በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ዝኸበርኩም ህዝበ ክርስቲያንን ኣንበብቲን ናይዚ ዓምዲ እዚ ከመይ ቀኒኹም። ከም ዝፍለጥ ኣዚ ሕጂ ሒይዝናዮ ዘለና
ግዜ ከም ብናይ ቤተ ክርስቲያና ኣፋቅዳ ጾመ ነብያት እዩ። ጾመ ነብያት
ክብቲ ብብግዜኡ ዓመት መጸ ኣንጾሞም 7 ኣጽዋማት ቤተክርስቲያን ሓደ እዩ። ኣማጻጽዓን ኣገዳስነትን ናይዚ ሱባኤ ከመይ ከምዝኾነን
ንሕናዉን ነዚ ሱባኤ እዚ ብከመይ ኣገባብ ክንጾሞ ከምዝግባና እግዚኣብሔር
ኣምላኽ ብመንገዲ ጽሑፉ ኣቢሉ ክሙህረናን፣ ክግስጸናን ኣይዉ እሞ ሰናይ ምክትታል ይግበረልና። ነቲ ዝጎደለ ከኣ ብኣፍ መላእክቱ
ገይሩ ይመልዓዮ።
ከምቲ ዘማራይ ነቢየ ኣምላኽ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ (እንዳበኸኹ ንነብሰይ ብጾም ቀጻዕኩዋ ሰባት ውን ጸረፉኒ) መዝ ፷፱፤፲/69፣10 ከምዝብሎ፣ ክርስቲያን ካብ እግዚአብሔር ብጸጋ ከምዝተወልዱ
ብምእማን ንእግዚአብሔር ዘለዎም ፍቅሪ እንገልጾ ሓደ መንገዲ ጾም እዩ። ሰብ ብኃጢያት ምስ ዝወድቅ ፈጣሪኡ የተንስኦ፤ ምስ
ጠፈአ ውን ኣምላኽ ክደልዮ ከምዝመጸ ብተስፋ ዝጽበዮ ዝነበረ ወልደ እግዚአብሔር ስጋ ሰብ ለቢሱ ከምዝመጸ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ።
ስለዚ ኣዳም ናይ ወልደ እግዚአብሔር ነገረ ልደቱ ብትንቢት ራኢ እንዳተጸበየ ብናይ ነብያት ትምህርትን ስብከተን ናይ ዓመተ ፍዳ
ምፍጻሙ፤ ናይ ምሥጢረ ሥጋዌ ብርሃን ካብ ርሑቅ ይጥምት ነበረ። ጾም ሰብ ንእግዚአብሔር ዘለዎ ፍቅርን ትእዛዝን መግለጽን
መረጋገጽን ጥራሕ ኣይኮነን። ዝወደቀ መተንሰኢ፤ ካብ ቡሉይ ናብ ሓድሽ ካብ ርስሓት ኃጢአት መንጽሂ ምስ ንስሓ ዝፍጸም መንጽሂ
(ሳምና) እዩ። ጾመ ነብያት ንኣዳም ዝተነገሮ ትምቢት ዝፍጸመሉ፤ ካብ ዝነበሮ ማእሰርቲ ኃጢኣት ነጻ ዝኾነሉ ግዜ ከም ዝበጸሐ
ዘበስር ጾም እዩ። ከማይ ኩሉም ቅዱሳን ነብያት ንልደት ወልደ እግዚአብሔር ብሃንቆውታ ብጾም ይጽበይዎ ከምዝነበሩ፤ ንሕና
ክርስቲያናት ድማ ክሳብ ዳግማይ ምጽኣት ጎይታ ከም ቅዱሳን ነብያት ብጾም ንጎይታ ንጽበዮ።
ቅዱሳን ነብያት ካብ ሊቀ ነብያት ቅዱስ ሙሴ ክሳብ ካህን ዘካርያስ ንእግዚአብሔር
ኣብ ዘስምርሉ ዝነበሩ ግዜ ብጾምን ጾሎትን ወትርግ የስምርዎ ከም ዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና። ጾም ማለት ቃል ብቃሉ ካብ
ብኣፍ ዝኣቱን ዝወጽእን፤ ካብ ንስጋ ዘጥልሉን ንነብሲ ዘርክሱ ምኽልካል ወይ ድማ ምሕራም ማለት እዩ። መኽንያቱ ስጋና ኣብ
