Tuesday, August 9, 2016

ጾመ ፍልሰታ

ስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን !!!


ዝኸበርኩም ህዝበ ክርስቲያን እግዚኣብሔር ኣምላኽና ከመይ ቀኒኹም። ከም ዝፍለጥ ኣዚ ሕጂ ሒይዝናዮ ዘለና ግዜ ከም ብናይ ቤተ ክርስቲያና ኣፋቅዳ ጾመ ፍልሰታ እዩ። ጾመ ፍልሰታ ክብቲ ብብግዜኡ ኣንጾሞ ኣጽዋማት ሓደ እዩ። ኣማጽዓን ኣገዳስነትን ናይዚ ሱባኤ ከመይ ከምዝኾነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብመንገዲ ጽሑፉ ኣቢሉ ክሙህረና ኣይዉ እሞ ሰናይ ምክትታል ይግበረልና።

ፍልሰታ



ፍልሰታ ዝብል ቃል ‘ፈለሰ’ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ፤ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ምግዓዝ፡ ሃገርካ ሰፈርካ ገዲፍካ ምኻድ ምስዳድ ምፍላስ ማለት እዩ። ፍልሰታ ለማርያም ክንብል ከሎና’ውን ሥጋ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ጌቴሰማኒ ናብ ገነት ምፍላሱ፡ ዳኅራይ’ውን ካብ ትሕቲ ዕፀ ሕይወት ናይ ገነት ምፍላሱ ዘመልክት እዩ። ብሓጺሩ ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ ምድያብ ወይ ምዕራጉ፡ ካብዚ ሥጋዊ ዓለም ናብቲ መንፈሳዊ ዓለም ምስግጋሩ፡ ካብዚ ሓላፋይ ዓለም ናብቲ ዘይሓልፍ ዓለም ምሕላፉ ዘመልክት እዩ። በተወሳኺ ጾመ ፍልሰታ ክንብል ከሎናውን ሓዋርያት ናይ ኣዴና ሥጋ ናበይ ከምዝፈለሰን ከምዝተቐብረን ስለዘይፈለጡ እግዚአብሔር ክገልጸሎም ምእንቲ ብዛዕባ ሥጋ ኣዴናን ትንሣኤኡን ዕርገቱን ዝጾምዎ ጾም እዩ። እዚ ጾም እዚ  ካብ 1 ነሓሰ-16 ነሓሰ ምእመናን ብጾምን ብጸሎትን ብምዉሳን ናይ ወዳ ምሕረትን ኣማላድነትን ይምህጸኑ። ናይቲ ሱባኤ ግዜ ምስተፈጸመ “ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብሓቂ ተንሲኣ እያ” ኢሎም ብሓጎስ ነቲ ናይ ጾም ግዜ ይውድእዎ። ከምቲ ዘማራይ  ቅዱስ ያሬድ “ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ ሞታ ለማርያም የሐጽብ ለኲሉ“ ሞት ንኹሉ ሰብ ዝግብኦ እዩ፡ ናይ ማርያም ሞት ግን ኣዝዩ ዘደንቕ እዩ” ክብል  ኣብ ዝማሪኡ ገሊጽዎ እዩ።

ትውልዲ ማሪያም




ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ኣቡኣ ኢያቄም ኣዴኣ ሐና “እም ሊባኖስ ትወጽእ መርዓት” ተባሂሉ ብመሠረት ዝተነግረላ ትንቢት 7 ነሓሰ ተጸኒሳ ባሕቲ ግንቦት ኣብ ኣኽራናት ሊባኖስ ተወልደት። ጓል መብጽዓ ኸኣ እያ። ዝተወለደትሉ ዘመን ኸኣ 15 ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ እዩ።

