መቐጸልታ ሰናብቲ ዓቢ ጾም….
ሻብዓይቲ ሰንበት (ኒቆዲሞስ)
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ዝኸበርኩም ህዝበ ክርስቲያን እግዚኣብሔር ኣምላኽና ህያዉ እይው እሞ ኣንሆ ጾም ዓቢይ ናብ ሻብዓይ ሰንበት ይከይድ ኣሎ።
ሕጂዉን ከም ዝሓለፈ ትምህርትና፣ ካብ ዘወረድ፣ቅድስት፣ምኩራብ፣መጻጉእ፣ደብረዘይት፣ገብር ኄር ተኸቲላ
እትመጽእ ሰንበት ካብተን ሸሞንተ ሰናብቲ ዓቢይ ጾም ኒቆዲሞስ ተባሂላ ትጽዋዕ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብመንገዲ ጽሑፉ ኣቢሉ ክሙህረና
ኣይዉ እሞ ሰናይ ምክትታል ይግበረልና።
እዚኣ ዓባይ ዕለት ከምተን ዝሓለፋ ሰናብቲ ብናይ ቤተ ክርስቲያና ሊቅ ዝኮነ ማህሌታይ መዝሙር ያሬድ እያ ዝትሰመየት።
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጻሒፉ
ዘሎ እምበኣር እዛ ቅድስቲ ዕለት መበገሲኡ
ብዝያዳ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ ዝጸሓፎ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ 3፡1-20 መበገሲ ብምግባር እይዉ። “ካብቶም ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፥ ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ አሎና፡ በሎ። ኢየሱስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ እንተዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ…….” ዮሓ3:1-3። እዚ ኣቦታትና ብመነጽር መንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ክገልጽዎ ከለዉ በብዓንቀጹ ከምዚ
ይመስል፣ ቅድሚኡ ግን ቅሩብ ደሕሪ ባይታ ናይ ኒቆዲሞስ ክንርእይ።
- ኒቆዲሞስ ብለይቲ ዝመጻሉ ምኽንያት
1ይ: ኣይሁድ ብክርስቶስ ንዝኣመነ ካብ ቤት
ጸለቶም ክሰጉዎ ሕጊ ኣውጺኦም ስለ ነበሩ እሞ እዚ ዝገበረ ከኣ
ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሐ እዩ (ዮሃ9፡22)።
2ይ፡ ኣብ ክርስቶስ ፍጹም እምነት ስለ ዘይነበሮ
እዩ (2ቆሮ3፡14)።
3ይ፡ ውዳሴ ከንቱ ስለ ዝደለየ ማለት ክሳዕ
ሎሚ መምህር እና ተባህለ ነይሩስ ሕጂ ኣብ ክርስቶስ ይመሃር ኣሎ መታን ከይብልዎ እዩ።
ኣብኡ ብምቅጻል “መምህር ብጀካ
እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝኾነ ሰብ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ክገብር ዝኽእል ሓደ እኳ የልቦን እሞ ንስኻ
መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻኻ ንፈልጥ ኢና በሎ።” እዚ ማለቱ “መምህር ክትምህር ኢልካ ካብ እግዚኣብሔር
ኣብ ኣካል ዘእም ኣካል ባህርይ ዘእም ባህርይ ተወሊድካ ከም ዝመጻኻ ንፈልጥ ኢና። ከመይ እግዚኣብሔር ኣብ፣ ኣብ ህልውናኻ ዘሎ፡ ንስኻ እንተ ዘይኮይኑ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ክገብር
ዝኽእል ሓዳ እኳ የልቦን” ንኽብል ዝተዛረቦ ክም ዝኮነ ይግለጽ።
ኣምላኽናን ጎይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ “ካልኣይ ግዜ ዘይተወልደ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይርእያ ብሓቂ ብሓቂ ይብለካ ኣለኹ”
ኢሉ መለሰሉ። ኒቆዲሞስ ከኣ “ሰብ ምስ ዓበየ ከመይ ገይሩ ክውለድ ይኽእል፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ ካልኣይ ክውለድ ይክኣል ድዩ፧” በሎ።
ኒቆዲሞስ ምስ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ክዘራረብ ከሎ ነዚ
ሕቶ እዚ ዝሓተተ መብዛሕቲኡ ግዜ ሰባት ን ነገራት ብዓይኒ ስጋ ስለ እንጥምቶም፣ ኒቆዲሞስ ከኣ ልደተ ስጋ (ናይ ስጋ ልደት ወይ
ምውላድ) ስለ ዝመሰሎ ኣይዉ ነዚ ሕቶ ዝሓተተ። እቲ ዝገርም ሎሚ'ውን ቡዙሓት ሰባት ከም ኒቆዲሞስ ዝደናገሩ ምርኣይና እዩ። ብኸመይ
"ቅድሚ ዓለም ካብ አብ ብዘይ ኣደ ተወልደ ትብሉና" ብኸመይ ከ
እግዚኣብሔር ሰብ ክኸውን ይኽእል? ብኸመይ ሰብ ኣብ ማይ ብምጥላቑ እንደገና ክውለድ ይኽእል? ብምባል ፍጥረታዊ ኣመክንዮ ንምምጻእ ዝጽዕሩ ውሑዳት ኣይኮኑን። ጎይታ ሰማያዊ ነገር ክነግሮ ከሎ ኒቆዲሞስ ግን ምድራዊ ነገር ይዛረቦ ነበረ። ሎሚውን ሰማያዊ ምሥጢር ክንድቲ ዝተረዳእናዮ
ክንነግሮም ከሎና ምድራዊ መረጋገጺ ይደልዩ። ብህጻን ዝኾነ ኣእምሮኦም "ከመይ ኢሉ"
ብምባል ንርእሶም የጨንቑ። ሐዋርያ ጳውሎስ ንከምዚኦም ዝመስሉ ሰባት ከምዚ ክብል ይገልጾም "መንፈስ እግዚኣብሔር ዘይብሉ ሰብ ነቲ ካብ መንፈስ ኣምላኽ ዝመጽእ ኣይቅበሎን እዩ፤ከመይ
ንዑኡ ዕሽነት እዩ፣ብመንፈስ ዝምርመር ስለ ዝኾነ ኸኣ ኪፈልጦ ኣይክእልን እዩ"(1ቆሮ 2፣14)።
ፍቑራተይ! ሰማያዊ ምሥጢር ብምድራዊ ኣመክንዮ ክንርድኦን ክንበጽሖን ኣይከኣለናን እዩ፤ ስለዚ እግዚኣብሔር "ክኸውን እዩ ክግበር እዩ" እንተ ኢሉ "ኣሜን ይኹን ይገበር" ኢልና ክንርታዕ እምበር ርእስና ከነርሕቕ ኣይግባእን ኣይዉ ። ብኸምዚ ንምራሕ እንተያሊና ግን ኣተሓሳስባና እሾክ ኮይኑ ንነብስና ከኣ ትፋኣት ኣይዉ እዩ። “ኢየሱስ ክርስቶስ ጎይታ