ትጾመሉ ነፍስና ትጸግብ፤ ስጋና ኣብ ትጸግበሉ ነፍስና ትጸምእ ትጠሚ ውን።
ጾሞ ንነፍሲ ምድራዊ
ገዲፋ ሰማያዊ ከም ትሓስብ ምግባር ማለት እዩ። ማለት ንስጋ ካብ ዘጥልሉ ምብላዕን ምስታይን፤ ካብ ክፉእ ምርኣይን ምስማዕን
ምሕራምን፤ ንነዳያን ምርዳእን ስለኦም ምጽላይን ዘጠቃለለ እዩ። ጾም ኣብ ንጸመሉ ግዜ ንኣምላኽና ዝለመናዮ ዝወሃበና፤ ካብ ናይ
መቃውሕ ማእሰርቲ ንፍትሓሉን፤ ንኣምላኽ ዘለና ኣፍቅሮት እንገልጸሉ ግዜን ስዓትን ውዩ። ነዚ ንኸረድኣና እዩ ድማ ጎይታናን
ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዝኾነ ኣጎልግሎቱ ኣብ ባሕሪ የርዳኖስ ምስ ተጠምቀ ንኩሉ ሕዝቢ ሓዲጉ ንገዳመ
ቆረንጦስ ዘምርሐ። ማቴ፬፤፩-፪/4፤4-5
ቤተክርስቲያን ድማ ኣምላኻ ዝማአሃራ ትምህርቲ ተኸቲላ ንኹሎም ውሉደ ቤታ ቅድሚ ዝኾነ መንፍሳዊ ኣጎልግሎቶም ክጸሙ ከምዘለዎም
ትምህርን፣ ትግስጽን። ስለዚ እንጾሞ ጾም በረኸትና ዘብዝሕ ንነፍስና ዝቅድስ ንኽኾነልና ቤተክርስቲያን ናይ ወትሩ ጸሎታ እዩ።
እዚ ሒዝናዮ ዘለና ጾም፤ ጾመ ነብያት ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ ካብ ሕዳር ፲፭(15) ክሳብ ፳፱
(28) ታሕሳስ ዝጽወም ጾም እዩ። ከምቲ ኣብ
ምእተዊ ዝገለጽናዮ ድማ ካብቶም 7 ዓበይቲ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ድማ እዩ። ነብያት ንእግዚአብሔር ካብ ዝነበሮም ፍቅሪ ዝጸምዎ ጾም እዩ። ዘጸ ፴፬፤፳፰/34፤28
፩ነገ፲፱፤፰/1ነገ 19፤8፣ ብተወሳኺ’ዉን እዚ ጾም’ዚ ብልማድ ጾም ታሕሳስ ዝብል ስም እኳ እንተለዎ ነቲ ቅኑዕ
ትርጉም ዝርድእ ዝተፈላለይ ኣስማት’ዉን ኣለዎ፦
1. ጾመ ኣዳም፦ እዚ ጾም ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ እየ ዝብል ናይ ኣዳም ተስፋ ከምዝኣኸለ፤ ኣዳም ዝኣተዎ ሱባኤ መልሲ ዝረኽበሉ መዓልቲ ከምዝኣኸለ ምሥጢረ ሥጋዌ ክገሃድ ከምዝቀረበ ዘበስር ብምዃኑ ጾመ ኣዳም ይበሃል።
2. ጾመ ስብከት፦ ናይ ወልደ እግዚኣብሔር ሰብ ምዃን ዝተኣወጀሉ፤ ናይ ድሕነት ተስፋ ዝተመስከረሉ ስለዝኾነ ጾመ ስብከት ይበሃል።