ኣዴና ኣብ ቤት ኣቡኣ 3 ዓመት ኣብ ቤተ መቅደስ ኸኣ 12 ዓመት፡ ምስ ወዳ ኸኣ 33 ዓመትን 3 ወርሕን፡ ምስ ዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ ኸኣ ዳርጋ 15 ዓመት ተቐሚጣ፤ ብጠቕላላ ኣብ መበል 64 ዓመታ ኣብዚ ምድሪ ድኅሪ ምንባራ 21 ጥሪ ከባቢ 50 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልየት።

ትንቢታ

ነቢያት ኣቐዲሞም ብዛዕባ ዕረፍትን ትንሣኤን ኣዴና ቅድስት ድንግል ብምሳሌን ብምሥጢርን ተዛሪቦም ነይሮም። ከም ኣብነት ዘማራይ ዳዊት “ተንሥእ እግዚኦ ውስተ ዕረፍትከ፡ አንተ ወታቦተ መቅደስከ” (መዝ132፡8) (ኦ እግዚአብሔር ንስኻን ታቦት መቅደስካን ተንሥእ፡ ናብ ዕረፍትኻ ንዓ” ኢሉ ተንቢዩ ነይሩ። ትርጉሙ ኸኣ “ኦ ፈጣሪየይ እግዚአብሔር ምእመናን ናብ እተዕርፈሉ መንግሥተ ሰማያት ታቦት መቅደስካ ዝኾነት ድንግል ማርያም ሒዝካ ተንሥእ” ክብል ከሎ እዩ። እዚ ኸኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ትንሣኤ ወዳ ከምዝተንሠአት ዘመልክት እዩ። ኣማናዊት ታቦት ዝተባህለት መኅደሪኡ ንሳ ስለዝኾነት።

ጥበበኛ ሰሎሞን’ውን “ፍትወይሲ፡ ኣቲ ፍትውተይ፡ ተንሥኢ፡ ጽብቕተየ፡ ንዒ፤ እንሆ፡ ክረምቲ ሓሊፉ፡ ዝናም ዛርዩ፡ ተወዲኡ። ዕምባባታት ኣብ ምድሪ ተራእየ፡ ጊዜ መዝሙር በጽሔ። ድምጺ ባሬቶ ኸኣ ኣብ ምድርና ተሰምዔ። በለስ ፍሬኡ ጐጐበ፡ ተኽሊ ወይኒ ዓምቢቡስ መኣዛኡ የውጽእ ኣሎ። ኣቲ ፍትውተይ፡ ተንሥኢ፡ ጽብቕተየ፡ ንዒ።” ክብል ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕረፍትን ትንሣኤኣ ዝምልከት ነገር ጠቒሱ ኣሎ። (መኃ 2፥10-13)

ብመሠረት እዚ ትንቢታዊ ምሳሌ ኸኣ እቲ ‘ፍትውተይ ጽብቕተይ’ እናበለ ዝጸውዐ ጐይታናን መድኃኒናኒ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ትጽዋዕ ዘላ’ውን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። እቲ ክረምቲ ሓሊፉ ዝተባህለ ኸኣ እቲ ኣብ መዋዕል ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ወዳን ዝሓለፈ መከራን ስደትን ሓዘንን እዩ። እዚ ኸኣ ካብ ምውላዳ ጀሚሩ ክሳብ ዕረፍታ ኣብ ልዕሊኣ ንዝነበረ ተጻብኦ ኣይሁድ ዘመልክት እዩ። አብ ቤተ መቅደስ’ውን ኣረጋዊ ስምዖን ‘ኣብ ነፍስኺ ሰይፊ ክኣቱ እዩ’ ኢልዋ ንዝነበረ ነገር ዘዛምድ እዩ። ከምቲ ዝተገልጸ’ውን ንሳ ብናይ ሓዘን ፍላጻ ልባ ዝተወግኣትሉ ዘመን ሓሊፉ ናይ ክርስቶስ ሕማሙ ሞቱ ቤዛነቱ ከምዝተፈጸመ ዘርእይ እዩ። ዕምባባታት ኣብ ምድሪ ተራእየ ኢሉ ከምዝመሰሎ፡ ትንሣኤኡ ኣብ ምድሪ ተገሊጹ፤ ተሰቢኹ ንማለት ብምሳሌ ዝገለጾ ኸኣ እዩ። ብድምፂ ባሬቶ መሲሉ ኸኣ ድምፂ ሓዋርያት ኣብ ኵላ ምድሪ ከምዝተሰመዐን ከምዝበጸሐን ዝገልጽ እዩ። ቅዱስ ዳዊት’ውን ነዚ ኣመልኪቱ “ውስተ ኵሉ ምድር ወፅአ ነገሮሙ። ወእስከ አጽናፈ ዓለም በጽሐ ነቢቦሙ” (ድምፆም ናብ ኲሉ ምድሪ፡ ቃላቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም ይወጽእ ኣሎ፡) ኢሉ ከምዝተነበዮ ማለት እዩ። (መዝ 16፥4)

