Friday, April 17, 2020

ሰሙነ ሕማማት ሓሙስ

መቐጸልታ ጾም….

ሰሙነ ሕማማት (ሓሙስ)

ርያ ላይሶን  ርያ ላይሶን  ርያ ላይሶን!!!


ዝኸበርኩም ህዝበ ክርስቲያን እግዚኣብሔር ኣምላኽና ህያዉ እዩ እሞ ኣንሆ ዓቢይ ጾም  መዓልታት  ተሪፍዎ ኣሎ። ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ተጻሒፉ ከም ንረክቦ፣ ስነ-ፍጥረት፥ ሓሙስ ስጋውያን ኣዕዋፍን እንስሳታትን ዝተፈጥሩላ ኣብ ሓሙሻይ መዓልቲ እዩ። ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ተዋሃሂዱ ሰብ ኮይኑ ናብዛ ዓለም ምስ መጽአ ድማ እዚ ስጋይ እንኩ ብልዑ፡ እዚ ድማ ደመይ እዩ እንኩ ስተዩ ኢሉ ስግኡ ፈቲቱ ደሙ ኣፍሲሱ ዘለኣለማዊ መግቢ ህይወት ዝሃበና፡  ቅዱስ ቁርባን ዝሰርዓልና መዓልቲ እያ።  እዛ መዓልቲ እዚኣ ብዙሕ ፍጻመታት ዝተፈጸመላ መዓልቲ እያ ገለ ካብኡ ንምጥቃስ ዝኣክል፥

1) ሚስጥረ ተዋሕዶ ዘመሓረሉ ዕለት እዩ፣


ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብተዋሕዶ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ምዃኑ ንምግላጽን ንምርዳእን ከምኡ’ውን ኣርኣያ ንምዃንን ክጽሊ ዝሓደረሉ ዕለት እዩ። ጎይታ ሕብስትን ወይንን ባሪኹ ንደቂ መዛሙርቱ ክህበም ከሎ ጸለየ፡ ምእንቲ ደቂ መዛሙርቱ ጸለየ (ዮሓ17)፡ ስለዝኾነ እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጸሎት (ጸሎተ ሓሙስ) ተባሂላ ትጽዋዕ (ማቴ 26፡36-46, ማር14፡32-42, ሉቃ22፡39-46, ዮሓ17፡1-መፈ)

2)  ክርስቶስ ትሕትና ዘመሓረሉ መዓልቲ እዩ፣


ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ትሕትናን ፍቕርን ኣብ ኣገልግሎትና ድማ ትጉሃትን ጽኑዓትን ክንከውን ከም ዘለና ንኽምህረና፡ እግሪ ደቀ መዛሙርቱ ትሕት ኢሉ ተንበርኪኹ ዝሓጸበሉ ዕለት እዩ። ጎይታ ሓጺብዎም ጥራይ ስቕኣይበለን፡ “ንስኻትኩም’ውን ከምዚ ኣነ ዝገበርክዎ ግበሩ” ኢሉ’ውን ኣዚዝዎም እዩ (ዮሓ13፡1)።  ነዚ መሰረት ብምግባር  ድማ ኣቦታትና ካህናት በዚ ዕለት እዚ ኣብ ቤተክርስቲያን ንዝተረኽቡ ምእመናን ብቖጽሊ ኣውሊዕ፡ ሳዕሪ ፡ወዘተ ገይሮም ተንበርኪኾም ኣእጋሮም  ብማይ ይሓጽቡ።
ብኻልእ ድማ እዚ መዓልቲ እዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ንሓዋርያት ምስጢረ ጥምቀት ዝፈጸመሉን፡ ቅዱስ ቁርባን ዝሰርዓሉን ዕለት እዩ። “ተጠምቁ አርድእት በምሴተ ኃሙስ ለጸቢሐ ዓርብ እምቅድመ ይንስኡ ስጋሁ ቅዱሰ ወደሞ ክቡረ ወወደየ ማየ ውስተ ምንዛህ ወአጥመቆሙ ለኵሎሙ አርዳኢሁ” ከም ዝበለ (ተስእሎተ ባስልዮስ)

3) ሚስጥር ቁርባን ዝሰርዓሉ ዕለት እዩ፣


ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስርዓተ ቁርባን ዝሰርዓሉ ዕለት እዩ። ክበልዑ ኸለዉ ኢየሱስ እንጌራ ኣልዐለ፡ ባሪኹ ቘሩሱ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ እዚ ስጋይ እዩ ውሰዱ ብልዑእናበለ ሃቦም። ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማእዚ ምእንቲ ብዙኃት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ ካብዚ ዅልኹም ስተዩ(ማቴ2626-28,ማር1422-26, ሉቃ2214-20, 1ቆሮ 1123-25) እናበለ ሃቦም። በዚ ድማ ኩላትና ስግኡን ደሙን ተቐቢልና ህይወት ክንረክብ ዝሰርዓልና ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምስጢር እዩ።

4) ይሁዳ ንክርስቶስ ዘትሓዘሉ መዓልቲ እዩ፣


ይሁዳ ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስዓም ዘትሓዘሉ ዕለት እዩ (ማቴ2647-58, ማር 1443-52, ሉቃ2247-53, ዮሓ183-12,)



5) ንደቂ መዛሙርቱ ኪዳን ዝይተወሎም መዓልቲ እዩ፣




ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ መፋናዊ ነዊሕን ሰፊሕን ትምህርቲ ንደቂ መዛሙርቱ ዝመሃረሉ መዓልቲ እዩ (ዮሓ1416)
እዚ መዓልቲ እዚ ካብ ካልኦት ኣብ ሰሙነ ሕማማት ካብ ዘለዉ መዓልቲታት ፍልይ ብዝበለ፡ ቅዳሴ ዝቕደሰሉ ዕለት እዩ። ኣብዚ መዓልቲ፡ ከምቲ ጐይታ ንሓዋርያት ዝገበሮ ንሳቶምውን ነንሕድሕዶም ከምኡ ክገብሩ ስለ ዝኣዘዘ፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ብዝምስጥ ስርዓት ንመዘከርትኡን በረኸት ንምውሳድን ሕጽበተ እግር ቅድሚ ቅዳሴ ይፍጸም እዩ።

ስለዚ እዚ ዕለት እዚ ኣዘወቲርና ክንጽልን ኣብ ነንሕድሕድናውን ፍቕርን ስኒትን ክህልወና፡ ከምኡ ውን ኩሉ እንገብሮ ነገር ብትግሃትን ብትሕትናን ክንገብሮ ከም ዝግብኣና ዘዘኻኽር ዕለት እዩ።
ኩሉ ግዜ ኣብ ጸሎት ክንተግህ፡ ፍቕሪ፡ ስኒትን ትዕግስትን ክህልውናን፡ ደሙን ስጋኡን ተቐቢልና ምስኡ ክንነብርን ናይ እግዚኣብሔር ሰናይ ፍቓድ ይኹነልና! ኣሜን!!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!

ይቅጽል.....................

No comments:

Post a Comment