እዩ፤ ክርስቶስ መምህር ኮይኑ ካብ እግዚአብሔር ከም ዝመጸ ንፈልጥ ኢና" እንዳበልና ናብ መንፈሳዊ
ርድኢት ከይበጻሕና ዝተረፍና ብዙሓት ኢና። እቲ ዘድሊ ግን ብግብሪ ዝተሰነየ እምነት
ጥራሕ እዩ።
በዚ ቃል”ካብ ማይን ካብ
መንፈስ ቅዱስን ዘይተወልደ (ጥምቀት ክርስትና ዘይተጠመቐ) ናብ መንግስቲ
ኣምላኽ ከም ዘይኣቱ ብሓቂ ብሓቂ ይብለካ ኣለኹ። ነቶም ን’እንጠራጠር ሰባት ከም ወትሩ ቤተ ክርስትያንና ዘየዳግም መልሲ
ትህበሉ እያ እሞ፣ እቲ መልሲ ከምዚ ይመስል፦
ኣዳም ካብ ሕቱም መሬት ዝተወልደ ብኸመይ እዩ፧ ሓመድ ጥራሕ ዝነበረ ድሓር ግን ብኸመይ
የዕጽምቲ፣ ጅማት፣ ናይ ደም መጥንታት.... ወዘተ ዘለዎ ክኸውን ክኢሉ፧ ኣሕዋት ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት መጀመርታ ምስ ነንብብ መሬት መሬት እዩ።
እግዚአብሔር ብኢዱ ምስ ኣዳለዎ ግን ሰብ ኮነ። ሕጂ ድማ ሰብ ኣብ ውሽጢ ማኅፀነ ዮርዳኖስ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ሓድሽ ኮይኑ ይፍጠር።
ነገር ግን እዚ መለኰታዊ ኣሰራርሓ ስለዝኮነ ምድራዊ ትንታነ ክንህብ ኣይከኣለናን እዩ። ስለዚ ኣመንቲ ደኣ እምበር ተጠራጠርቲ ኣይንኹን።
ብርግጽ ሓደ ሰብ ሓድሽ ሕይወት ንምጅማር ነቲ ኣረጊት ሕይወቱ ክድርብዮ ናይ ግድን ኣይዉ። እዚ ምእንቲ ክኸውን ድማ እቲ ኣረጊት ሰብነቱ ክመውት
ኣለዎ። እዚ ዝፍጸም ድማ ብመንገዲ ጥምቀት እዩ! (ሮሜ 6፣4-5)። በዚ ድማ እግዚአብሔር ዝኣተወልና ናይ ትንሣኤ ተስፋ ከም
ዕርቡን ንቕበል (2ቆሮ1፣22)።
ጥምቀት ብማይ ዝኮነሉ ምስጢሩ ዓሚቅን እኳ እንተ ኾነ፣ ከምቲ ካብ በሓሪ ብጭልፋ ከም ዝበሃል፣ ብዛዕቡ ቅሩብ ክንርእይ
ክንፍትን።
1. "ጽሩይ ማይ ክረጭወልኩም እየ፣ክትጸርዩ ኢኹም" ዝብል ትንቢት ንኽፍጸም፥ ሕዝ 35፥25።
2. ማይ ካብ ጫፍ ክሳብ
ጫፍ ይፈስስ፤ ጥምቀት ድማ ንኩሉ ፍጥረት ወዲሰብ ከም ዝኾነ ንምግላጽ።
3. ማይ የጽሪ (ካብ ረስሓት)፤ ጥምቀትውን (ካብ ኣዳማዊ
ሓጥያት) የጽሪ።
4, ንማይ
ዝወሰዶ ኣይርከብን፤ ብጥምቀት ዝተሓድገ ኃጢኣትውን ብፍዳ ኣይምርመርን።
5. ማይ መልክዕ
የጸብቕ፣ጥምቀትውን መልክዕ ነፍሲ ተጸብቕ።
6. ብማይ ዝተሓጽበ ክዳን ኃይሊ ጽንዓት ግዝፊ እንዳወሰደ ይኸይድ፤ምእመናንውን ተጠሚቆም ገድሊ ትሩፋት እንዳገበሩ ይጎዓዙ።
7. "ሕይወት ነፍሲ ዘለዎም ተንቀሳቐስቲ ይምላእ"ተባሂላ
