉን ኢኻ በሎ ኢየሱስ ግና ኣይመለሰሉን። እቲ ሊቀ ካህናት ከኣ ንስኻ እቲ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ኾንካስ ክትነግረና በቲ ህያው ኣምላኽ አምሕለካ ኣለኹ በሎ። ኢየሱስ ከኣ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ በሎ። ድሕሪ እዚ እቲ ሊቀ ካህናት ክዳኑ እናቐደደ እንሆ ይጸረፍ ኣሎ፡ ደጊም ደኣ እንታይ ንስክር ኣድልየና፡ እንታይከ ይመስለኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ ሞት ይግብኦ ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ ኣብ ገጹ ጡፍ በለሉ ገሊኦም ድማ ወቕዕዎ። መሲሕ መን እዩ ዝወቕዓካ፧ እስከ ተነበየልና ኣንዳበሉ ይጸፍዕዎ ነበሩ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ውን እቶም ህዝብን ሽማግለታትን ብሓሶት እኳ እንተኸሰስዎ ንሱ ግና ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን፡ ጲላጦስውን መርሚሩ ሓንቲ እኳ ኣይረኸበሉን ኣነ ካብ ደም እዚ ጻድቕ ሰብ እዚ ንጹሕ እየ ባዕልኹም ትፈልጡ ኢሉ ኣእዳዉ ተሓጽበ። ንሳቶም ግና ይቀተል ይቀተል ኢሎም ጫው ጫው ምስ በሉ  ኣብ በዓሎም ሓደ እሱር ናይ ምፍታሕ ልማድ ስለ ዝነበሮም፡ ንበርባን ወይ ንክርስቶስ ክፍትሓሎም ሓተቶም። ንሳቶም ግና እቲ ሽፍታ በርባን ክፍትሓሎም፡ እቲ ሓንቲ ዘይተረኽቦ  ክርስቶስ ግና ክስቀል መረጹ። በዚ መሰረት ድማ ገሪፎም ንክሰቕልዎ ኣሕሊፉ ሃቦም። ዝኾነ ክጾሮ ዘይክእል መከራ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ኣውረዱ። ካብ ሊቶስጥራ ክሳብ ቀራንዮ ብዘሰቅቕ መከራ ተወስደ። ኣብዚ ክብርቲ መዓልቲ ድማ ኣብ ሞንጎ ሸፋቱ ልክዕ ሰዓት ስድስቱ (ፍርቂ መዓልቲሰዓት ዓሰርተ ክልተ) ኣብ ማእከለ ምድሪ ኣብ ቀራንዮ ተሰቕለ፡ ብገዛእ ስልጣኑ ድማ ክብርቲ ነፍሱ ካብ ክቡር ስግኡ ሰዓት ተስዓቱ ፈለያ። ሰዓት ኃሙሽተ ምስ ኮነ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስን ኒቆዲሞስን ድማ ገኒዞም ቀበርዎ።
ነገረ ስቕለቱ ብኵሎም ወንጌላውያን ዝተመዝገበ ኮይኑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉዕዞ መስቀል ድማ ድንቂ ዝኾነ ስንቂ ህይወት እንረኽበሉ ቃላት ተጻሒፉ ይርከብ። ኣብዚ ክዝርዘር ስለዘይከኣል ድማ ነቲ ቅዱስ መጽሓፍ ምስ ትርጓሜኡ ኣስተውዒልና ነንብቦ።  ብዝተረፈ ግና እዚኣ መዓልቲ ናታ ፍሉይ ስም ከም ዘለዋውን ምጥቓስ ይግባእ እዩ።