3. ጾመ ማርያም፦ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንወልደ ኣብ ጽኒሰ ኣለኹ እንታይ ሒዘኸ ክወልዶ ኢየ? ኢላ ነዚ ጾም ስለዝጾመቶ ጾመ ማርያም ተባሂሉ ይፍልጥ። ቅድስት ድንግል ነዚ ዝበለት ልደት ጐይታ ዝደንቅን ዘስደምምን ስለዝኾነ ስለዝተደነቀት ኢያ። ብኻልእ መዳይ ነዚ ዝበለት ስለ ትሕትና ኢላ እያ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ቅድስናኣ ርእዩ ብብስራታዊ መልኣክ ቅዱስ ገብርኤል ኣቢሉ ንክርስቶስ ከምትወልድ እኳ እንተነገራ ኣደ ትሕትና ስለዝኮነት እንታይ ሰሪሐ ደኣ ናይ ምድርን ስማይን ፈጣሪ ክጾሮ እኽእል ኢላ ጾይማቶ ኢያ።
4. ጾመ ፊሊጶስ፦ ፊሊጶስ ሓዋርያ ኣብ ኣረማውያን ኣትዩ ወንጌል እንዳሰበኸ ከሎ ብሰማእትነት ዓረፈ። ኣስከሬኑ ድማ ካብ ደቅ መዛሙርቱ ተሰወረ፤ ኣምላኽ ናይ መምህሮም ኣስከሬን ክገልጸሎም ካብ ኅዳር 16 ጀሚሮም ጾም ኣውጁ፤ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ኸኣ ናይ መምህሮም ኣስከሬን መለሰሎም፤ ንሳቶም ግና ክሳብ ልደት ጾይሞም እዮም። በዚ ምኽንያት ጾመ ፊሊጶስ ተባሂሉ።
ጾመ ነብያት ብዝሑ ኣርባዓን ኣርባዕተን መዓልትታት እዩ። እዚ ድማ ኣርብዓ መዓልትታት ብሙጻሞም ናይ ትንቢቶም መፈጸምታ
ዝረኸበሉ፤ ዓለም ድሕነት ዝተቀበለትሉ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተርኢና ኣርብዓ መዓልትን ለይትን ዝጾሙ ነብያት ብዙሓት እዮም።
ከም ንኣብነት ሊቀ ነብያት ቅዱስ ሙሴ ኣርብዓ መዓልትን ለይትን ብሙጻሙ፤
ካብ ኣምላኽ ዓሰርተው
ትእዛዝ ( ጽላት ኪዳን ) ካብ እግዚአብሔር ተቀቢሉ ንሕዝቡ ክመርሕ ከምዝኽኣለ፤ ማንም ኣማኒ ውሉደ ተዋሕዶ ኦርቶዶክስ
ድማ ኣብዚ ስዓት እዚ ብትግሃት ምስ ዝጸዉም፤ ከምቲ ሊቀ ነብያት ቅዱስ ሙሴ ኣብ ሲና ዓሰርተው ትእዛዛት ዝተቀበለ ድሓር ድማ ኣብ
ደብረ ታቦር ምስ ጎይታ ዝተገልጸ፤ ኣብ ልቡ ቃል ኣምላኽ ብቅንኣት ጽሒፉ ናብ ክቡር ልደት ክበጽሕን፤ ኣብ ዳግማይ ምጽኣት ናይ
ጎይታ ድማ ብየማሉ ክቀውም ይኽእል።
ከም ነቢይ ኤልያስ ውን
ኣርብዓ መዓልትን ለይትን ምስ ንጸውም ከምቲ ንሓሰውቲ ነብያት ስዒሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ እሙን ኮይኑ ዝተረኽበ፤ ንሕና ድማ ኣብ
ልዕሊ እዛ ቤት መቅደስ ዝኾነት ንፍስናን፤ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ዝልዓሉ ናይ ርኽሰት መንፈስ ዘለዎም ክሓድቲ ስዒርና
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እሙናት ኮይና ክንርከብ ንኽእል።
ጾም ናይ ፍቅሪ መስዋእቲ እዩ። ጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ
ዕጸ መስቀል ብቅንዋተ መስማር ከም ቆርበት ኣብ ዝተወጠረሉ ግዜ ብኽቡር ደሙ ንነፍስና ንምቅዳስ እዩ ነይሩ። ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ
ብዕብራውያን መልእኽቱ ከምዚ እዳበለ ዝገልጸልና «ናብቲ ኅፍረት ዘበለ ንዒቁ ምእንቲ እቲ
ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጎስ ኢሉ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሠ፤ ኣብ የማን አምላኽ ዝተቀመጠ፤ ናይ እምነትና ጅማርን ፈጻምን ዝኾነ ኢየሱስ
ንጠምት» ኢሉ ከም ዝተዛረበ ዕብ፲፪፤፪/12፤2። ብርግጽ ጾም ናይ ፍቅሪ መስዋእቲ እዩ። ምኽንያቱ፤ ካብ
ሕሜት፤ ካብ ጸርፊ፤ ካብ ዝሙት ሕማቅ ርሒይቅኻ ካብ ምምናይ፤ካብ ስርቂ፤ ካብ ቅትለት፤ ካብ ናብ ናይ ጓይላ ቦታ ምኻድ፤ ካብ ሕልናዊ
ቂምታ፤ ቅንኣትን ተንኮልን ዝኣመሰሉ ክንጸውም ይግብኣና። ስለዚ ካብዞም ኩሎም ነገራት ምስ ንርሕቅ ጾምና ሓቀኛ ጸሎት ይኾነልና።
ህዋሳትና ካብ ኩሉ ኩፉእ ምግባር እንተ ዘይተቆጢቦም፤ ጾምና ሒወት ክንዕድገሉ በረኸት ከውህበና ኣይክእልን እዩ። ኣብ ዘመነ ኦሪት
ሰብ ስሬት ኃጢኣት ካብ እግዚአብሔር ዝረኽበሉ መስዋእቲ ብምቅራብ እዩ ነይሩ «ካብቲ ንመስዋእቲ ሰላም ዚቐርብ እንስሳ ድማ.....»
ይብል ዘሌ ፫፤፫-፬/3፤3-4
ነገር ግን ኣብ ሕጊ ኦሪት ኃጢኣት ንምስትስራይ ዝቀርቡ ብእግዚአብሔር ተቀባልነት ዝነበሮም ሰለስተ ነገራት ምስ ትፍጽም እዩ። ንሱ
ድማ ሊቀ ካህን ነቲ ገንሸል ኣብ ኣፍ ደገ ምስ ሓረዶ፤ (ገንሸል) ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ተባሂሉ ዝጸዋዕ ኣትዩ ነቲ ደም ይነጽጎ፤
ነቲ ስብሒ ድማ ብሓዊ የሕርሮ። ስለዚ ከምዞም ሰለስተ ኣጋባብ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጹ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ድማ መንፈሳዊ ጸሎት ከም ገንሸል
ምስዋዕ፤ ንስጋኻ ብጾም ምድካም ከም ስብሒ ምሕራር፤ ስሚዕታዊ ፍቅሪ ድማ ከም ደም ምንጻግ ጾምና ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቃጸለ መስዋእቲ
ጌርና ከነቅርብ ይግብኣና። ካብዞም ሰለስተ ሓንቲ ጥራሕ እኽልቲ ስለዘይኮነት ሰለስቲአን ክንፍጽም ይግብኣና እዩ። ነዚ ንኽንፍጽም
ኣምላኽ ከም ቅዱሳን ኣቦታትና መንፈሱ ሰዲዱ ይደግፈና ኣሜን።
ስብሓት
ለእግዚኣብሔር
ወወላዲቱ
ድንግል
ወለመስቀሉ
ክቡር
ኣሜን!!!