ስለዝነበረት፤ ሕጂ ግን ክርስቶስ ስለዝኣተዋ ሕያዋን ለባውያን ነፍሲ ዘለዎም ሰባት ዝርከቡዋ ስለዝኾነት ዝነበረ ምሳሌ ንክፍጸም (ዘፍ 1፣20፣ማቴ 3፣17) ብማይ ገይርዎ።
ኣምላኽ ንሰብኣ ትካት ብዕልቅልቅ ማይ ኣጥፊእዎም ስለ ዝነበረ ደቂ ሰባት ማይ ንጥፍኣት ከም ዝተፈጥረ
ገይሮም ይርእይዎ ነይሮም። ሕጅ ግን ማይ ንምሕረት ከም ዝተፈጥረ ኣበሲርዎም።
ብተወሳኺ ኣብቲ ሞዕራፍ ከምዚ ድማ ይብል፦ "ካብ ሥጋ ዝተወልደ ሥጋ እዩ፣ካብ መንፈስ ዝተወልደ መንፈስ እዩ"። እዚ ማለት
"ካብ ግዙፍ ሥጋ ዝውለድ ግዙፍ ሥጋ እዩ፤ካብ ረቂቕ መንፈስ ቅዱስ ትውለድ ነፍሲ ግን መንፈሳዊት እያ። ካብ ሥጋ ጥራሕ
ምስ ተወለድና "መሬት ኢኻ እሞ" ዝብል መንነትና ይቕጽል፤ ካብ ኣብራከ መንፈስ ቅዱስ ማኅፀነ ዮርዳኖስ
እንተ ተወሊድና ግን ካብቲ ዘይመውት እግዚአብሔር ዘይንመውት መንፈሳውያን ኮይንና ንውለድ" ማለት እዩ (ዮሐ 1፣12)።
ኣቐዲምና ከም ዝበልናዮ ማይ ሕጂ አብራከ መንፈስ ቅዱስ ማኅፀነ ዮርዳኖስ ስለዝኾነ "ካብ መንፈስ ዝተወልደ መንፈስ እዩ"ይብል
እንበር "ካብ ማይ ዝተወልደ ማይ እዩ" ኣይብልን።
ኒቆዲሞስ ግን እቲ ነገር ስለዝረቐቖ ክዛርብ ከሎውን ብኣድናቖት እዩ። ስለዚ ድማ ጎይታ "እንደገና ክትውለዱ
ብግዲ እዩ ስለዝበልኩኻ ኣይትግረም" ኢልዎ።
ነቲ ዝርእዮ ነገር ግን ዘየስተውዕሎ ብምሳሌ ጌይሩ ከረድኦ ጀሚሩ።
"ንፋስ ናብ ዝደለዮ
ይነፍስ ድምጹ ትሰምዕ ነገር ግን ካበይ ከም ዝመጸ ናበይውን ከም ዝኸይድ ኣይትፈልጥን ኢኻ፤ ካብ መንፈስ ዝተወልደ ድማ ከምኡ እዩ"።
ንንፋስ ናብዚ ኪድ ናብዚ ኣይትኺድ" ዝብሎ ዘየለ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ"። ካብ መንፈስ ኣዱስ ምስተወለድናውን ከምዚ
እዩ። እዚ ማለት ከም ንውለድ ንፈልጥ ኢና፤ብኸመይ ከም ዝወልደና ግን ኣይንፈልጥን ኢና። ብበዓለ ኃምሳ ከም ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ
ትንቢት ከዛርብ ምስጢር ክገልጽ ከሎ ሱባዔ ከቑጽር ከሎ ከነስተውዕሎ ንኽእል ኢና፤ብኸመይ ከም ዝሓድር ምፍላጥ ግን ኣይከኣለናን።
ብሰብኣዊ ኣረዳድኣ ክንርድኦ ኣይንክእልን ኢና። ካብ መንፈስ ዝውለዱ ከምዚ እዩ። እዚ ማለት እንደገና ዘይተወልደ ሰብ ካበይ መጺኻ
ካብ መን ከም ዝተወለድካ ናበይውን ከም እትኸይድ(ካልእ ሰማያዊ ሃገር ከም ዘለካ) ኣይፈልጥን ፊል3፡20።
ኒቆዲሞስም ብምቅጻል ኣቲ ጎይታናን መድሓኒናን ክርስቶስ ዝበሎ
ሰለዘይተረደኦ እንደገና፡- "እዚ ብኸመይ ክኸውን ይኽእል? ብምባል ሓተቶ።
ጎይታ ድማ መሊሱ "ንስኻ ናይ የእስራኤል መምህር ኢኻ ነዚ ኣይትፈልጥን?"