 ዓርቢ ስቕለት፦ መድሓኒ ዓለም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በጃ ዓለም ብምዃን ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሰቒሉ ዝወዓለሉ ዕለት እዩ (ማቴ2735, ማር 1521-32, ሉቃ23 26-43, ዮሓ1917-27)
እዚ ዕለት እዚ ዓቢ ዕለት እዩ። ብበደል ኣዳም ናብ ዓለም ዝኣተወ ሞት እተሳዕረሉ፡ ካብ ሞት ናብ ህይወት እተሰጋግረናሉ፡ ካብ መግዛእቲ ዲያብሎስ ሓራ ዝወጻናሉ፡ እቲ ዝቃወመና ዝነበረ ናይ ዕዳ ደብዳቤና ዝተደምሰሰሉ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዝኣተናሉ፡ ትንቢት ነቢያት፡ ተስፋ ኣበው እተፈጸመሉ፡ ገነት ዳግማይ ዝተኸፈተትሉ ዓቢይ መዓልቲ እዩ።
እዚ ዕለት እዚ መስቀል ምልክት ድኅነትና ኣርማ ናጽነትና ዝኾነሉ ዕለት እዩ። ቅድሚ እዛ ዕለት እዚኣ ደቂ ኣዳም ኣብ ዝኸፈአ በደል እንተተረኽቡ ኣብ መስቀል ተሰቒሎም ክሞቱ ይፍረዶም ነበረ። ነዚ ናይ ገበነኛታት መቅጽዒን ምልክት መርገምን ዝነበረ መስቀል፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሙ ቀዲሱ ንምሕረትና ትእምርቲ ሰንደቅ ድኅነትና፡ መመክሒ ክርስቶሳውያን፡ ንዲያብሎስ ንስዕረሉ ሓይሊ ዝገበረሉ፡ ብሞቱ ካብ ሞት ናብ ህይወት ዝተሰጋገናሉ ቅዱስ ንዋይ ገበሮ። በዚ ዕለት ኵሎም ምእመናን ካብ ክፉእ ተግባራት ርሒቖም ካብ እኽለ ማይ ተቖጢቦም ክሳብ ዕርበተ ፀሓይ ማለት ሰዓት ሽዱሽተ ድኅሪ ቀትሪ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክሰግዱን ክጽልዩን ዝውዕልሉ መዓልቲ እዩ።
እዚ ዕለት እዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዚ ዘይብሃል ስቓይን መከራን ዝበዝሖ 13 ሕማማተ መስቀል ተቐቢሉ እዩ። ኣብ መስቀል ኮይኑ’ዉን ዓበይቲ ምስጢራት ዝሓቖፋን መልእኽቶም’ውን ረዚን ዝኾና 7 ቃላት ኣብ መስቀል እንከሎ ዝተዛሪቦ እዩ

  • 13 ሕማማተ መስቀል ዝበሃሉ

 1, ኣክሊለ ሶክ
ካብ እሾኹ ኣኺሊል ተኒጎም ኣብ ርእሱ ደፎኡሉ፣ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም ከኣ፣ ኣብ ቅድሚኡ እናተደፍኡ፣ ዎ ንጉስ ኣይሁድ፣ ከመይ ኢካ ኢሎም ኣላገጽሉ (ማቴ 2729)
    
 2, ተኮርዖ ርእስ

 መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ርእሱ ብዘንጊ ከም ዝተቐጥቀጠ ዝገልጽ እዩ።‹‹ተኰርዖት›› ዝብል ቃል ኩርዐ - ሃረመ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሢ ዝተረክበ ቃል እዩ፡፡ ርእስ  ማለት ድማ ርእሲ ማለት እዩ፡፡ ናይታ ሃገር ገዛኢ ዝነበረ ጲላጦስ “ኣነ ካብ ናይዚ ሰብ ደም ንጹሕ እየ” ኢሉ ኢዱ ድሕሪ ምሕጻቡ ንጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቀጥቂጡ ንካህናት ሓለፍቲን ሽማግለታትን ኣሕሊፉ ሂብዎ ነበረ። ብሕጊ ኣይሁድ ዝተገርፈ ክስቀል ኣይፍቀድን፣ዝስቀል ድማ ኣይግረፍን። ንሱ ጲላጦስ ግን ድሕሪ ምህራሙ ናይ በደል በደል ንክሰቅልዎ ኣሕሊፉ ሓቦም። (ማቴ 2724፤ ማር 1515፤ ሉቃ 2325፤ ዮሐ 1839)፡፡


ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሕሊፉ ምስሃቦም ኣብ ልዕሊ ርእሱ ናይ እሾኽ ኣኽሊል ደፍእሉ። ርእሱ ድማ ብዘንጊ ሃረምዎ። (ማር 1519)፡፡ ኣብ ሲኦል ወዲቑ ብዲያብሎስ ተረጊጹ ርእሱ ዝቕጥቀጥ ወዲ ሰብ ንምድኃን መድኃኔዓለም ክርስቶስ ርእሱ ተቐጥቀጠ። ካብ ርእሱ ብዝፈስስ ደም ድማ ገጹ ተሸፈነ።
    
 3, ተጸፍኦ መልታሕት

   አምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣእዳዎም ብደም ኣጻብዕቶም ብበደል ዝረኸሰ ብኣይሁድ ከም ዝተጸፍዐ ዝገልጽ እዩ። ‹‹ተፀፍዖ›› ዝብል ቃልፀፍዐ  ዝብል ጽፍዒት ሃረመ  ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሥ ዝወጸ እዩ፡፡ መልታሕት ማለት ድማ ገጽ ምዕጉርቲ ማለት እዩ።
ገጹ ብጨርቂ ሸፊኖም ብጽፍዒት ዝሃረመካ መን እዩ? ትንቢት ተዛረበልና እንዳበሉ ኣለጊጾሙሉ። ኣብ ኢድ ዲያብሎስ ወዲቑ ነፍሱ ዝላገጹሉን ኔው ነጀው ከርተት ዝብል ዝነበረ ወዲሰብ  ንከድሕን ኣብ ኢድ ጸላእቱ ኣይሁድ ወዲቑ ከርተት ብምባሉ ብጽፍዒት ሃረምዎ። (ማቴ 2727)፡፡