“በለስ ፍሬኡ ጐጐበ፡ ተኽሊ ወይኒ ዐምቢቡስ መኣዛኡ የውጽእ ኣሎ።” ምባሉ’ውን እቲ እተዘርአ ቃል፡ ዝተሰብከ ትምህርትን ፍረ ክርስትና ኣፍርዩ፤ ኣብ ምእመናን’ውን ሰናይ ግብሪን (ፍረ) መንፈሳዊ ተጋድሎን ክረኣይ ጀመረ። ኣብ ኵሉ ዓለም ኸኣ ኣብያተ ክርስቲያን ተተኺሎም፡ ብሃይማኖት ምዕንባቦምን ፍረ ምሃቦምን መዓዛ ምግባርን ምቕራብን ድኅሪ ምጅማሮም ኣዴና ንኸተዕርፍ ብጐይታ ከምዝተጸወዐት ዘረድእ ድንቂ ትንቢት እዩ።

ታሪኽ



ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላክ ብ 21 ጥሪ ኣብ መበል 64 ዕድሚኣ ከም ዘዕረፈት ብንጹር ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ተመዝጊቡ ኣሎ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጸሓፈ ኵሉ እኳ ሞተ ሥጋ ዝመውት እኳ እንተኾነ፡ ሞተ ማርያም ግና ንኵሉ ዘድንቕ እዩ ከምዝተባህለ ወላዲተ አምላክ ክነሳ ንሳውን ከተዕርፍ ኣምላኽ ቅዱስ ፍቓዱ ኮነ።

ሓዋርያት ገኒዞም ክቐብርዋ ክኸዱ ከለዉ፡ ጌተሰማኒ ከይበጽሑ ከለዉ እቶም ወትሩ ዝጻብዕዋ ኣይሁድ ሕጂ’ውን ሸለል ከይበሉ ብእከይ ቅንኢ ተላዓዒሎም ሥግኣ ከቃጽሉ ተኣኪቦም መጹ። እዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ ንሓዋርያት “ቅድም ንወዳ ቀቢሮሞ ከብቕዑ፡ ኣብ ሣልስቱ ተንሢኡ፡ ኣብ 3 መዓልቱ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፡ ዳግማይ ኸኣ ክምለስ እዩ ኢሎም ንሕዝቢ ብዙኅ ኣታሊሎሞን ወሲዶሞን፣ ሕጂ ድማ ስቕ እንተበልናዮም ነዚኣ’ውን ከም ወዳ ወሲዶም ኣብ ዘይንፈልጦ ኣንቢሮም ንሳ’ውን ተንሢኣ እናበሉ ክህውኹና ክነብሩ እዮም” ካብ ዝብል እከይ ሓሳብ’ዩ። ብመሠረት ምኽሮም ኸኣ ታውፋንያ ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ኣይሁድ ጎበዝ ሰብኣይ ንሥጋ ቅድስት ማርያም ምእንቲ ከንድዳ ዓራታ ክግምጥላ ኢሉ ናብቲ ሓዋርያት ተሸኪሞሞ ዝነበሩ ዓራት ብድፍረት ቀረበ። ነቲ ዓራት ምስ ሓዞ፡ ቅዱስ ገብርኤል ካብ ሰማይ ወሪዱ ንታውፋንያ ኣእዳዉ ቆረጾ ኣብቲ ዓራት ድማ ተንጠልጢለን ተረፋ። ብድኅሪ’ዚ ምስ ዮሓንስ ገይሩ ብደመና ተነጢቓ ኣብ ገነት የእትዩ ኣብ ትሕቲ ዕፀ ሕይወት ኣንበራ። ዕርገታውን ብምስጋና መላእኽቲ ብስግደት ሰማእታት ዝተሰነየ እዩ ነይሩ። ታውፋንይ ግና ብዝፈጸሞ ክፉእ ግብሪ ተጣዒሱ ናብ ኣዴና ስለዝተማኅጸነ ብኅቡእ ተኣምራት ኣእዳዉ ናብ ናይ ቀደመ ሰፈረን ተመሊሰናሉ እየን። (ስንክሳር ዘጥር 21)