በሎ። ምናልባት "ካልኣይ ልደትን ናይ ኒቆዲሞስ ናይ ኣይሁድ መምህር ምዃንን
ዘራኽቦ እንታይ ኣሎ" ንዝብል ሕቶ። እቲ መልሲ ከምዚ ይመስል፦
- ሔዋን ብኸመይ ብሓንቲ ናይ ጎኒ ዓጺሚ ክትፍጠር ክኢላ፧(ዘፍ 2፣21-23)።
- ኤልሳዕ ነቲ ሓጺን ከም ዝንሳፈፍ እቲ ዕንጨቲ ግን ዘይባሕሪኡ ከም ዝጠልቕ ብኸመይ ገይርዎ?(2ነገ 6፣4-6)።
- እስራኤል ባሕረ ኤርትራ ብኸመይ ተሳጊሮም? (ዘፀ 14፣15)።
- ንዕማን ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ተጠሚቑ ብኸመይ ካብ ለምጹ ነጺኁ?(2ነገ 5)
- ያዕቆብ ቦኽሪ ኮይኑ እኳ እንተ ዘይተወልደ ብኸመይ ቡኽርና ተቀቢሉ፧ (ዘፍ 25፣31 )
- ማርያም እኅተ ሙሴ ምኸመይ ነጺሃ? (ዘኁ 12)።
- ናይ ሂሶጵ ቆጽሊ ምሥጢር፤ክሳብ ምሸት ዝረኸሰ ኮይኑ ነገር ግን ምሸት ብማይ ተሓጺቡ ንጹሕ ይኸውን ዝብል ናይ ኦሪት ሥርዓት ከ፤
ብርግጽ ኒቆዲሞስ ናይ
ኣይሁድ መምህር ነዚ ኩሉ ክፈልጦ ይግባእ ነይሩ። ድሕሪዚ ግን ጎይታ "ብሓቂ እብለካ
ኣሎኹ ንፈልጦ ንዛረብ ዝረኣናዮውን ንምስክር ኣሎና፣ ነዚ ምስክርና ግን ኣይትቕበልዎን ኢኹም። ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዘይት
ኣምኑስ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ" (ዮሐ 3፣11-12) ብምባል ብናይ ደቂ ሰባት ኣተሓሳስባ
ክብጻሕ ስለዘይክእል እንደገና ተወሊዱ ብእምነት ንክቕበሎ ተዛሪብዎ። ክርስቶስ ምስ ባሕርይ አቡኡን ናይ ባሕርይ ሕይወቱ መንፈስ
ቅዱስን ኮይኑ ዝዛረቦ ኩሉ ብልክዕ ይፈልጥ እዩ። ኒቆዲሞስ ግን ኖን’ዶ ሰማያዊ ልደት ምድራዊ ነፋስ እኳ ካበይ መጽዩ ናበይ ከም
ዝኸይድ ኣይፈልጥን እዩ። ኒቆዲሞስ ጥራሕ ዘይኮነ ንሕናውን ደቂ ሰባት ኣብዚ ምድሪ ዘለና'ዉን ነዚ ዝፈልጥ የለን።
ንባባት፣ ሮሜ.7:1-14፣1ይዮሐ .4:1-11 ፣ግ.ሓ.5፡34~መፍ፥ዮሓ.3፡1~12።
መዝ፣ 17
መዝ፣ 17
ምስባኽ፣
ሐወጽከኒ ለሊተ ወፈተንኮ ለልብየ፣
ሐወጽከኒ ለሊተ ወፈተንኮ ለልብየ፣
አመከርከኒ ወኢተረክበ ዓመፃ በላዕሌየ፣
ከመ ኢይንብብ አፋየ ግብረ ዕጓለ አመሕያው፣
ትርጉም ምስባኽ፣
ብለይቲ በጻሕካኒ ልቦናይ`ዉን ፈቲንካዮ፣
ብለይቲ በጻሕካኒ ልቦናይ`ዉን ፈቲንካዮ፣
ፈቲንካኒ፣ በደል
ኣይተረክበን፣
ስራሕ ወዲ ሰብ ኣፈይ ከይዛረብ፣
ኣርእስቲ መዝሙር፣
ሖረ ኅቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ ወይቤሉ ለኢየሱስ ረቢ ሊቅንሕነ ነአምነ ብከ . . . . . . . .
ሖረ ኅቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ ወይቤሉ ለኢየሱስ ረቢ ሊቅንሕነ ነአምነ ብከ . . . . . . . .
ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!
ይቅጽል.....................