 4, ተወክፎ ምራቕ

 ርኹሳን ኣይሁድ ሓሶትን ክፍኣትን ብዝመልኦ ኣፎም፡ ብዘጸይፍ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ እቲ ብርሃናዊ ገጽ ጐይታ ጡፍ ምባሎም ዘመልክት እዩ።

 5, ሰተየ ሓሞት

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መልዕልተ መስቀል ኮይኑ ጸማእኩ ምስ በለ መጺጽ ሓሞት ከምዘስተይዎ ዝገልጽ እዩ።
   
 6, ተኣስሮ ድሕሪት

  ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣእዳው ንድሕሪት ከምዝኣሰርዎ ዝገልጽ እዩ።

 7, ተቀስፎ ዘባን

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝባኑ ክሳብ ዝመላለጥን ደም ዝሰርብን ከምዝተገርፈ ዘመልክት እዩ (ማቴ 27፥26)
   
 8, ኃሙሽተ ቅንዋተ መስቀልን እዮም፣ (ሳዶር፣ኣላዶር፣ዳናት፣ አዴራ፣ሮዳስ) ኦዮም ።

ኣብ ገለ መጻሕፍቲ’ውን ተገፍዖ ማዕከለ ዓምድ ፣ተከይዶ በእግረ አይሁድ ፣ ተስሕቦ በሐብል ፣ ወዲቀ ውስተ ምድር፡ ፀዊረ መስቀል፡ ተሰቅሎ ዲበ ዕፅ ዝኣመሰሉ በይኖም ተጻሒፎም ክንረክብ ዝከኣል እኳ እንተኾነ ኵለን ግና በብኣቖጻጽርኡ ኣብተን ሕማማተ መስቀል ዝጥቕለላን ዝጥቀሳን ምዃነን ከነስተውዕል ኣሎና።
 ብዘይካ እዚ ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ብዕለተ ዓርቢ ኣብ መስቀል ኮይኑ ዝተዛረበን ሸውዓተ ቃላት ኣለውዋ፡ ሸውዓተ ቃላተ መስቀል ተባሂለን ድማ ይጽውዓ። ንሳተን ከኣ፥

1. ! ኣቦይ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ኣይትሓዘሎም (ሉቃ 2334)
2. ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ከም እትኸውን ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ (ሉቃ 2343)
3. እንሆ ወድኺ፡ እንሀት ኣዴኻ (ዮሓ 1926-27)
4. ኤሎሄ ኤሎሄ ላማ ሰብቅታኒ (ማቴ 2746)
5. ጸማእኩ (ዮሓ 1928)
6. ኣቦይ ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማዕቝባ ኣለኹ (ሉቃ 2346)
7. ተፈጸመ (ዮሓ 1930)

 ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ምስ ተሰቕለ ብገዛእ ፍቓዱ ነፍሱ ካብ ስግኡ ምስ ፈለየ ሸውዓተ ተኣምራት ተፈጺሞም እዮም። እተን ሠለስተ ኣብ ሰማይ ዝፈጸማ ክኾና እንከለዋ እተን ኣርባዕተ ከኣ ኣብ ምድሪ ዝተፈጸማ እየን።

ኣብ ሰማይ ዝተፈጸሙ ተኣምራት፥

1. ፀሓይ ጸልመተት፡
2. ወርኂ ደም መስለት፡
3. ከዋኽብቲ ረገፉ፡

ኣብ ምድሪ ዝተፈጸሙ ተኣምራት

4. መጋረጃ ቤተ መቅደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ፡

5. ኣእማን ተፈተቱ (ኣኻውሕ ተጨዱ)፡

6. መቓብራት ተኸፍቱ፡

7. ምውታት’ውን ተንስኡ።

እዛ ዕለት እዚኣ እምበኣር ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ምእንታና ክብል ዝረኸቦ ስቓይን መከራን እናዘከርና፡ እቲ ኩሉ ሓጢኣትና ገዲፍና ብንስሓ ተሓጺብና ነቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ መሲልና ብንጽህና ክንነብር ከም ዘለና እተዘኻኽር ዕለት እያ።

ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለቲ ብቓላት ክግለጽን ክንገርን ዘይክእል ውዕለቱ ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ኣሜን!!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!


ይቅጽል.....................