ድኅሪ’ዚ ሓዋርያት ካብኦም ብምፍላያ ጥራይ ዘይኮነ ኣበይ ከም ዘላን ኣበይ ከም ዝኣተወትን’ውን ስለ ዘይፈለጡ ብብዙኅ ሓዘንን ብኽያትን ድኅሪ ምጽናሕ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ካብ ኣዴና በረኸት ተቐቢሉ ካብ ገነት ምስ ተመልሰ ከመይ ኮነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ በልዎ፡ ኣብ ትሕቲ ዕፀ ሕይወት ከም ዘላ ነገሮም። ዮሓንስ ርእይዋ ንሕና ከይረኣናያ ብምባል ብመንፈሳዊ ቅንኢን ፍቕርን ተበጊሶም በቲ ሓደ ባዕሉ ዮሓንስ ብዝሓበሮም ኸኣ በቲ ካልእ ኣብ መጀመርያ ነሓሰ ጾም ጀመሩ። ንኽልተ ሰሙን ምስ ጾሙ ኣብ መወዳእታ ናይታ ካልአይቲ ሰሙን ሰንበት መዓልቲ ጐይታ ባዕሉ ንሥጋ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣምጺኡ ሃቦም፤ ንሳቶም ኸኣ ብዓቢይ ዝማሬን ውዳሴን ከምኡውን ብጽኑዕ ምህለላ ኣብቲ ዝተዳለወ መካነ ዕረፍቲ ኣብ ጌተሰማኔ ቀበርዋ። (ስንክሳር ዘነሐሰ 16)

ኣብ ሣልስታ ሠሉስ መዓልቲ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ካብ’ቲ ብስብከተ ወንጌል ከይዱዎ ዝነበረ ሃገረ ስብከት ብደመና ተጻዒኑ እናተመልሰ ከሎ፡ ብ16 ነሓሰ እግዝእትነ ማርያም ካብ መቓብር ተፈልያ ተንሢኣ መላእክት ብግርማ ናብ ሰማይ ከዕርግዋ ከለዉ ከኣ ኣብ መገዲ ኣብ ሰማይ ተገልጸትሉ። ኵሎም ሓዋርያት ዕርገታ ርእዮም ንሱ ዝተረፈ ኸኣ መሰሎ። ሕጂ’ውን ትንሣኤ ቅድስት ድንግል ከይረኣየ ዕርገታ ብምርካቡ “ብመጀመርያ ናይ ወድኺ ትንሣኤ ሕጂ ኸኣ ናትኪ ትንሣኤ ከይረኣኹ ተሪፈ” ብምባል ብጓሂ “ወፈቀደ ይደቅ እምደመናሁ” ከም ዝበለ ካብቲ ተጻዒንሉ ዝነበረ ደመና ክወድቅ ክሳብ ዝደሊ ኮነ። ቅድስት ድንግል ማርያም ግን ኣይትሕዘን ምኽንያቱ እዚ ምርኣይ’ዚ እንትርፎ ንዓኻ ንካልእ ኣይተዋህበን ኢላ ኣጸናንዓቶ፤ መግነዚኣ ሂባ ድማ ፍልሰታ ከበስሮም ናብቶም እኩባት ሓዋርያት ኣፋነወቶ።
ሽዑ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ናብ ሓዋርያት ከይዱ ከም ዘይፈለጠ ኮይኑ “ጒዳይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምሲ እንታይ ኮነ ገለ ነገር’ዶ ኣይረኸብኩምን” በሎም። ንሳቶም ድማ እቲ ነገር ዘርዚሮም ሓበርዎ፤ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ግና “እዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል፡ መቓብራ ከፊትኩም ሥጋኣ እንተዘይኣርኣኹምኒ ኣይኣምንን’የ” በሎም። ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ብተግሣጽ “ንስኻ ኵሉ ግዜ ማንታ ዝልቡ ተጠራጣሪ ኢኻ ቅድም ትንሣኤ ክርስቶስ እናተነገርናካ፡ ኣእዳው እንተዘይሓዝኩ ዝተወግአ ጎኑ ከይዳህሰስኩ ኣይምንን ኢልካስ ሕጂ’ውንዶ ከምኡ ትብል ኣለኻ” በሎ። ቅዱስ ቶማስ ግና ናይ ልቡ ኣብ ልቡ ገይሩ ሥጋኣ ከርእይዎ ግድን በሎም።፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ እናሓዘነ ሥጋኣ ከርእዮ ምስ ሓዋርያት ናብ መቓብራ ወሰዶ። እንተኾነ ተንሢኣ ስለዝነበረት መቓብራ ከፊቱ ሥጋኣ ክረኽቦ ኣይከኣለን። በዚ ነገር ተሰናቢዶም ከለዉ፤ ሽዑ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ፍልሰታ ኣዴና ከምዝረኣየ ኣበሰሮም፡ መረጋገጺ ድማ እታ ዝተገንዘትላ ቅናታ ሃቦም። ንበረኸት ድማ ነቲ ሰበን ቆራሪጾም ተኸፋፊሎም ነናብ ሃገረ ስብከቶም ከይዶም።
ስለዚ ኸኣ 16 ነሓሰ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ነቢይ ዳዊት “ተንሥእ እግዚኦ አንተ ወታቦተ መቅደስከ” ኢሉ ኣቐዲሙ ከም ዝተዛረቦ እምኒ ኣልዕሉለይ መቓብር ክፈቱለይ ከይበለት ማኅተም መቓብር ፈቲሓ ልክዕ ‘ከም ትንሣኤ ወዳ’ ካብ መቓብር ተፈልያ ዝዓረገልትሉ ክቡር መዓልቲ’ዩ።

ከም’ቲ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ትንሣኤኣን ዕርገታን ንከርእዮም ድማ ኣብ ዓመታ ከምቲ ናይ ቅድሚኡ ክልተ ሱባኤ ኣተዉ። ጾሎቶም ተቐቢሉ ኸኣ ንኣዴና መንበር፡ ንቅድስ ጴጥሮስ ንፍቅ ካህን፡ ንቅዱስ እስጢፋኖስ ኸኣ ገባሬ ሰናይ ዲያቆን ገይሩ ቀዲሱ ንኵሎም ድኅሪ ምቝራቡ ኸኣ ዕርገታ ኣርኣዮም። ቅድሚኡ ዘይተራእየ ድማ ኣብዚ መዓልቲ ዓቢ ሓጎስን ፍስሓን ኮነ።

ምኽንያት በዓል

ከምቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝተጠቕሰ፡ ሓዋርያት ዝጾምዎ ጾም ኣብ ክልተ ሰሙኑ ይፈጸም ደኣ እምበር ድኅሪ ሥጋኣ ተቐቢሎም ምቕባሮም ትንሣኤኣን ዕርገታን ኣብ ሣልስት እዩ ተፈጺሙ። ስለዚ ኸኣ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያት ንዝጾምዎ ክልተ ሰሙንን ከምኡውን ትንሣኤኣ ክሳብ ዝኾነሉ ዕለት ብጠቕላላ ደሚራ ክጽወም ሥርዓት ሠሪዓ ኣላ። በዚ መሠረት ኸኣ ምእመናን ናይ ሓዋርያት ኣብነት ብምኽታል፡ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም በረኸት ንምርካብ ዓመት መጸ ብሰላም ብፍቕሪ ክጾምዎ ይርከቡ ኣለዉ።ሞት ብጥሪ፡ ብነሓሴ ቀብሪከምዝተባህለ ኸኣ ተቐቢራ ኣብ ሣልስታ ማለት ሓዋርያት ሱባኤ ካብ ዝጀመሩሉ ኣብ መበል 16 መዓልቲ ማለት ቅድስት ድንግል ማርያም ዝፈለሰትሉ (ዝዓረገትሉ ) ዕለት 16 ነሓሰ ቤተክርስትያን ዓመት መጸ ብኽብ ዝበለ ክብሪ ተብዕሎ። እዚ በዓል እዚ ኸኣ ሓደ ካብቶም 33 በዓላተ ማርያም እዩ።

ንሕና ከ ?

ነዚ ኣቲናዮ ዘሎና ጾም ኸኣ ኣቦታትና ብዙኅ በረኸትን ጸጋን ዝረኸቡሉ ከም ምዃኑ ንሕናውን ከምኣቶም ክንረብሓሉ ኮይንና ከምቲ ክንጾሞ ዝግበኣናን ዝተኣዘዝናዮን ኮይንና ክንጾሞ ኣሎና። ንድኅሪት ዝጐተናን ዘትረፈናን ከምኡውን ዘሰናኽለና ሥጋዊ ሓሳባትና ንድኅሪት ገዲፍና ምሉእ ሓሳባትና ናብቲ ወሃቢ ኵሉ ጸጋ ዝኾነ እግዚአብሔር ኣእምሮና ክንእክብ፡ ብጸሎትን ሰናይ ተግባራትን ትሩፋትን ክንጽመድ ኣሎና።
ብንስሓ ነፍስና ሓጺብና፡ ካብ ክፉእ ዘበለ ማለት ካብ ቂምታ ባእስን ክርክርን ክፋእ ወዘይመስሎ ኵሉ ርሒቕና፡ እግዚአብሔር ዝሠመሮ ሰናይ ምግባረ ትሩፋት እናፈጸምና ብምሉእ ልብና ናብ እግዚአብሔር እንተደኣ ተመሊስናን ለሚንናዮን ኵሉ እቲ ዘድልየና ከምዝህበና እሙን ነገር እዩ። እዚ ጊዜ እዚ ፈቓድ ኣምላኽ ንምሥማር፡ ሥጋዊ ሓሳባትና ነውንዝፈሉ፡ ሰማያዊ ስንቂ እንእክበሉ፡ ንዝዓበየ መንፈሳዊ ጸጋ እንጽዕተሉ እዩ። ስለዚ ነዚ ጊዜ እዚ ብግቡእ ብምጥቃም ን እግዚኣብሔር ኣምላኽ ነስምረሉ ግዜ እዩ፣ ነዚ ክንገብር ከኣ ኣምላኽ ብጸግኡ ይደግፈና፣ በረኸትን ረዲኤትን ና ኣድና ቅድስት ድንግል ማሪያም ኣይፈለየና።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር !!